ባዕዳዊ ህይወት ክትደሊ ዝኸደት መንኮርኰር ይሰልጣዶ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
- Author, Georgina Rannard
- Role, Science reporter
ኣብ ሓንቲ ካብተን በረድ ዝበዝሐን ወርሒታት ጁፒተር ዝዀነት 'ዩሮፓ'፡ ምልክታት ባዕዳዊ ህይወት [alien life] ምህላዉ እትድህስስ መንኮርኰር ጠፈር ትማሊ ካብ ኬፕ ካናቨራል ፍሎሪዳ ተወንጪፋ ኣላ።
‘ዩሮፓ’ ካብ መሬት ርሒቓ እትርከብን ንጁፒተር እትዘውርን ኣዝያ ምስጢራዊት ወርሒ [ፕላነት] እያ።
እታ ብበረድ ዝተኸበት ወርሒ፡ ምናልባት’ውን ካብ ምድሪ ብዕጽፊ ዝዛይድ ማይ ዝሓዘ ውቅያኖስ ይህልዋ ይኸውን።
እታ 'ዩሮፓ ክሊፐር' እትበሃል መንኮርኰር ጠፈር ነታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተበገሰት ካልእ ኣውሮጳዊት መንኰርኰት ክትሓልፋ እያ።
ከምኡ ኰይኑ'ውን፡ እታ መንኮርኰር ክሳብ 2030 ናብታ ወርሒ ኣይክትበጽሕንያ፡ እንተዀነ እቲ ርኽበት ነቲ ኣብ ዙርያ ስርዓተ ጸሓይና እንፈልጦ ሓቂ ስነ-ህይወት ንሓዋሩ ክቕይሮ ይኽእል’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ካብ ወርሒ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ትበርህ ፕላነት
ንዓመታት ኣብ ምድላው ዝጸንሐት መንኮርኰር 'ዩሮፓ ክሊፐር'፡ ኣብዚ ሰሙን ግዝኣት ፍሎሪዳ ብህቦብላ ሚልተን ምስ ተጠቕዐ እቲ እትብገሰሉ መዓልቲ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ተዳናጕዩ ቀንዩ።
እንተዀነ መሃንድሳት፡ ንትማሊ 14 ጥቅምቲ ብኣቈጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት 1206 (1706 BST) ንኽትለዓል ፍቓድ ሂቦም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦፐን ተመራማሪ ማይክሮባዮሎጂ ፕላነታት፡ ማርክ ፎክስ-ፓወል፡ “ካብ ጸሓይ ክሳብ ክንድዚ ርሒቕካ ህይወት እንተንረክብ፡ ካብ መሬት ወጻኢ ካልእ ዝተፈልየ ምንጪ ህይወት ከምዘሎ ንምፍላጥ ምተኽኣለ” ይብል።
"እዚ ተልእኾ ኣዝዩ ልዑል ትርጕም ዘለዎ'ዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ስርዓተ ጸሓይና ህይወት ከምኡ እንተዀይኑ፡ ህይወት ብሓቂ ልሙድ'ዩ ማለት እዩ" ይብል።
ካብ መሬት 628 ሚልዮን ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ‘ዩሮፓ’ ካብ ወርሒ- መሬት ብንእሽቶ ጥራይ እያ ትዓቢ፡ እቲ ምምስሳል ግን ልዕሊ እዚ ኣይከይድን።
ኣብ ሰማይና እንተዝኸውን ነይሩ፡ እቲ ብበረድ ዝተሸፈነ ማያዊ ኣካላ ዝያዳ ጸሓይ ብርሃን ስለ ዘንጸባርቕ፡ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝያዳ ምደመቐ።
እቲ በረድ ክሳብ 25 ኪ.ሜ ርጕዲ ዘለዎ ዀይኑ፡ ኣብ ውሽጡ ጨዋም ውቅያኖስ ክህሉ ይኽእል እዩ። ንህይወት ኣድለይቲ ዝዀኑ ከሚካላት'ውን ክህልዉ ይኽእሉ እዮም።
ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ኣብ ‘ዩሮፓ’ ህይወት ክህሉ ከምዝኽእል ንመጀመርታ ዝጠርጠሩ፡ ኣብ ሰብዓታት፡ ኣብ ኣሪዞና ኰይኖም፡ ብቴለስኮፕ ኣቢሎም በረድ ምስ ረኣዩ እዩ።
ቮያጀር 1ን 2ን ዝዓይነተን መንኰርኰር ጠፈር ንፈለማ እዋን ብቐረባ ዝረኣያ ኣሳእል ኣምጺአ።
ብድሕሪኡ ኣብ 1995 ናሳ ዝሰርሓ ጋሊልዮ ዝዓይነታ መንኮርኰር ጠፈር ገለ ኣዝዩ ዘገርም ኣሳእል ረኺባ።
ጸሊም ደም-በጊዕ ን ሕብሪ ዘለዎም ሽንጥሮታት፡ ንህይወት ክድግፉ ዝኽእሉ ጨውን ሳልፈር ውህደታትን ክህልዎም ዝኽእል ምዃኑ የርእዩ ።

ምንጪ ስእሊ, NASA/JPL-Caltech/SETI Institute
ወራዲ ማይ
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ተሌስኮፕ ጀምስ ዌብ፡ ካብ ገጽ እታ ፕላነት 100 ማይልስ (160 ኪሎ ሜተር) ዝወርድ ማይ ክኸውን ዝኽእል ነገር ዘርኢ ስእሊ ወሲዱ።
ካብቶም ተልእኾታት ግን ዋላ ሓደ ነታ ፕላነት ብንጹር ክርዳእ ዝኽእል ኣይነበረን።
ሕጂ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ እዛ ሓዳስ መንኮርኰር ጠፈር ዳርጋ ንመላእ እታ ፕላነት ዘይሮም ክስእልዋ ዝኽእሉን፣ ከምኡ’ውን ንጥረ ነገራት ሓመድ ክእክቡን በቲ ወራዲ ማይ ሓሊፎም ሓበሬታ ክእክቡ ዝኽእሉ መሳርሒታት ከምዝተገጥመላ ይኣምኑ።
ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኮርነል ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ሳይንስ ምድርን ከባቢ ኣየርን ብሪትኒ ሽሚት፡ ኣብ ውሽጢ እታ መንኮርኰር ብበረድ ሓሊፉ ዝርኢ ሌዘር ኣብ ምንዳፍ ዝሓገዘት እያ።
“ኣነ ዝያዳ ዝሕጐስ ንናይ ዩሮፓ ቱቦታት ምርዳእ’የ። እቲ ማይ ኣበይ እዩ ዘሎ? ዩሮፓ ናይ በረድ ኣቀማምጣ፣ ዓይኒ ማይን ካልእ ምንጪታት ክንርኢን ኣብ ካርታ ክንሰርዖምን ክንፍትን ኢና” ትብል።
እቲ 'ሪዝን' ዝበሃል ንሳ ዝመሃዘቶ መሳርሒ ኣብ ኣንታርክቲካ ተፈቲኑ ሰሪሑ እዩ።
ነዳዲ ክትውድእ ትኽእል እያ
እዛ መንኮርኰር ጠፈር፡ ናብ ፕላነት ክበጽሓ ካብ ዝተሃንጻ ዛጊድ እታ ዝዓበየት ኰይና፡ ነዊሕ እዋን ክትጓዓዝ ከም እትኽእል ይግመት።
ብሓፈሻ 1.8 ቢልዮን ማይልስ እትጓዓዝ ኰይና፡ ንኽልቲኡ መሬትን ማርስን ድሕሪ ምሕንባብ፡ ናብ ጁፒተር ገጻ ክትውንጨፍ ዘኽእላ ጉልበት ክትረክብ እያ።
ንርእሳ ዝኸውን እኹል ነዳዲ ክትስከም ኣይትኽእልን፤ እንተዀነ ስሕበት መሬትን ማርስን ብምጥቃም፡ ተወሳኺ ሓይሊ እትርኽበሉ ሜላ ተዳልዩ እዩ።
ንሓንቲ ቀዲማ ኣብ ጕዕዞ እትርከብ 'ጁዊስ' እትብሃል መንኮርኰር ትካል ህዋ ክትቅድማ እያ።
ክሊፐር ኣብ 2030 ናብ 'ዩሮፓ' ምስ ተጸግዐት፡ ብጥንቃቐ ቅኑዕ መስመራ ሒዛ ንምጓዓዝ፡ ሞተራ መሊሱ ክውላዕ እዩ።
ተመራመርቲ ህዋ ብዛዕባ ህይወት ናይ ምርካብ ዕድል ክዛረቡ ከለዉ ኣዝዮም ጥንቁቓት እዮም።
ወዲ- ሰብ ዝዓይነቶም ፍጥረታት ወይ እንስሳታት ክረኽቡ ትጽቢት የለን።
ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኢምፔርያል ኮሌጅ ፕሮፌሰር ፊዚክስ ህዋ ሚሸል ዶውገርቲ ፡ "ንሕና ንምንባር ዘኽእል ኵነታት ኢና ንደሊ ዘለና፤ ኣርባዕተ ነገራት ድማ የድልዩኻ - ፈሳሲ ማይ፡ ምንጪ ሙቐትን ኦርጋኒክ ነገርን፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ዝዀነ ኵነታት ብህድኣት ዝጸንሕሉ ወህደት" ክትብል ትገልጽ።
ከምኡ’ውን ነቲ በረድ ብዝበለጸ ክርድእዎ እንተኽኢሎም፡ ኣብ መጻኢ ተልእኾ ሓንቲ መንኮርኰር ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ንምፍላይ ክሕግዝ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, NASA/JPL/DLR




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







