ቤላሩስ ከም መሰጋገሪ፡ ኤርትራዊ ስደተኛ እንታይ ይብል?

ፖሊስ ፖላንድ ነቲ ዶብ ክሳብ ክንድዚ'ዮም ኣጽኒዖም ዝሕልውዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓለዋ ዶብ ቤላሩስ ሓደ ሬሳ ዝተሰከሙ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ምስ ላቲቭያ ዘዳውብ ዞባ ብራስላቭ ከም ዝረኸቡ ማዕከን ዜና ኤስ ቢ ኣቓሊሓ።

እቶም ብሰሉስ 21 ጥቅምቲ ዝተረኸቡ ብተርጐምቲ ተሓጊዞም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝገለጹ ስደተኛታት፡ ኣብ ላቲቭያ'ኳ ኣትዮም እንተ ነበሩ፡ ኣብ ላቲቭያ ወተሃደራዊ ክዳን ብዝገበሩ ሰባት ተሃሪሞም፡ ሞባይላቶም ተሓዲጐም፡ ብብረት እናኣፈራርሑ ኣብ መኪና ሰቒሎም ኣብ ዶብ ቤላሩስ ከም ዝደርበዩዎም ሓቢሮም።

እቲ ኣብ መንገዲ ዝሞተ ወዲ 29 ዓመት መጓዕዝቶም'ውን ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝበጽሐ ማህረምቲ ከም ዝሞተ ንፖሊስ ቤላሩስ ገሊጾም።

መርመርቲ ዞባ ብራስላቭ እቲ ተሸኪሞሞ ዝነበሩ መጓዕዝቶም ምማቱ ብምርግጋጽ፡ እቶም ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘድሊ ሕክምናዊ ሓገዝ ናብ ዝረኸብሉ ማእከል ጥዕና ከም ዝተወሰዱ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኮሚቴ ዞባ ብራስላቭ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ነቲ ሬሳ ይምርምርዎ ምህላዎም ገሊጾም።

እቶም ስደተኛታት ግን ካበይ ዝብገሱ'ዮም?

ዶብ ቤላሩስን ፖላንድን ሓደ ካብቲ ሕብረት ኤውሮጳ ብስግኣት ዝጥምቶን መተሓላለፊ ኣሽሓት ስደተኛታት ኰይኑ ኣሎ ዝብሎን መስመር ስደተኛታት'ዩ።

ሓያለ ኣሽሓት ስደተኛታት'ውን ካብ 2021 ጀሚሮም ኣብዚ ዶብ እዚ ከምዝርከቡ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቶም ስደተኛታት እዚ መስመር ምስ ተረሮም ከም ኣማራጺ ዝወስድዎ መንገዲ ከኣ ናብታ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ቤላሩስ እትርከብ ልትወንያን፡ ናብታ ሰሜን ቤላሩስ እትርከብ ላቲቭያን ናብታ ኣብ ምብራቕ ቤላሩስ እትርከብ ፖላንድን ምስጋር'ዩ፤ ብፍላይ ከኣ ናብ ፖላንድ።

እታ ብሕብረት ኤውሮጳ መሰጋገሪት ስደተኛታት ኰይና ተባሂላ ብኸቢድ እትግለጽ ቤላሩስ'ውን ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ሃገሮም መሊሳ'ያ።

እቶም ዝበዝሑ ብቤላሩስ ኣቢሎም ናብተን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዝኣትዉ ስደተኛታት ካብ ሃገራት ኢራቕ፡ ኣፍጋኒስታንን ሶርያን ኰይኖም፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን'ውን ኣለዉዎም።

ቤላሩስ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ እትርከብ ሃገር ኰይና ብምብራቕ ምስ ሩስያ፡ ብደቡብ ምሰ ዩክረይን፡ ብሰሜን ምስ ላቲቭያ፡ ብሰሜናዊ ምዕራብ ምስ ሊትወንያ፡ ብምዕራብ ከኣ ምስ ፖላንድ ትዳወብ።

ካብ ቱርኪ ኢስታንቡልን ኣናታልያን፡ ካብ በይሩት (ሊባኖስ)፡ ካብ ባቕዳድ (ዒራቕ) ከምኡ ከኣ ካብ ዱባይ ብቐጥታ ናብ ርእሰ ከተማ ቤላሩስ ዝዀነት ሚንስክ በረራ ስለዘሎ ከኣ ዝበዝሑ ብቐጥታ ካብዘን ዝተጠቐሳ ሃገራት ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ምዃኖም ጸብጻባት ይሕበሩ።

ስደተኛታት ካብ ብዓል ቱርኪ ተበጊሶም ንቡልጋርያ፡ ሩማንያ፡ ሞልዶቭያን ዩክረይንን ሰጊሮም ናብ ከም ብዓል ሽወደን፡ ኖርወይ፡ ጀርመንን መሰጋገሪ ዝጥቀሙላ ሃገር'ያ።

ብዘይካ'ዚ ናብ ሩስያ ብሕጋዊ ኣገባብ ብምእታው ናብ ቤላሩስ ሰጊሮም ናብ ፖላንድ፡ ጀርመንን ካልኦት ሃገራትን ንምስጋር'ውን በዛ ሃገር እዚኣ ይሓልፉ'ዮም።

ብሊብያ ኣቢልካን ማእከላይ ባሕሪ ተሳጊርካን ናብ ኤውሮጳ ዝግበር ጕዕዞ ሓደጋኡ ይበዝሕ ኣሎ።

እቶም ስደተኛታት ኣብታ ኣብ ቅልውላው እትርከብ ሊብያ'ውን ብዙሕ ግፍዕታት እዩ ዝወርዶም።

ስለዝዀነ፡ ሓያሎ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ነዚ ብምብራቕ ኤውሮጳ ገይርካ ናብ ማእከል ኤውሮጳ ዘእቱ መስመር ጕዕዞ ክመርጹዎ ይርኣዩ እዮም።

ካብ ቱርኪ ኢስታንቡልን ኣናታልያን፡ ካብ በይሩት [ሊባኖስ)፡ ካብ ባቕዳድ [ኢራቕ] ከምኡ ከኣ ካብ ዱባይ ብቀጥታ ናብ ርእሰ ከተማ ቤላሩስ ዝኾነት ሚንስክ በረራ ስለዘሎ ከኣ ዝበዝሑ ብቀጥታ ካብዘን ዝተጠቐሳ ሃገራት ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ምዃኖም ጸብጻባት ይሕበሩ።
መግለጺ ስእሊ, ካብ ቱርኪ ኢስታንቡልን ኣናታልያን፡ ካብ በይሩት [ሊባኖስ)፡ ካብ ባቕዳድ [ዒራቕ] ከምኡ ከኣ ካብ ዱባይ ብቐጥታ ናብ ርእሰ ከተማ ቤላሩስ ዝዀነት ሚንስክ በረራ ስለዘሎ ከኣ ዝበዝሑ ብቐጥታ ካብዘን ዝተጠቐሳ ሃገራት ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ምዃኖም ጸብጻባት ይሕበሩ።
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሕብረት ኤውሮጳ፡ መንግስቲ ቤላሩስ ንዜጋታት ኣልጀርያ፡ ግብጺ፡ ጋምብያ፡ ግሪኽ፡ ሀይቲ፡ ኢራንን ናሚብያን ዝርከብኣን 76 ሃገራት ብዘይ ቪዛ ስለዝቕበል፡ ሓደ ካብ ጠንቂ ዋሕዚ ስደተኛታት ምዃኑ'ዩ ነታ ሃገር ዝኸስስ።

እዞም ዜጋታት 76 ሃገራት መጀመርታ ምስ ኣተዉ ን30 መዓልታት ቪዛ ይውሃቦም፣ እቲ ቪዛ ምስ ወድኡ ግን ኣብ ክንዲ ናብ ዓዶም ዝምለሱ፡ መንግስቲ ቤላሩስ ኣብ ዶብ ፖላንድ ኣብጺሑ ከምዝፍንዎም'ዩ ዝግለጽ።

ከም ኤርትራውያን ዝኣመሰሉ ስደተኛታት ከኣ ክሳብ ቱርኪ ብቪዛ ብምእታው፡ ካብኡ ንከም ግሪኽ፡ ቡልጋርያ፡ ሮማንያን ዩክረይንን ኣቋሪጾም ናብ ቤላሩስ ብምእታው ኢዶም ከምዝህቡን፡ ብድሕሪ እዚ እቲ መንግስቲ ናብ ዶብ እተን መዳብውቲ እታ ሃገር ዝዀና ከም ፖላንድ፡ ሊትወንያን ላቲቭያን ዝኣመሰላ ሃገራት ከምዘብጽሖም በዚ መንገዲ እዚ ናብ ጀርመን ዝኣተወ መሓሪ ተስፋሃንስ ዝተብሃለ ኤርትራዊ ይሕብር።

"ወቕቲ እንተዘይመሪጽካ እቲ ቦታ ኣዝዩ ቈራሪ'ዩ" ዝብል እዚ ኤርትራዊ፡ ኵነታት ኣየር እቲ ከባቢ ነቲ መንገዲ እዝዩ ከምዘኽብዶ ይሕብር።

"ናብ ፖላንድ፡ ላቲቭያ ወይ ሊትወንያ እንተሰጊርካ፡ ብድሕሪኡ ባቡር ተሰቒልካ ናብ ዝዀነ ክፋል ኤውሮጳ ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ፣ ኣብ ዶብ እንተተሓሒዝካ ግን ናብ ቤላሩስ'ዮም ዝመልሱኻ፡ ንኣብነት ኣነ ኣብ ሳልሳይ ፈተነ'የ ናብ ዋርሶ [ርእሰ ከተማ ፖላንድ] ኣትየ" ይብል።

ኣብ 2024 ጥራይ መብዛሕትኦም ዩክሬናውያን ዝዀኑ፣ ከምኡ ድማ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያንን ሶማልያውያንን ዝርከብዎም ልዕሊ 17 ሽሕ ስደተኛታት ብቤላሩስ ኣቢሎም ናብ መዳውብቲ እታ ሃገር ዝዀና ሃገራት ከምዝሰገሩ መዛግብቲ ይሕብሩ።

እዚ ቍጽሪ እዚ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛይድ'ዩ።

ኣብዛ ገና ክትዛዘም ክልተ ወርሒ ተሪፍዋ ዘሎ ዓመተ 2025 ከኣ ልዕሊ 8000 ካብ ቤላሩስ ናብ ላቲቭያ ክሰግሩ ዝፈተኑ ስደተኛታት ብሓለዋ ዶብ ላቲቭያ ናብ ቤላሩስ ከምዝተመለሱ፡ እቶም ዶብ ላቲቭያ ሰጊሮም ናብ ካልኦት ሃገራት ዝሰገሩ ግን ቍጽሮም ብንጹር ከምዘይፍለጥ ፖሊስ ላቲቭያ ይሕብር።

ኣብ 2024 ብተመሳሳሊ ኣስታት 6000 ስደተኛታት ካብ ዶብ ላቲቭያ ተታሒዞም ናብታ ዝተበገሱላ ቤላሩስ ከምዝተመለሱ ይግለጽ።

ብተመሳሳሊ ኣብ 2024 ኣስታት 30 ሽሕ፡ ኣብ 2025 ከኣ ልዕሊ 26 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ቤላሩስ ናብ ፖላንድ ክሰግሩ ብሓለዋ ዶብ ፖላንድ ከምዝተተሓዙ ሰነዳት ይሕብሩ።

እዚ ቦታ ኣብ ዶብ ቤላሩስን ፖላንድን ዝርከብ ኮይኑ ስደተኛታት ብብዝሒ ዝሓልፍሉ ቦታ'ዩ
መግለጺ ስእሊ, እዚ ቦታ ኣብ ዶብ ቤላሩስን ፖላንድን ዝርከብ ኰይኑ ስደተኛታት ብብዝሒ ዝሓልፍሉ ቦታ'ዩ

ኤውሮጳዊ ሕብረት ከም ቱርኪ ዝኣመሰላ ሃገራት ዜጋታት ኢራቕ፡ የመን፡ ሶርያን የመንን ብመንገዲ ኣየር ቱርኪ ናብ ሚንስክ [ርእሰ ከተማ ቤላሩስ] ከይበሩ ክኽልክላ ኣእሚኖመን፣ ቱርኪ ድሮ ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዛ ተግባራዊ ገይራቶ ኣላ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ'ውን ብተመሳሳሊ ዜጋታት ኢራቕ፡ የመን፡ ሶርያ፡ የመን፡ ሶማልያ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ዜጋታት ሓያለ ሃገራት ኣብ ሃገራ ብቐጥታ ናብ ቤላሩስ በረራ ከየካይዱ ካብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣትሒዛ ብወግዒ ከልኪላ ትርከባ።

መሓሪ ተስፋሃንስ፡ "ኣነ ናብ ቤላሩስ ኣብ ዝኣተኹሉ፡ ካብ ዱባይ ተበጊሰ ብቐጥታ'የ ሚኒስክ ኣትየ፡ ኣብኡ ንሰሙን ጸኒሐ ከኣ ናብ ዶብ ቤላሩስ ናብ እትርከብ ብሩዝጊ ትብሃል ከተማ ከይደ" ይብል።

ኣብታ ጥቓ ከተማ ኩዚኒካ ትበሃል ከተማ ፖላንድ እትርከብ ብሩዝጊ ኣሽሓት ስደተኛታት ዝተዓቘብሉ መዓስከር ስደተኛታት ከምዘሎ ዝሕብር መሓሪ፡ ሰብ መዓልታዊ ናብ ፖላንድ ንምስጋር ፈተነታት ከምዝገብር የብርህ።

"ምስ ሰገርካ እንተ ተታሓዚስካ ሓለዋ ዶብ ፖላንድ፡ ኣብ ኢድካ ዝጸንሐ ሰነዳት ይኹን ሞባይል የሕዲጎም ናብቲ መዓስከር ኣእትዮሙኻ'ዮም ዝምለሱ" ይብል።

ኣስዒቡ፡ "ክሳብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ግዜ ብፖሊስ ፖላንድ ተታሒዞም ዝተመለሱ ሰባት እዝክር፣ ኣብቲ ኣነ ዝሰገርክሉ ኣብቲ መዓስከር ልዕሊ 40 ንኸውን ኤርትራውያን ነይርና" ይብል።

እታ ካብ ፖላንድ ንዝመጽኡ ንምኽልካል ዶባት ኣጽኒዓ ትከላኸል ዘላ ሊትወንያ ኰይና፡ ክሳብ ታርጋ ናይ ቤላሩስ ዘለወን መካይን ናብ ሃገራት ከይኣትዋ ከልኪላ ትርከባ።

ብሰንኪ እዚ ከኣ ኣብ 2024 ትሕቲ 800 ስደተኛታት ጥራይ'ዮም ካብ ቤላሩስ ናብ ሊትወንያ ክሰግሩ ተታሒዞም።