ነፈርቲ ታክሲ ስራሕ ክጅምራ ተቓሪበን ኣለዋ

ምንጪ ስእሊ, JOBY
ብሰማይ ሰማይ እናበረራ ኣገልግሎት ታክሲ ክህባ ዝስርሓ ዘለዋ ነፈርቲ፡ እቲ ኣገልግሎት ዝህባሉ ግዜ እናተቓረበ ይመጽእ ምህላው ይግለጽ ኣሎ።
ተቘጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ኣሜሪካ፡ ትማሊ ሰኑይ ነተን ባህርያት ሄሊኮፕተራትን ነፈርትን ሓዊሰን ከም ታክሲ ክሰርሓ ዝሕሰባ ዘለዋ ማሽናት፡ ብወግዒ ናብ ዝርዝር ቁጽጽር ዝግበረለን ነፈርቲ ንምጽንባረን ዘኽእል ሕግታት ኣውጺኦም ኣለው፤ እዚ ድማ እቲ ኣገልግሎት ንምጅማር ዘኽእል ደራኺ ስጕምቲ እዩ።
ትካላት ንዓማዊለን ኣገልግሎት ቅድሚ ምጅማረን እዚ ሕግታት ምፍላጡ ኣድላዪ ምዃኑ ይግለጽ።
እዚ፡ ሓያለ ኩባንያታት ኣብቲ ንመጻኢ ከም ህዝባዊ መጓዓዝያ ክኸውን ዝቐርብ ዘሎ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ወፍሪ ኣብ ዘዕበያሉ ዘለዋ እዋን ዝውሰድ ዘሎ ስጕምቲ እዩ።
ዓበይቲ መንገዲ ኣየራት ጠለባት ኣብ ዘቕርባሉ፡ ኣውፈርቲ ኣብዚ ዓውዲ መጓዓዝያ ንኸውፍሩ ዘኽእሎም፡ ገንዘብ ከፍስሱ ጸኒሖም እዮም።
እዚ ብኤለክትሪካዊ ትዅላዊ ምብራርን ምውራድን [ቨርቲካል ቴክኦፍ ኤንድ ላንዲን - eVTOL] ዝፍለጥ፡ እተን ነፋርቲ፡ መዕርፎ ነፈርቲ ከየድለየን ክበርራን ክዓልባን ዘኽእለን ኰይኑ፡ ከም ነፋሪት ነዊሕ ርሕቀት እውን ክጓዓዛ ብቕዓት ዝህበን እዩ።
ብተወሳኺ፡ እዘን ነፈርቲ ሞተር ኤሌክትሪክ ዝጥቀማ ኰይነን፡ ብመንጽር እተን ምዱባት ነፈርቲ ክርአ እንከሎ ድምጽን ብከላን ዝቕንሳ እየን።
እዚ ቴክኖሎጂ መጓዓዝያ፡ ጻዕቂ ተሽከርከርቲ ኣብ ዘለወን ከተማታት ብፍላይ፡ ርትዓዊ ብዝዀነ ዋጋ ጽቕጥቅጥ ትራፊክ ንምንካይ የኽእልዶ? ዝብል ዛዕባ ከካትዕ ጸኒሑ እዩ።
እዚኣተን ከም ኣማራጺ መጓዓዝያ ጽዕነት እውን ይርኣያ ኣለዋ።
ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝካየድ ኦሎምፒክ 2024፡ እዘን ነፈርቲ ታክሲ ኣገልግሎት ክህባ ክጅምራ ተስፋታት ኣሎ።
ንሕጋጋት በረራኡ ኣመልኪቱ ከነጽር ጸቕጢ ክግበረሉ ዝጸንሐ ምምሕዳር ኣቭየሽን ፈደራል፡ ‘ኤየር ካርየር’ ብዝብል ከም ነፈርትን ሄሊኮፕተራትን ዝቘጽሮም ማሽናት ዝሃቦ ትርጕም ብምስፋሕ፡ ‘ፓወርድ ሊፍት’ ዝብል ምድብ ከም ዝኣመመ ትማሊ ሰኑይ ወግዓዊ ገይሩ።
እቲ ትካል ንውሳነኡ፡ "ንንግዳዊ ንጥፈታት ነፈርቲ ታክሲ ክውን ንምግባር ኣገዳሲ ስጕምቲ" ክብል ገሊጽዎ። እቶም ሕግታት ናብ ግብሪ ቅድሚ ምውዓሎም ግን ካብ ህዝቢ ርእይቶ ክወሃበሎም እዩ።
"እዚ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ መምርሒታትና ነዘን ነፈርቲ፡ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታት ክሰርሓ ንክኽእላ ዘኽእል’ውን ስለዝዀነ እዩ፡" ይብል እቲ ትካል።
ብተወሳኺ፡ ከምዚአን ዝኣመሰላ ነፈርቲ ንምንቅስቓስ ዘኽእል ሕጊ፡ ኣብ ዝመጽእ ክራማት 2023 ክዝርግሕ ትጽቢት ከምዘለዎ ገሊጹ።
በዚ መሰረት እዚ ሕግታት፡ ኩባንያታት ኣየር ታክሲ፡ ንፓይለታት ፍቓድ ንምሃብን ስርሐን ንምጅማርን ከማልኣኦ ብዛዕባ ዘለወን መዐቀኒታት ብዝርዝር ዝገልጽ ክኸውን እዩ።
ምክትል ፕረዚደንት ምህንድስናን ጽገናን ማሕበር ኣቭየሽን፡ ዋልተር ደስሮሲየር፡ ነቲ ትማሊ ሰኑይ ዝተወስደ ስጕምቲ ኣቭየሽን ውሳነ፡ "ኣዝዩ ኣገዳሲ ቀዳማይ ስጕምቲ" ክብል ንኢድዎ፤ እዚ ድማ እቲ ፈደረሽን ኣብቲ ጉዳይ እወታዊ ምዕባለታት ንምምጻእ ዘለዎ ድልውነት ዘመልክት እዩ።
"እዚ ኣመና ኣወንታዊ ምዕባለ'ኳ እንተዀነ፡ እቲ ዝርዝር ግን ብሕጂ ክንጽበ ኢና" ኢሉ።
ሓያለ ተንተንቲ ኣሜሪካ ግን፡ ነፋርቲ ታክሲ ክሳብ 2024 ወይ 2025 ብወግዒ ስራሕ ክጅምራ ይኽኣላ እየን ዝብል ትጽቢት የብሎምን።
እዚ ድማ ብገለ ሸነኹ ብሰንኪ ‘ቲ፡ ‘እዘን ማሽናት ብኸመይ ቍጽጽር ክግበረለን እዩ? ምስቲ ዝጸንሐ ሕግታት ውሽጢ ዓዲን ምቁጽጻራዊ ጉዳያትን ክጋጮ ይኽእል’ዩ፡ ወዘተ ዝብሉ ብቐጻልነት ከካትዑ ዝጸንሑ ጉዳያት እዩ።
ዋላ’ኳ እቲ ደረት ግዜ ርግጸኛ እንተዘይኰነ፡ መንገዲ ኣየር ዩናይትድን ደልታን ካብቶም ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ነዚ ሓሳብ ብምድጋፍ ብሚልዮናት ዝቝጸር ዶላራት ቃል ዝኣተዉ ዓበይቲ ኩባንያታት እዮም።
ብደረጃ ዓለም'ውን ኣማኢት ኩባንያታት ናብዚ ቢዝነስ ይጓየያ ከም ዘለዋ እዩ ዝፍለጥ።
ኣብ ማክኪንዚ፡ መሻርኽትን መራሒ ማእከል መጻኢ ተሽከርከርት ናይቲ ትካልን ዝዀነ ሮቢን ሪደል፡ ብዙሓት ኩባንያታት ክፈሽላ ከምዝኽእላ እዩ ዝገልጽ።
ንሱ፡ እቲ ከጋጥም ዝኽእል ቴክኒካዊ ብድሆን ከምኡ'ውን እምነት ህዝቢ ናይ ምርካብ ተኽእሎን ወጻኢታት ብምንካይ ነፈርቲ ታክሲ ብሰፊሑ ብተመጣጣኒ ዋጋ ከም ዝሽየጣ ኣብ ምግባር ክጽገማ ከም ዝኽእላ እዩ፡ ከም ምኽንያት ዘቐምጥ።
ከምዚ ዓይነት መጓዓዝያ፡ ክሳብ ድሕሪ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ዝተመርጻ ውሱናት ከተማታትን መስመራትን፡ ብቐንዱ ድማ ንኣዝዮም ሃብታማት ንጋዶን ጥራይ ተሓጺሩ ከም ዝቕጽል እዩ ዝኣምን።
"ድሕሪ ሕጂ ንሃብታማት ጥራይ ዝኸውን ኣሻንጕሊት ክሰርሕ ዝደሊ ሰብ የለን፣ ዕዳጋኡ ኣዝዩ ድሩት'ዩ" ይብል። ስለዚ፡ "ከም ሕብረተሰብን ከም ኢንዱስትሪን ክውንነታውያን ክንከውን ኣለና፡” ክብል ኣተሓሳሲቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







