ኣኽባሪ ሕጊ ኔዘርላንድ ንኤርትራዊ ኣሰጋጋሪ ደቂ ሰባት ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ኣብ ዝርዝር ቀንዲ ተደለይቲ ሰባት ሰሪዕዎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ሓደ ካብቶም ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ተኸሲሱ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝነበረን ካብ ቤት ፍርዲ ዝሃደመን ውልቀሰብ እዩ።
ኣኽባሪ ሕጊ ኔዘርላንድ፡ ንኤርትራዊ ኪዳነ ሃብተማርያም ኣብ ዝርርዝ ቀንዲ ተደለይቲ ሰባት ብምስፋር ተታሑዙ ናብ ሕጊ ክቐርብ ከምዝኣዘዘ ሮይተርስ ኣቃሊሑ።
ኪዳነ ዘካርያስ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ንሓደ ዓመት ብጉዳይ ክልተ ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኮይኑ ጉዳዩ ክረአ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዘሓለፈ ዓመት ወርሒ ለካቲት 2020 ካብ ቤት ፍርዲ ሃዲሙ ከምዝተሰወረ ይዝከር።
ካብ ማእከል ቤት ፍርዲ ክሃድም ምኽኣሉ ብዙሓት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዘራራቢ ብምግባር ብዓይኒ ጥርጣረ ክርእይዎ እንከለዉ፡ እቲ ምህዳሙ ነቶም ንሰብኣዊ መሰላት ዝቃለሱ ሰባት ዘሰንበደን ዘቐጠዐን ክስተት'ዩ ነይሩ።
ኪዳነ ዘካርያስ፡ ዋላ'ኳ ካብ ቤት ፍርዲ እንተሃደመ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ኪዳነ ኣብ ዘይተረኸበሉ ንሕልፈት ክእሰር ፍርዱ ሂቡ'ዩ።
ኪዳነ ኣብዚ እዋን ኣበይ ከምዝርከብ ኣይፍለጥን'ዩ።
ኪዳነ፡ ነቶም ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር ኣብ ሊብያ ዝብጽሑ ስደተኛታት ብጥምየት ብምቅጻዕ፡ ብምስቓይን ብጾታዊ ዓመጻትን'ዩ ተኸሲሱ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ።
ኪዳነ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ለካቲት'ዩ ካብ ቤት ፍርዲ ሃዲሙ።
ኣብቲ እዋን ናብ ዓይኒ ምድሪ ብምኻድ ክዳኑ ቀይሩ ካብቲ ቤት ፍርዲ ከምዝሃደመ'ዩ ተገሊጹ።
ብሽም ኪዳነ ገንዘብ ብምቕባል ምስኡ ዝተኸሰሰት ሳባ መንደር ሃይለ፡ ን12 ዓመት ክትእሰር ክትፍረድ እንከላ፡ ተሓባበሪ ኪዳነ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ወሊድ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ተወልደ ጎይትኦም ዝተብሃለ ዕሉል ኣሰጋጋሪ ኸኣ ን18 ዓመት ክእሰር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ተፈሪዱ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣይሪሽ ታይምስ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ገጻቱ ከምዘስፈሮ፡ ኪዳነን ተወልደን ካብ 2014 ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበረ ግዜ ብ10ታት ኣሸሓት ዝቁጸሩ ሰባት ካብን ናብን ሊብያ ከምዘሰጋገሩ ገሊጹ።
ኣኽባሪ ሕጊ ኔዘርላንድ ምስ ጣልያን ብምትሕብባር ንኪዳነ ሒዙ ናብ ፍርዲ ከምዘቕርቦ ገሊጹ ኣሎ።
ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ኔዘርላንድ፡ ብኪዳነ ግዳያት ዝኾኑ ሰባት፡ ዝተሳቐዩ፡ ተጨውዮም ገንዘብ ክኸፍሉ ዝተገደዱን ጾታዊ ዓመጻት ዝበጽሐንን ኣብ ኔዘርላንድ ስለዝርከቡ ንጉዳይ ኪዳነ ብዕቱብ ክርእዮ ከምዝመረጸ ገሊጹ።
ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድስ፡ ኣብ ኔዘርላንድስ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሳባት በደል ንዝፈጸሙ ደቂ ካልእ ሃገራት ናብ ፍርዲ ዝቐርብሉ ኣገባብ ኣሎ።

ኪዳነ ዘካርያ ሃብተማርያም መን'ዩ?
ኪዳነ፡ ኣብ ሊብያ ኣሽሓት ስደተኛታት ዝኣስረሉ ገዛውቲ [መኻዚኖ] ከምዘለዎ'ዩ ዝግለጽ።
ነቶም ስደተኛታት ካብን ናብን ሃገራት ብዘይሕጋዎ ኣገባብ ብምስግጋር፡ ናብ ካልኦት ኣሰጋገርቲ ብምሻጥ፡ ካብ ኣብ ካልእ ሃገራት ዝርከቡ ገንዘብ ብምቕባል ዝፍለጥ ጉጅለ ዝመርሕ ዕሉል ኣሰጋገሪ እዩ።
እዚ ኪዳነ ዝመርሖ ጉጅለ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብምዕማጽን ብምስቃይን ብሓፈሻ ብዝተፈላለየ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝክሰስ እዩ።
እቲ ኪዳን ዝመርሖ ጉጅለ ቀንዲ መደበሩ ኣብ ሊብያ ኮይኑ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ወኪላት ዘለውዎ እዩ፡ ነቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ሊብያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ብምጭዋይ፡ ነቶም ኣብ ካልእ ሃገራት ዝርከቡ ቤተሰቦም ገንዘብ ንክኸፍሉ የገድድ።
ኣብቲ ኣብ ባኒ ዋሊድ ዝብሃል ኣብ ሊብያ ዝርከብ ብኪዳነ ዝውነን መዳጎኒ ስደተኛታት እቶም ክኸፍሉ ዘይክኣሉ ስደተኛታት ንዓመታት ከምዝሳቀዩ እቶም በቲ መስመር ዝሓለፉ ስደተኛታት ይገልጹ።
እቶም ካብ ሱዳንን ካብ ካልእ ሃገራትን ዝብገሱ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ምስ ኣተዉ፡ ዕጽፍታት ናይቲ ኣብ መጀመርታ ዝተሰማምዕሉ ክኸፍሉ ከምዝግደዱን እቶም ክኸፍሉ ዘይክኣሉ ንኣደዳ መግረፍትን ስቅያትን ከምዝቃልዑ እቶም ግዳያት ይጠቅሱ።
ገለ ብመንገዲ እዚ መስመር ዝሓለፉ ስደተኛታት ካብ 5000 ክሳብ 12000 ዶላር ክኸፍሉ ከምዝተገደዱ ይሕብሩ።
ንመሰል ስደተኛታት ዝጣበቑ ሰባት "ኪዳነ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ስደተኛታት ብዝፈጸሞ በደል፡ ብሕጊ ንኽሕተት ማሕበረሰብ ዓለም ክረባረብ ኣለዎ" ኢሎም።
ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ብምሕሳብ ናብ ሊብያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ከቢድ ምክልባት እዩ ዘጋጥሞም፡ እቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ዘይምርግጋእ ከም ግልቡብ ምርቓ ብምውሳድ ንስደተኛታት ዘሳቅዩ፡ ዝብዝብዙን ኪኖ'ዚ ሰጊሮም ዝቐትሉን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ኸኣ ንሊብያ ከም ደጀኖም'ዮም ዝጥቀሙላ።
ካብዚ ብምብጋስ ኣኽባሪ ሕጊ ኔዘርላንድ፡ ኪዳነ ዘካርያስ ኣብ ዝርዝር ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ተደለይቲ ሰባት ኣስፊርዎ ኣሎ።
ነቲ ወዲ 37 ዓመት ዝኾነ ኪዳነ ዘካርያስ ንምሓዝ መንግስቲ ኔዘርላንድ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ብጽምዶ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ ኣሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







