ዝፈሸሉ ምህዞታት ቴክኖሎጂ ትፈልጡ ዶ?

ትራሽክለታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ነገራት እንተስተብሂልኩም ንህይወትና ዝቐየሩ ማእለያ ዘይብሎም ዘደንቑ ምህዞታት ክትዕዘቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ንኣብነት ነዚ ዛንታ ተንብቡሉ ዘለዅም ሞባይል ወይ ኮምፕዩተር ሓደ ካብዚኦም’ዩ።

ዓለምና ሳላ ሳይንሳዊ ርኽበታትን ቴክኖሎጂያዊ ምህዞታትን ብቐጻሊ እናተቐየረት እያ ትመጽእ ዘላ።

ኵሉ ምህዞታት መበገሲኡ ንጽቡቕ ዕላማ’ኳ እንተዀነ፡ ገሊኦም ግን ረብሓ ዘይብሎም ወይ ዘይተሓስበ ጉድኣት ዘስዕቡ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ሓደ ምህዞ ዕዉት ንክኸውን ድማ፡ እቲ ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ‘ዓቢ ሓሳብ’ ኣብ ባይታ ክትግበርን ረብሓ ክህብን ይግባእ።

ይዅን’ምበር፡ ‘ዩሬካ’ ዘበሉ ህሞታት ምህዞ ከም ምህላዎም መጠን፡ ንምታይ ተማሂዞም ዝተበሃሉ ርኽበታት’ውን ኣለዉ።

ገለ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝኸፍኡ ምህዞታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።

ፓራሹት ካቦት

ፍራንዝ ራይሸልት፡ ዝመሃዞ ፓራሹት ካቦት ተኸዲኑ ይርአ

ምንጪ ስእሊ, Ullstein Bild/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፍራንዝ ራይሸልት፡ ዝመሃዞ ፓራሹት ካቦት ተኸዲኑ ይርአ

ፍራንዝ ራይሸልት ሞያኡ ስፌት ክዳውንቲ እዩ ነይሩ።

ሰባት ዝያዳ ተጠቀምቲ በረራታት ኣብ ዝዀኑሉ እዋን ግን፡ ኣብረርቲ ከም ፓራሹት ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ ክዳን ክነድፍ ተደሪኹ።

ድሕሪ ናይ መጀመርታ ፈተነታት፡ እቲ ምህዞ ከምዝሰርሕ ኣዝዩ ርግጸኛ ኰይኑ። ኣብ 1912 ድማ ካብቲ ኣብ ፓሪስ ፈረንሳ ዝርከብ ታሕተዋይ ደረጃ ኣይፍል ታወር ክፍትኖ ወሲኑ።

እቲ ዘሕዝን ኣጋጣሚ ግን እቲ ምህዞ ውጽኢታዊ ክኸውን ስለዘይከኣለ፡ ፍራንዝ ኣብ ውሽጢ ካልኢታት ወዲቑ ህይወቱ ስኢኑ።

ይዅን እምበር ሳላ ከምኡ ዝኣመሰሉ ፈለምቲ መሃዝቲ፡ ብድሕሪኡ ንምዝላል ዝሕግዙ ክንፊ ዘለዎም ስረታትን ከምኡ’ውን ንፓይለታት ዝኸውን መፈንጠሪ መንበርን ኣብ ጥቕሚ ውዒሎም ኣለዉ።

መጽለሊ ቡን

ኵሎም ዘይጠቕሙን ክጓሓፉ ዝተዳለዉን ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉ መጽለሊታት ቡን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጥቕሚ ውዒሎም ክጓሓፉ ዝተዳለዉ መጽለሊታት ቡን

መጽለሊ ቡን ሓደ ካብቶም ኣብ ወረቐት ዘገርም ሓሳብ ዝመስሉ ምህዞታት ሓደ እዩ። ብተግባር ግን ንምእማኑ ዘጸግም ብኽነት እዩ ነይሩ።

ነዚ ዝመሃዘ ጆን ሲልቫን ከይተረፈ፡ ኣብ ኣፍራይ ቡን ኬውሪግ ግሪን ማውንተይን ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን ብምምሃዙ ከምዝጣዓስ ገሊጹ እዩ።

መጽናዕትታት ከምዝሕብርዎ፡ ካብ መጽለሊ ቡን ዝፍጠር ዓመታዊ ዓለማዊ ኣሰር ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ቶን እዩ።

ገለ ፍሉያት ኩባንያታት ነቶም መጽለሊታት ዳግማይ ይጥቀሙሎም እዮም። ብውልቀሰብ ደረጃ ግን ዳግማይ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ኣይክእሉን።

ናብ እንዳ ጓሓፍ እንተተደርብዮም ድማ ንኽበስቡ 500 ዓመት’ዩ ዝወስድ።

ትሪሽክለታ

ሰር ክላይቭ ሲንክለር ምስ ሲንክለር ሲ5 ዝተበሃለት ሓዳስ ናይ ኤሌክትሪክ መኪንኡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰር ክላይቭ ሲንክለር ምስ ሲንክለር ሲ5 ዝተበሃለት ሓዳስ ናይ ኤሌክትሪክ መኪናኡ

ሲንክለር ሲ5 ዝተባሀለት ትሪሽክለታ (ሰለስተ ጎማ ዘለዋ መጓዓዝያ) ሓንቲ ካብቶም ካብ ግዜኦም ኣዝዮም ቀዲሞም ዝተማሃዙ ርኽበታት እያ።

ነዛ ምህዞ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ሰር ክላይቭ ሲንክለር ከም ዕዉት መሃዚን ኣቦ ናይ ገዛ ኮምፒተርን ዓቢ ዝና ነይርዎ። ኣብ 1982 ዚኤክስ ስፔክትረም ዘረተበሃለ ምህዞኡ ኣብ ናይ ገዛ ኮምፒዩተር ዓቢ ሰውራ ኣስዒቡ’ዩ።

ኣብ 1985 እታ ሲንክለር ሲ5 ዝተበሃለት ናይ ኤሌክትሪክ መጓዓዝያ ምስ ተዘርግሐት ግን፡ እዚ ኵሉ ተረሲዑ።

እቲ ዝገርም ግን ሲ5 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ጽርግያ ክትዝወር ትኽእል እያ። ይዅን’ምበር ቁመታ ኣስታት 80 ሴንቲሜተር ስለዝዀነ፡ ኣብ ቅድሚ ካልኦት ተሽከርከርቲ ኣዝያ ውሑስቲ ኣይትኸውንን።

ብተወሳኺ ባትሪ ነዊሕ ኣይጸንሕን፤ ኣስታት 32 ኪሎሜተር ጥራይ እያ ክትከይድ ትኽእል። እትጓዓዘሉ ዝለዓለ ፍጥነት ድማ ኣብ ሰዓት ኪሎሜተር እዩ ነይሩ።

ብዙሕ ተቐባልነት ኣይረኸበትን፤ መሸጣ’ውን ድኹም እዩ ነይሩ። ስለዝዀነ’ውን ዝና ሲንክለር ገና ብኣጋኡ ሃሲሱ።

ሕጂ ግን ቴክኖሎጂ ባትሪ ኣዝዩ ስለዝተመሓየሸ፡ ሲ5 ኣብዚ እዋን እንተትዝርጋሕ ነይራ፡ ዝሓሸ ተቐባልነት ምረኸበት ነይራ።

ሃንደበት ዝቕልቀሉ መወዓውዒታት

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሃንደበት ዝቕልቀሉ መወዓውዒታት
መግለጺ ስእሊ, ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሃንደበት ዝቕልቀሉ መወዓውዒታት

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሃንደበት ዝቕልቀሉ መወዓውዒታት ምስ ሕማቕ ተመኵሮ ዳህሳስ ዝመሳሰሉ’ዮም። ብዙሓት ሰባት ብዞም መወዓውዒታት ከምዝሓርቁ ይዛረቡ።

ይዅን እምበር፡ እዞም መወዓውዒታት መጀመርታ ክመሃዙ እንከለዉ፡ ንተጠቀምቲ ኢንተርነት ብጭቡጥ ንምሕጋዝ እምበር ንምዕንቃፍ ኣይነበረን።

ሃንደበት ዝቕልቀሉ መወዓውዒታት ብኢታን ዙከርማን ዝተማህዙ እዮም።

ብድሕሪኡ ግን ዙከርማን በዚ ንምእማኑ ዘጸግም ዘሕርቕ ምህዞ ይቕሬታ ሓቲቱ’ዩ።

ሃይድሮጅን መርከብ-ኣየር

'ግራፍ ዜፐሊን' ኣብ 1928 ኣብ ልዕሊ ሰማይ ኒውዮርክ ኣሜሪካ ክትበርር ትርአ

ምንጪ ስእሊ, Ullstein Bild/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, 'ግራፍ ዜፐሊን' ኣብ 1928 ኣብ ልዕሊ ሰማይ ኒውዮርክ ኣሜሪካ ክትበርር ትርአ

ጕዕዞ ባሕሪ ናይ ነዊሕ መገሻ እንኮ ኣማራጺ ዝነበረሉ እዋን ነይሩ’ዩ። ኣብ መጀመርታ ዓሰርተታት ዓመታት መበል 20 ክፍለ ዘመን ግን በረራታት ምስ ተጀመረ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብዝሓጸረ ግዜ ነዊሕ ጕዕዞ ምግባር ከምዝከኣል ተራእዩ።

ቴክኖሎጂ ባሎን እውን ኣዝዩ ተመሓይሹ ከም መጓዓዝያ ክዝርጋሕ ጀሚሩ።

ብዙሓት ኩባንያታት መርከብ-ኣየር ኣፍርየን እኳ እንተነበራ፡ ተፈታውነቱ ዝወሰኸ ግን ድሕሪ ኩባንያ ዜፐሊን ምምጻኡ’ዩ።

ዜፐሊን ብሉጽ ሓሳብ ነይርዎ፤ እዚ ድማ መርከብ-ኣየር ምዕሩግ ካቢን (ጋቢና) ክህልዋን ንሰባት ብቕልጡፍን ብዝምችእ መንገዲ ባሕሪ ሰጊርካ ምጕዕዓዝን’ዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ 1920ታትን መጀመርታ 1930ታትን እዚ ካብ ኣውሮጳ ናብ ኣመሪካ ንዝግበር ጕዕዞ ዝሕግዝ ህቡብ መሳርሒ ኰይኑ።

እቲ ሕማቕ ሓሳብ ግን እቶም ባሎናት ብኣዝዩ ነታጒ ዝዀነ ሃይድሮጅን ጋዝ ምምላእ እዩ ነይሩ። ሓደጋታት ብመጠኑ ልሙድ ኰይኑ። ኣብ 1937 ዘጋጠመ ሓደጋ ሂንደንበርግ ድማ እቲ ስግኣት ርኡይ ክኸውን ገይሩ፤ እታ መርከብ-ኣየር ክትዓልብ ከላ ምስ ተፈንጀረት 36 ሰባት ህይወቶም ምስኣኖም ስዒቡ፡ ዕድመ መርከብ-ኣየር ሃንደበት ተቛሪጹ።

ማስቲካ

ብዙሕ ሕብሪ ዘለዎ ስብስብ ማስቲካ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ግድብ ሁቨር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎም ማስቲካታት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ግድብ ሁቨር

ማስቲካ ንኣሽሓት ዓመታት ዝጸንሐ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ዘመናዊ ዓይነት ግን ናብ ዕዳጋ ዝቐረበ ኣብ 1848 እዩ።

ተፈታውነቱ ንምዕባይ ኣብ 1860ታት መቐረቱ ክውሰኽ ተገይሩ፡ እቲ ሓቀኛ ዕቤቱ ግን ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን እዩ ተራእዩ።

ካብ ትሕቲ ጠረጴዛታት ቤት ትምህርቲ ክሳብ ሜዳታት ኩዕሶ እግሪ ኣብ ኵሉ ቦታ ክርከብ ጀሚሩ።

ሓደ ካብቲ ቀንዲ ቀመማት ዘመናዊ ማስቲካ ፖሊቪኒል ኣሴቴት ዝበሃል ዓይነት ፕላስቲክ ኰይኑ ምስ ከም ክዳን፡ ጫማን ካልኦት ነገራትን ምስ ዝጣበቕ ንምእላይ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ንብረት ብምብልሻው ክሳራ የብጽሕ፡ ከምኡ’ውን ንምእላይ ወይ ንምጽራይ ድማ ብዙ ወጻኢታት ይሓትት።

ዕድመ ንሓድሽ ወለዶ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ካብዚ ፕላስቲክ ነጻ ዝዀነ ማስቲካ ክቕልቀል ጀሚሩ ኣሎ።

ቤታማክስ ቪድዮ

 ዝጸንሐ እኩብ ቤታማክስ ቪድዮ ቴፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዝጸንሐ ቤታማክስ ቪድዮ ቴፕ

ኣብ ዓለም ስርዓታት ቪድዮ ክመጽእ እንከሎ፡ ብሓቂ ሶኒ ዘፍረዮ ቤታማክስ ቴፕ ካብ ቪድዮ ሆም ሲስተም (VHS) ካሴት ኣዝዩ ዝሓሸ ጽሬት ስእሊ ኣለዎ። ይዅን’ምበር፡ ኢንዱስትሪ ፊልም ንቪኤችኤስ ብምቕባሉን ኣብ ምፍራይ ልዑል ወጻኢታት ስለዝነበሮን ግን ኣብ ዕዳጋ ብዙሕ መሸጣ ኣይረኸበን።

ሶኒ ቤታማክስ ምፍራይ ዝጀመረ ኣብ 1975 እኳ እንተነበረ፡ ምፍራይ ዘቋረጸ ግን ኣብ 2016 እዩ።

ብሰንኪ’ዚ ድማ ብተዛማዲ ኣዝዩ ነዊሕ ዕድመ ዝጸንሐ ዘይዕዉት ፍርያት ተገይሩ ይርአ።

ፕላስቲክ መትሓዚ ቦርሳ (ፌስታል)

'ፕላስቲክ ማን' ብዝብል ዝፍለጥ ሰኔጋላዊ ተሓላቒ ኣከባቢ ሞዱ ፎል፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ንሰባት ብዛዕባ ብከላ ምጥቃም ፕላስቲክ የጠንቅቕImages

ምንጪ ስእሊ, Annika Hammerschlag/Anadolu Agency/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, 'ፕላስቲክ ማን' ብዝብል ዝፍለጥ ሰኔጋላዊ ተሓላቒ ኣከባቢ ሞዱ ፎል፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ንሰባት ብዛዕባ ብከላ ምጥቃም ፕላስቲክ የጠንቅቕ

ፕላስቲክ መትሓዚ ቦርሳ (ፌስታል) ኣብ 1965 ብሽወደናዊ መሃንድስ ስቴን ጉስታፍ ቱሊን ክማሃዝ እንከሎ፡ ብቐጻሊ ዳግማይ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ዝኽእል መትሓዚ ከምዝዀነ ተሓሲቡ ነይሩ።

ይዅን’ምበር፡ ሎሚ ዓለምና ብብከላ ፕላስቲክ ኣዝያ ተጸጊማ ትርከብ። ሕጂ እውን ገና ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ነዚ ሓደ ግዜ ጥራይ ተጠቒምና እንድርብዮም ፌስታላት ይጥቀሙ ስለዘለዉ ዘስዕቦ ጸገም ንምስትብሃል ብዙሕ ጻዕሪ ኣየድልዮን።

ገለ መጽናዕትታት ከምዘመልክትዎ፡ ኣብ 2050 ኣብ ባሕሪ ብክብደት ካብ ዓሳታት ንላዕሊ ፕላስቲክ ክህሉ እዩ።

ንሓደ ግዜ ዝጥቀሙ ፕላስቲክ ቦርሳታት፡ ኣብ ባሕሪ ዝርከብ ህይወት ይቐትሉ ኣለዉ፤ ኣብ መጕሓፊ ቦታታት እንተተቐቢሮም እውን ንኽብስብሱ ዘመናት’ዮም ዝወስዱ።

ኣፕል ኒውተን

 ኣብ 1993 ዝነበረ ኦሪጅናል መልእኽቲ ፓድ ኣፕል ኒውተን

ምንጪ ስእሊ, Alamy

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1993 ዝነበረ ኦሪጅናል መልእኽቲ ፓድ ኣፕል ኒውተን

ወረቐትን ብርዕን ዘልዓለማዊ ውህደት እዩ።

እንተዀነ ኣብ መጀመርታ 1990ታት ኩባንያ ኣፕል ዓለምና ዘመናዊ ምህዞ ከምዘድልያ ኣሚኑ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ሰባት ብኢዶም ዝጽሕፉሉ መልእኽቲ ፓድ ኣፕል ኒውተን ኣፍርዩ።

ግን እቲ ጸገም፡ ኣፕል ኒውተን ክቡርን መብዛሕትኡ ተስፋ ዘቝርጽን’ዩ ነይሩ። ኢደ-ጽሑፍ ናይ ምልላይ ኣቕሙ ኣዝዩ ድኹም ስለዝነበረ፡ ከም ትርጕም ዘይብሉ ቴክኖሎጂ ተራእዩ።

እዚ ቅድሚ ኣይፖድን ኣይፎንን ዝነበረ እዋን፡ ኣፕል ኣጸጋሚ ግዜ ዘሕለፈሉ’ዩ ነይሩ።

ስቲቭ ጆብስ ኣብ 1985 ካብቲ ኩባንያ ክወጽእ ተገይሩ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ 1997 ግን ናብቲ ትካል ተመሊሱ። ዳርጋ ከም ናይ መጀመርታ ስጕምቱ ድማ ፍርያት ኒውተን ክቋረጽ ገይሩ።