ዕሉል ኣስጋሪ ኤርትራዊ ተወልደ ጐይትኦም ብ20 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ኣኽበርቲ ሕጊ ሓቲቶም

ዕሉል ኣስጋሪ ኤርትራዊ ተወልደ ጐይትኦም

ምንጪ ስእሊ, IDN

ኣኽበርቲ ሕጊ ሆላንድ፡ ንኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብምስቓይን ምስርጣይን ዝተኸሰሰ ዕሉል ኣሰጋጋሪ ኤርትራዊ ጥርጡር፡ ብማእሰርቲ 20 ዓመት ክቕጻዕ ሓቲቶም።

ሮይተርስ ንኣኽበርቲ ሕጊ ጠቒሱ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፡ ወዲ 42 ዓመት ኣማኑኤል ወሊድ - ብተወልደ ጎይትኦም ዝፍለጥ - ብሊብያ ኣቢሉ ናብ ኤውሮጳ ዝግበር ናይ ስደት መስመር ይመርሕ ነይሩ።

እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ኣብ ልዕሊኡ ካብ 2014 ክሳብ 2019 ኣብ ዝነበረ እዋን ትዅረት ዝገበረ መርመራ ገይሮም።

ብመሰረት እዚ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ዝነበረ ጕጅለ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ መኽዘናት ኣሲሩን ካብ ስድራኦም መበጆ ንምምንዛዕ ከም ዘሳቐዮምን ይገልጹ።

እቲ ንሱ ዝመርሖ ጕጅለ ኣብ ሊብያ 'በኒ ወሊድ' ዝብሃል መዳጐኒ ስደተኛታት ዘለዎ ኰይኑ፡ ወሊድን መሳርሕቱን ነቶም ካብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ዘስገርዎም ሰባት ኣብዚ መዓስከር እዚ ዳጒኖም እናኣሳቐዩ ካብ ስድራኦም ኣሽሓት ዶላራት ከም ዝቕበሉ ይግለጽ።

ተወልደ ጐይትኦም ከኣ ቀንዲ ኣሳቓዪ ኰይኑ ኣሽሓት ምናልባት'ውን ዓሰርተታት ኣሽሓት መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝዀኑ ስደተኛታት ብመንገዲ ወሊድ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ይዘዋወሩ ምንባሮም'ዩም ዝገልጹ።

መንግስቲ ሆላንድ፡ ብመንገዲ ተወልደ ጐይትኦም ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ስደተኛታት ዝበጽሖም ዝነበረ ግፍዒታት ምስ መስከሩ'ዩ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ኣምሪሕዎ።

ክሳብ ሕጂ ከኣ 191 ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ነቲ ብተወልደ ዝበጽሖም ግፍዒታት ምስክርነት ሂቦምሉ ኣለዉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ወሊድ፡ ኣብ መጋቢት 2020'ዩ ምስ ካልእ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ዝብሃል ኤርትራዊ መሳርሕቱ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ከኣ ን18 ዓመታት ክእሰር ብይን ተዋሂብዎ ነይሩ'ዩ።

ኣብ ሊብያ ብዝፈጸሞ ገበናት ብሓሙሽተ ዝቐረበሉ ክስታት ገበነኛ ኰይኑ ስለዝተረኸበ ከኣ፡ ካብ ኢትዮጵያ ብጠለብ ኢንተርፖል ናብ ሆላንድ ተረኪቡ።

ኣብዚ እዋን፡ ዝዎለ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ሆላንድ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ መስርሕ ፍርዲ ተጀሚሩ ይርከብ።

ኣብ 2022 እዩ ናብ ሆላንድ ተመሓላሊፉ ዝተዋህበ ወሊድ፡ ንደያኑ ጌጋ ሰብ ኢኹም ሒዝኹም ዘለኹም ብምባል ናይ ዘይምዝራብ መሰሉ ከም ዝቀጥም ከም ዝነገሮም ሮይተርስ ጸብጺቡ።

እዚ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ሆላንድ ክሳብ ሕጂ እቲ ዝዓበየ ጕዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ኰይኑ፡ ኣብ ኤውሮጳ ብሊብያ ኣቢሎም ስደተኛታት ዝሸጡ ገበናዊ መርበባት ካብ ዝጥምቱ ውሑዳት ጕዳያት ሓደ እዩ።

ኣብ 2011 ሊብያ ናብ ኲናት ሓድሕድ ካብ እትኣቱ ንድሓ፡ ብዙሓት ካብ ግጭትን ድኽነትን ሃዲሞም ናብ ኤውሮጳ ብማእከላይ ባሕሪ ንዝሰገሩ ስደተኛታት መተሓላለፊት መገዲ ኰይና ኣላ።

ኣይኦኤም ኣብዚ እዋን ኣስታት 900 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ከምዘለዉ ብምሕባር ሕጂ'ውን እንተዀነ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ንግህሰት መሰላት ተቓሊዖም ምህላዎም ይግለጽ።

ቤት ፍርዲ ሆላንድ፡ ቃል መሰኻኽር ምስማዕ ዝጀመረ ኰይኑ፡ 'ኢ' ብዝብል መጸውዒ ጥራይ ቃሉ ዝሃበ ግዳይ፡ ጐይተኦም ብማህረምቲ ከም ዘሳቐዮን ኣብ ቅድሚኡ ሰባት ክሞቱ ከም ዝርኣየን ተዛሪቡ።

ኣብ መወዳእታ 'ኢ' ኣብ ጃልባ ናብ ኤውሮጳ ምስ ተሰቕለ፡ ሞተር ዘይብላ ስለ ዝነበረት፡ ከም ዝሞቱ ርግጸኛታት ኰይኖም ምስ ካልኦት ተሳፈርቲ መዝሙር ይዝምሩ ምንባሮም ጠቒሱ።

"ሰላም ኣእምሮ ክረክብ እየ ዝደሊ፤ ንወሊድ (ጎይቶም) ኣብ መወዳእታ (ኣብ መኽዘን ዝሞተ ዓርኩ) ቀቢሮምዎ እንተዀይኖም ክሓቶ እደሊ፡" ክብል ኣብቲ ዝሃቦ ምስክርነት ግዳይ ገሊጹ።

ሰኑይ 24 ሕዳር 2027 ) ናይ መዛዘሚ ሞጐት ከቕርብ እዩ።

ኣብ ጥሪ ውሳነ ክወሃብ ትጽቢት ከም ዝግበርን ለውጢ ክግበር ከም ዝኽእልን ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ገሊጹ።

ጠበቓታት ጐይቶም ቅድሚ ሕጂ ንጹር ናይ ሆላንድ ምትእስሳር ስለ ዘየለ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ክስረዝ ከም ዘለዎ ይምጕቱ ነይሮም።

ብመሰረት ኣምር ኣድማሳዊ ስልጣን ፍርዲ፡ ግዳያት ኣብ ሆላንድ ኰይኖም ሕጊ ሆላንድ ብሰፊሑ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዜጋታት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዝተፈጸመ ገበናት ክቐርብ ይፈቅድ።

ወሊድ ካብ 2014 ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበረ እዋን'ዩ ናይቲ ንመብዛሕትኦም ኤርትራውያን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ሊብያ ካብኡ ከኣ ናብ ኣውሮጳ ዘሰጋግር ጕጅለ ቀንዲ መራሒ ነይሩ።

እቶም ስደተኛታት ሊብያ ምስ በጽሑ፡ ኣብ መዳጐኒ ኣትዮም እናተቐጥቀጡን እናተሳቐዩን ናብ ስድራኦም ከምዝድውሉ ብምግባር፡ ሰልዲ ከምዝኸፍሉ [ከምዝሕውሉ] ይግበሩ።

እቲ ምስቓይ ከኣ ምህራም፡ ምቅጻል፡ ዝመኸኸ ጎማ ኣብ ሕቆኦም ብምንጣብ፡ ብተሪር ገመድ ተኣሲሮም ኣብ ገረብ ጥልጥል ከምዝብሉ ምግባር፡ ኤለትሪክ ምትሓዝ፡ ኣብ ሓደ ገዛ ኣሽሓት ብሓባር ኣሲርካ ውሑድ መግቢ ብምሃብ ከምዝጠምዩ ብምግባር'ዩ ዝፍጸም ነይሩ።

ካብ 2016 ክሳብ 2021 ኣብ ዝነበረ እዋን ልዕሊ 100 ሽሕ ኤርትራውያን ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ከምዝኣተዉ ብምግላጽ፡ እዞም ሰባት ብድምር ልዕሊ 1 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ከምዝኸፈሉ ኣብዚ ጉዳይ መጽናዕቲ ዘካይዱ ጕጅለታት ይሕብሩ።