ሬሳ መጓዕዝቶም ተሸኪሞም ኣብ ዶብ ቤላሩስ ዝተረኸቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትት

እቶም ኣብ ዶብ ቤላሩስ ሬሳ መጓዕዝቶም ሒዞም ዝተረኸቡ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Investigative Committee

ሓለዋ ዶብ ቤላሩስ ሓደ ሬሳ ዝተሰከሙ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ምስ ላቲቭያ ዘዳውብ ዞባ ብራስላቭ ከም ዝረኸቡ ማዕከን ዜና ኤስ ቢ ኣቓሊሓ።

እቶም ብሰሉስ 21 ጥቅምቲ ዝተረኸቡ ብተርጐምቲ ተሓጊዞም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝገለጹ ስደተኛታት፡ ኣብ ላቲቭያ'ኳ ኣትዮም እንተ ነበሩ፡ ኣብ ላቲቭያ ወተሃደራዊ ክዳን ብዝገበሩ ሰባት ተሃሪሞም፡ ሞባይላቶም ተሓዲጐም፡ ብብረት እናኣፈራርሑ ኣብ መኪና ሰቒሎም ኣብ ዶብ ቤላሩስ ከም ዝደርበዩዎም ሓቢሮም።

እቲ ኣብ መንገዲ ዝሞተ ወዲ 29 ዓመት መጓዕዝቶም'ውን ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝበጽሐ ማህረምቲ ከም ዝሞተ ንፖሊስ ቤላሩስ ገሊጾም።

መርመርቲ ዞባ ብራስላቭ እቲ ተሸኪሞሞ ዝነበሩ መጓዕዝቶም ሙማቱ ብምርግጋጽ፡ እቶም ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘድሊ ሕክምናዊ ሓገዝ ናብ ዝረኸብሉ ማእከል ጥዕና ከም ዝተወሰዱ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ብዘይካ እዚ፡ ተወሳኺ መርመራ ንምክያድ ኮምቴ ክፍሊ ዞባ ብራስላቭ ነቲ ሬሳ ይምርምርዎ ምህላዎም ገሊጾም።

ክፍሊ መርመራ ዞባ ብራስለቭ፡ ኣብ ኤውሮጳ ካብቲ ቅልውላው ስደተኛታት ተባሂሉ ዝግለጽ 2015 ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዶባ ቤላሩስን ላቲቭያን ሞት ናይ 35 ሰባት ከም ዝተመዝገበ ይሕብር።

ቤላሩስ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ እትርከብ ሃገር ኰይና ብምብራቕ ምስ ሩስያ፡ ብደቡብ ምሰ ዩክረይን፡ ብሰሜን ምስ ላቲቭያ፡ ብሰሜናዊ ምዕራብ ምስ ሊትወንያ፡ ብምዕራብ ከኣ ምስ ፖላንድ ትዳወብ።

ስደተኛታት ካብ ብዓል ቱርኪ ተበጊሶም ንቡልጋርያ፡ ሩማንያ፡ ሞልዶቭያን ዩክረይንን ሰጊሮም ናብ ከም ብዓል ሽወደንን ኖርወይን መሰጋጋሪ ዝጥቐሙላ ሃገር'ያ።

ብዘይካ'ዚ ናብ ሩስያ ብሕጋዊ ኣገባብ ብምእታው ናብ ቤላሩስ ሰጊሮም ናብ ፖላንድ፡ ጀርመንን ካልኦት ሃገራትን ንምስጋር'ውን በዛ ሃገር እዚኣ ይሓልፉ'ዮም።

ብሊብያ ኣቢልካን ማእከላይ ባሕሪ ተሳጊርካን ናብ ኤውሮጳ ዝግበር ጕዕዞ ሓደጋኡ ይበዝሕ ኣሎ።

እቶም ስደተኛታት ኣብታ ኣብ ቅልውላው እትርከብ ሊብያ'ውን ብዙሕ ግፍዕታት እዩ ዝወርዶም።

ስለዝዀነ፡ ሓያሎ ሰባት ነዚ ብምብራቕ ኤውሮጳ ገይርካ ናብ ማእከል ኤውሮጳ ዘእቱ መስመር ጕዕዞ ክመርጹዎ ይርኣዩ እዮም።