ህልቂት ላምፔዱሳ፡ 'ዝነባዕናዮ ንብዓት ኣይርስዖን እየ'

ምንጪ ስእሊ, AP
ህልቂት ላምፔዱሳ ድሮ ትሽዓተ ዓመቱ ገይሩ ከብቅዕ ንዓይ ግን ትማሊ ዝተፈጸመ ኰይኑ እዩ ዝስመዓኒ። ሃልሃልታ ናይታ ሓሙሽተ ሚእቲ ስደተኛታት ዝጸዓነት ኣብ ስግር ላምፔዱሳ ብባርዕ እትህሞኽ ዝነበረት መርከብ፡ ካብ ቅድሚ ዓይነይ ፈጺሙ ርሒቝ ኣይፈልጥን እዩ።
ብውነይን ብሕልመይን ብኽያትን ኣውያትን ናይቶም ዓዲ ሰብ ኣቲና፡ ዓዲ ተስፋ በጺሕና ብምባል ብልዑል ሃንቀውታ መሬት ክረግጹ ዝጽበዩ ዝነበሩ ቈልዓ ሰበይትን መንእሰያትን እዝክሮ እሞ ክቈጻጸሮ ዘይክእል ንብዓት ይስዕረኒ።
ቅድሚ እቲ እዋን ዝተፈላለየ ዛንታታት ምጥሓል ስደተኛታታት ዝጸዓና ጀላቡ ሰሚዕናን ሞት ናይ ፍትዋት ኣሕዋትን መቕርብን ተረዲእና ኢና። ግን ከኣ ነቲ ፍጻመ ብዓይንና ስለዘይረኣናዮ ከምዚ ናይ ላምፔዱሳ ገይሩ ኣይሃሰየናን። ምርኣይ ምእማን ስለዝዀነ ግን ሚድያታት ዓለም ንህልቂት ላምፔዱሳ ብድምጽን ስእልን ቀሪጸን ኣብ መስኮት ተሌቪዥናት ምስ ኣቕረባልና ዝተሰምዓና ስምዒት ዝነባዕናዮ ንብዓት ኣይርስዖን እየ።

እቶም ኣብቲ ዘሕዝን ትራጄዲ፡ ደቈም ኣሕዋቶም መቕርቦም ዝጠፍእዎም ስድራ ቤታት ነቲ ፍጻመ ዕለታዊ ክዝክርዎ ባህሪያዊ እዩ። ዝበዝሐ ሰብ ግን ነታ ጸላም ናይ ሓደጋ ዕለትን ቅንያታን እዮም ዝዝክሩ።
ኣብ ቦሎኛን ከባቢኣን እንርከብ ኤርትራውያን ንዝኽሪ ታሽዓይ ዓመት ህልቂት ላምፔዱሳ፡ ብሰንበት ክልተ ጥቅምቲ ንበይንና፡ ሰኑይ 03 ጥቅምቲ ከኣ ምስ ዝተፈላለያ ኢጣልያውያን ማሕበራት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ቦሎኛ ንዝኽሪ እቶም ግዳያት ዝወፈዮ ብስሞም ዝጽዋዕ ፓርክ ኣኽቢርናዮ።
ኣብቲ ናይ ዝኽሪ ምትእኽኻብ፡ ሰብኣውነት ዝስመዖምን ስቓይ ስደተኛታት ዘሕምሞምን ግዱሳን ኢጣልያውን ንክብሪ እቶም ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት ንቝጽ መሬት እናማዕደው ብሓደጋ ባርዕ ብጃምላ ዝሞቱ ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ብሓባር ናይ ዝኽሪ ጸሎት ኣዕሪግና።
ነብሲ ወከፍ እቲ ንዝኽሪ ዝተኣኻኸበ ሰብ ኣብታ ነቶም ብሓደጋ ዝተፈልዩና ኣሕዋት ንምዝካር ናይ ሕልና ጸሎት ከዕርግ እንከሎ፡ ርእሱ ዘድነነላ ሰዓት እንታይ ኮን ይዝክር ይህሉ ክብል እሓስብ ነይረ።
እንተ ኣነ ኣብታ ጸሎተ ሕልና እነብጽሓላ ዝነበርና ደቒቕ ብሓሳብ ናብታ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት ዝማዕክዋ ሰበር ዜና ተመሊሰ ነቲ እዋን ብሕልናይ ዳህሰስክዎ።
ኣብተን ናይ ዝኽሪ ደቓይቕ ከኣ ፈለማ እታ ባባርዕ ሓዊ እትልብለብ ዝነበረት ኣማኢት ኣሕዋተይ ብኽፉእ ዝጠፍኡላ ጃልባን እቲ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝቀባበላሉ ዝነበራ ትራጄዲን ተራእየኒ።
ንባዕለይ ብኣጻምእ ሰሃራን በቲ ተደጋጋሚ ሓደጋ ጀላቡ ዘጋጥመሉ ማእከላይ ባሕሪ ስለዝመጻእኩ፡ እቶም ኣሕዋት ክብገሱ እንከለው ዝህልዎም ሻቕሎትን ብርሃን ላምፔዱሳ ምስ በጽሑ ዝሓደሮም ተስፋን ብዓይነ ሕልናይ ክስእሎ ፈቲነ።
ሞት ንደቂ ሰባት ዝተዋህበና ትዕድልቲ'ኳ እንተዀነ ብኸምቲ ጃምላዊ ሓደጋ፡ ኣብ ሓደ ወጋሕታ፡ ልዕሊ 360 ሰባት ብባርዕ ሓውን ባሕርን ክጠፍኡ ኣብ ኣእምሮኻ ዘይሃስስ በሰላ’ዩ ዝገድፈልካ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብፍላይ ዳሕራይ፡ እቶም ሕማቕ ሓደጋ ዘጋጠሞም ኣሕዋት “ ኣብ መጨረሻ ስንብታኦም ዝበልዎ” ካብቶም ውጻእ መዓት ክዝንቶ ዝሰማዕክዎ ልብኻ ዝትንክፍ ዘረባ ኣይርስዖን እየ።
“እዋይ ኣነ ደቀይ ለከምኩኹም እባ” እናበለት ምስ ሰለስተ ደቃ ዝጠሓለት ወላዲት፡ ናይታ ንኢጣልያዊ ዳይፐር ዘንበዐት ኣብ ባሕሪ ዕሸል ዝተገላገለት መንእሰይ፡ “ሓደ ንወላዲተይ እየ፡ እንተድሒንኩም ነደይ ንገሩለይ!” እናበለ ዝተሰናበተ መንእሰይ፡ ብሓደ ተጓዒዞም መጺኦም ኣብታ መልኣከ ሞት ምስከተሮም ዝተፈላለዩ ኣሕዋት፡ ቤተሰብ፡ መቕርብ በብሓደ ኣብ ዝኽረይ መጺኦምኒ።
እቲ ዝኽሪ ንዓይ ክሳዕ ክንድዚ ዘቃጸለንስ ነታ ሬሳ ውላዳ ዘይቀበረት ወላዲት፡ ነቲ ሬሳ ውላዱ ዘይረኣየ ወላዲ፡ ነቲ በዓልቲ ቤቱ ምስ ደቃ ክትሰግር ዝጽበ ዝነበረ በዓል ኪዳና፡ ነቶም ሎሚ ዶ ጽባሕ ይኣትው ይዀኑ እናበሉ ኣብ ስግር ማእከላይ ባሕሪ ብተስፋ ዝጽበዩዎም ዝነበሩ ኣሕዋትን መቕርብን ማዕረ ክንደይ የቐንዝዎም ከምዘሎ ክሓስቦ ይኸብደኒ።

ምንጪ ስእሊ, YOSEPH AND ADHANOM
እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ፈለማ ብማዕከን ዜናኡ“ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም!” ዝበለ ኣማኢት ዜጋታቱ ብጃምላ ዝሞቱዎ መንግስተይ፡ ዳሕራይ “እቲ ቀንዲ ተሓታቲ ስርዓት ዋሺንግተን’ዩ” ክብል እቲ ሓጢኣት ንኻልእ ከሰክሞ’ኳ እንተፈተነ፡ ንዓይ ሓዊስካ እቲ ዅሉ ንስደት ዝፈለሰ መንእሰይ ኤርትራ፡ ኣብ ዓዱን መሬቱን ስለዘይጠዓሞ፡ ሕልምታቱ ከተግብር ስለዘይከኣለ እምበር ከምቲ መንግስትና ዝብሎ፡ ብጻውዒት ሃገራት ምዕራብ ወይ ብምድፍፋእ ኣሜሪካ ኣይኮነን ካብ እንፈትዎም ወለድናን ህዝብናን ተሰዲድና።
ኣብቲ ሓጺር ደቓይቕ፡ ዝኽረይ ናብትን ናብዝን ሒዙኒ ስለዝወናጨፍ ብዙሕ ክብል ክዝክርን ምደለኹ። እንተዀነ ኵላትና እቶም ነታ ዕለትን እቲ ፍጻመ ሓደጋን እንዝክር ሰባት ነናትና ዝኽሪ ስለዘለና፡ ሰንበትን ሰኑይን በዓለ ዝኽርና ከመይ ከምዝነበረ ብሓጺር ገሊጸ ክውድእ።
ብዙሓት ኣሕዋት ሽዑኡ፡ ቅድመኡን ድሕሪኡን ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ዝተመኮርዎን ምስክርነት ብምቕራብ፡ ንመጻኢ ከምኡ ዝኣመሰለ ጃምላዊ ህልቂት ንኸየጋጥም ምኽሪ ሂቦም።
ነቶም ኣብ ኢጣልያ ዝተወልዱን ብናእሽትኦም ንስደት ዝሰገሩን ቈልዑ ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት እንታይ ከምዘጋጠመን ስለምንታይ ብጸሎት ኣሕዋትና ንዝክር ከምዘለና ነጊርናዮም።
ሓያሎ ኣሕዋት እውን ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ዝተገጥመ ልቢ ዝትንክፍ ፍርያት ስነ ጥበብ እውን ኣቕሪቦም። ልዕሊ ኵሉ ግን ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ንኽሰምዕ፡ ንኤርትራውን ኣሕዋትን ኣብቲ ዝኽሪ ዝተሳተፉ ግዱሳት ወከልቲ ዝተፈላለያ ማሕበራት፡ ከም ኣምኒስት ኢንተርናሽናል፡ ዩኤንኤችሲኣር፡ ኦኤኤስ ሜዲተራንያን፡ ሓካይም ብዘይ ዶብ ዝኣመሰሉ ንሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ዝቃለሱ ማሕበራት፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኣሕዋትናን ህዝብናን ዝወርድ ዘሎ ወጽዓን ሽግርን ጭንቅን ሕሰምን ነጊርናን ተሪኽናን ሕልናና ኣቕሲንና፡ ዳግማይ ከምኡ ዝኣመሰለ ጃምላዊ ቅዝፈትስ ይትረፍ፡ ሞት ውልቀ ስደኛታት ኣሕዋት እውን ከይንሰምዕ እናተመነና ነንቤትና ተፋኒና።
ውልቃዊ ዝኽሪ ኣብ ታሽዓይ ዓመት ላምፔዱሳ - ኣብርሃም ተስፋይ




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







