ሳዕቤናት ቅድመ-ንጽፈተ-ጽግያት ንምክልኻል ዝሕግዙ ሽዱሽተ ተፈጥሮኣዊ ሜላታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቅድመ-ንጽፈደተ- ጽግያት (ፕሪመኖፖዝ) ኣብ መላእ ዓለም ንሚልዮናት ደቂ ኣንስትዮ ይጸልወን፣ እንተዀነ፡ ገና ሳሕቲ ዝዝረበሉን መብዛሕትኡ ግዜ ብጌጋ እንርድኦን ምዕራፍ ህይወት ኰይኑ ጸኒሑ።
ኣብ ገለ ሃገራትን ማሕበረሰባትን ድማ ፍጹም ዘይትንከፍ ኣርእስቲ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
እዚ ምዕራፍ፡ ናብ ንጽፈት-ጽግያት ዝመርሕ ቀስ ብቐስ ዝግበር ምስግጋር ኰይኑ፡ ደረጃ ሆርሞን ጓል ኣንስተይቲ ክቕየር ምስ ዝጅምር፡ ንጥፈታት ምፍራይ እንቋቝሖ ድማ በብቝሩብ ይንኪ።
መጠን ሆርሞናት - ኦስትሮጅን፡ ፕሮጀስትሮን፡ ፎሊክል-ስቲሚላቲንግ ሆርሞን (FSH)፡ ሉቲናይዚንግ ሆርሞን (LH)፡ ከምኡ'ውን ቴስቶስትሮን - ምልውዋጥ ምስ ዝጅምሩ እዩ ዝስዕብ።
እዚ ለውጢ እዚ ንመዓልታዊ ህይወት ብዓቢዩ ዝጸሉ ሰፊሕ ኣካላውን ስምዒታውን ምልክታት የበግስ።
ብመሰረት ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ፡ እቶም ብብዝሒ ዝረኣዩ ምልክታት፤
- ዘይስሩዕ ምፍሳስ ወርሓዊ ጽግያት
- ኣብ እዋን ለይቲ ምርሃጽ
- ትዅረት ምስኣን
- ጭንቀት ወይ ምቅይያር ስምዒት
- ድቃስ ምስኣን
- ምጕዳል ድሌት ጾታዊ ርክብ ከምኡ'ውን፡
- ደረቕ ርሕሚ ይርከቡዎም።
ምልክታት ኣብ መወዳእታ ሰላሳታት በብቝሩብ ናብዚ ብርኪ ዝሰጋገር ኰይኑ፡ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መፋርቕ ኣርብዓታት ዕድሚአን ናብዚ ደረጃ ከም ዝኣትዋ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።
ንገለ በዚ ጸገም ንዝተጸልዋ ደቂኣንስትዮ፡ ምትካእ ሆርሞን (HRT) ኣማራጺ ክኸውን ከሎ፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ግን እቶም ምልክታት ብተፈጥሮኣዊ ኣገባብ እየን ዘመሓድርኦ።
እቶም ምልክታት ንምክልኻል ዝሕግዙ ሽድሽተ መንገድታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፤
1. ጥዑይ ኣመጋግባ
ሚዛናዊ ኣመጋግባ ኣገደስቲ መኣዛታት ንመጠን ሆርሞናት ክድግፍ እንከሎ፡ ድኹም ኣመጋግባ ድማ ንዅነታት ስምዒት፡ ጉልበት፡ ምትሕልላፍ መግቢን ሓፈሻዊ ጽቡቕ ህይወትን ዝጸሉ ዘይምዕሩይነት ከስዕብ ይኽእል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጽቡቕ ኣመጋግባ እንታይን እንታይን ከካትት ኣለዎ፤
ብፋይቶኢስትሮጅን ዝሃብተሙ መግብታት – ኣብ እንጣጢዕ፡ ሶያ-ዓተርን ክክዕን ዝርከብ፣
ፍረታትን ኣሕምልትን - እኽሊ፡ ሓይሊ ጭዋዳታት ንምዕቃብ - ፕሮቲናት ዝህቡ መግብታት ከምኡ'ውን፣
ጥዑይ ስብሒ - ከም ኣቮካዶ፡ ፍረታትን ዘርእን ንፍርያት ሆርሞን ይሕግዙ።
2. ስሩዕ ምንቅስቓስ ኣካላት
ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሓንጎል ዝርከብ መጠን ዶፓሚን (ስምዒት ደስታ፡ ዕግበትን ምንቕቓሕን ዝፈጥር) ብምዕባይ ስምዒትካ ጽቡቕ ክኸውን ይገብር።
እዚ፡ ምስ ደስታን ታሕጓስን ዝተኣሳሰር ኒውሮትራንስሚተር ዶፓሚን ንኸመንጩ የነቓቕሕ።
ስሩዕ ምንቅስቓስ ኣካላት ንናይ ሓንጎልካ ስርዓተ-ንጥፈታት ዳግማይ ክሰርሖ እውን ይኽእል እዩ።
እዚ ድማ ንዝዘውር ዶፓሚንን ዝርከቡ ተቐበልቲ ዶፓሚንን ክውስኽ ይኽእል እዩ - ጽቡቕ ክስምዐካ ይግበር።
እዚ ናይ መትኒ ከሚካላዊ ምላሽ (ንዩውሮከሚካላዊ)፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ጥዕና ኣእምሮን ኵለመደያዊ ጥዕናን ዘለዎ ልዑል ተራ ዘጉልሕ እዩ።
ካብቶም ዝምከሩ ኣካላዊ ምንቅስቓሳት፤
ናይ ሓይሊ ልምምድ – ጭዋዳታት ይሃንጽን ጥንካረ ዓጽሚ ይሕሉ፣
ዮጋን ምዝርጋሕን – ተዓጻጻፍነት የመሓይሽን ጸቕጢ ይቕንስ፣
ኤየረውቢክስ ምንቅስቓስ ኣካላት – ጥዕና ልብን ስርዓተ ምዝውዋር ደምን ይሕግዙ፤ ከምኡ'ውን ጽቡቕ ድቃስ ክትረክብ ይሕግዝ።
3. ምቕናስ ጭንቀት
ጸቕጢ ንናይ ቅድመ-ንጽፈት ጽግያት ምልክታት ብዓቢዩ ከጋድዶ ይኽእል እዩ።
ንኣብነት፡ ምቅይያር ስምዒት፡ ጭንቀትን ምዝንባዕ ድቃስን ይርከቡዎም።
ኣብ 2019 ኣብ መደበር ጥዕና ማዮ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣብ መፋርቕ ዕድመ ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምስትውዓል ትሑት ደረጃ ጸቕጥን ምስ ምንካይ መጠን ምልክታት ቅድም-ንጽፈት ጽግያት ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ኣስተንትኖ – ጭንቀት ይቕንስን ትዅረት የመሓይሽን፣
ዓሚቝ ምስትንፋስ – ንስርዓተ መትኒ የህድኦ፣
ምጽሓፍ – ብቐጻሊ ምጽሓፍ ንጹርነትን የዕቢ፤ ስምዒትካ የህድእ፣

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
4. እኹል ድቃስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ እዋን ቅድመ-ንጽፈተ-ጽግያት ዝፍጠር ምዝንባዕ ድቃስ ምዕራይ በዳሂ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ምኽንያቱ፡ እቲ ሱር እቲ ጠንቂ - ምልውዋጥ ሆርሞናት - ዝተሓላለኸን ንምቍጽጻሩ ኣጸጋምን ብምዃኑ።
ኣብ ምቍጽጻር ድቃስ ወሳኒ ተራ ዘለዎም ኢስትሮጅንን ፕሮጀስትሮንን ብዘይተገመተ መንገዲ መጠኖም ይወርድ። (ኢስትሮጅን ንምምዕባልን ምቍጽጻርን ኣካላት መፍረ ደቂ ኣንስትዮን ዝሕግዝ ሆርሞን ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ስርዓተ ምፍራይ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት፡ ኣብ ጥንስን ምፍጣር ድቂን ወሳኒ ተራ ይጻወት)
እዚ ድማ ንዅሉ ዝምጥን ሓደ ዓይነት ፍታሕ ንምርካብ ኣጸጋሚ ይገብሮ።
ብተወሳኺ፡ ከም ለይቲ ምርሃጽዕ፡ ጭንቀትን ምልውዋጥ ስምዒትን ዝኣመሰሉ ምልክታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይቀያይሩ።
ከም ለውጢ ኣነባብራ፡ ፍወሳ ሆርሞን ወይ መድሃኒት ዝኣመሰሉ ውህደት ሕክምናታት የድልዮም።
ካልኦት ረቛሒታት፡ ከም ምስ እርጋን ዝተኣሳሰር ለውጢ'ውን ኣብ ኣገባብ ድቃስ ለውጢ የምጽእ እዩ።
ገለ ማዕዳታት፤
- ጽሩይን ጥዑይን ኮበርታን ኣንሶላን
- ስሩዕ እዋን ድቃስ ምሕላው
- ቡንን ካልኦት ካፈይን ዝሓዙ መስተታት ምውጋድ
- ዝሕል ዝበለን ጽልመት ዝበለን እንዳ መደቀሲ
5. ዕጽዋት (ኣትክልቲ)
ጐድኒ ጐድኒ ሆርሞን መተካእታ ፍወሳ (HRT) መድሃኒታት ዕጸዋት ምጥቃም ትሓስባ እንተዄንክን፡ ክህልዉ ዝኽእሉ ከሚካላዊ ምውህሃድ ምፍላጥ ወሳኒ እዩ።
ንኣብነት፡ ሴንት ዮሃንስ ወርት ንውጽኢታዊነት ጽማቝ ኤችኣርቲን ካፕሱላትን ከጕድል ከም ዝኽእል ክኢላታት ይሕብሩ።
ብተመሳሳሊ፡ ገና እኹል መጽናዕቲ ዝደሊ እንተዀነ'ኳ፡ ዝለዓለ መጠን ህሩድ (ዕርዲ) ብኽልሰ-ሓሳብ ንኤች.ኣር.ቲ ብተቐበልቲ ኢስትሮጅን ብምውድዳር ጣልቃ ክኣቱ ከም ዝኽእል ይእመን።
ከምኡ'ውን ከም ካልኦት ፍርያት ዕጽዋት፡ ብሰንኪ ሕጽረት ጽኑዕ ክሊኒካዊ መርመራ፡ ድሕንነቶምን ውጽኢታዊነቶም ንጹር ከም ዘይኰነ ክኢላታት ጥዕና የጠንቅቑ።
ቅድሚ ዕጸዋት ንመድሃኒታት ምጥቃም ምጅማር፡ ምስ ካልኦት መድሃኒታት ምውህሃድካ ድሕነትን ውጽኢታውነትን ንምርግጋጽ ምስ ብዓል ሞያ ክንክን ጥዕና ምምኽኻር ኣገዳሲ እዩ።
6. ኵለንተናዊ ደገፍ ምርካብ
ቅድመ-ንጽፈተ- ጽግያት ልዕሊ ዓቕምኻ ኰይኑ ክስምዓኪ ይኽእል እዩ፣ ግን በይንኺ ክትሓልፍዮ ኣየድልየክን እዩ።
ክኢላታት፡ ምስ ኣዕሩኽ፡ መጻምድቲ፡ ኣብ ናይ ደገፍ ጕጅለታት ክትጽንበር፡ ሞያዊ ፍወሳ (ቴራፒስት) ክትረክብ ኣትሪሮም ይመኽሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሓዳር ዘስዕቦ ጽልዋ
ቅድመ-ንጽፈተ- ጽግያት ንሓያሎ ዓመታት ዝጸንሕ ኰይኑ፡ ገለ ክኢላታት ካብ ኣርባዕተ ክሳብ 10 ይግምቱ።
ንውሓት ግዜኡ ብከም ስነሰረት (ጀነቲክስ)፡ ኣነባብራን ሓፈሻዊ ጥዕናን ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ዝጽሉ እዩ።
ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ስነኣእምሮኣዊ ጾታውን ዝምድናውን ሓኪም ሻህርዛድ ፑራብዶላህ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ በዚ ጸገም ዝሓልፋ ኣዴታት ዝምድናታተን ዝጽሎ ኰይኑ፡ ምስ መጻምድቲ ጥራሕ ዘይኰነስ ምስ ደቀን'ውን ክጽገማ ከም ዝኽእላ ገሊጹ።
ብፍላይ ግቡእ ዝርርብ እንተ ዘይሃልዩ፡ ስምዒታዊ ምርሕሓቕን ቂምታን ከስዕብ ይኽእል።
ይዅን'ምበር፡ መጻምድቲ ምስ ንቕሓት፡ ትዕግስትን ምትዕጽጻፍን፡ ርክቦም ከደልድሉ ከም ዝኽእሉ ኣስሚራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







