ኣድህቦ ዝሰኣነ ሰቘቛ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ክልል ዓፋር እንታይ ይመስል?

ምንጪ ስእሊ, ካብ ስደተኛታት ዝተረኽበ ስእሊ
ልዕሊ 40 ደረጃ ሰልሰስ ኣብ ዝምቘቱ ቦታ፡ እሞ ድማ ከም ማይ፡ መግብን መድሓኒትን ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ቀረባት ኣብ ዘይብሉ ምንባር ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ንምርድኡ ኣጸጋሚ ኣይኰነን።
ይዅን'ምበር፡ እዚ ነቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ተደኲኑ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከቡ ኤርትራውያ ዕለታዊ መንብሮኦም እዩ።
እዞም መብዛሕቶኦም ተወለድቲ ብሄረ ዓፋር ዝዀኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ እቲ ህይወት ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ብምጥቃስ መንብሮኦም እንታይ ከም ዝመስል ንቢቢሲ ሓቢሮም ኣለዉ።
ገለ ካብዞም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛታት ኣብ ኣሳዒታን በርሓለን ዝተባህሉ መዓስከር ስደተኛታት ዝነብሩ ኰይኖም፡ ብዘይካ'ቲ ዘለዎ ክሊማዊ ብድሆ፡ ዋሕዲ መሰረታዊ ቀረብን ጥሜትን ከም ዝኸብዶም ይገልጹ።
እዞም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ሰባት ምእንቲ ድሕነቶም ኣስማቶም ተቐዪሩ ኣሎ።
ካብ ዓሰብ ከባቢ ደንካልያ ካብ ዝስደድ 16 ዓመታት ዘቝጸረ ወዲ 30 ዓመት ሰይድ፡ ኣብ መዓስከር ኣሳዒታ እዩ ዝነብር።
"ሽግር ኣለና፣ ዝዀነ እኹል ረድኤት ስለ ዘየሎ ጥሜት እዩ በቃ፡" ይብል።
ኣብ ክልል ዓፋር ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዓቚብሉ መዓስከር ከም ዘሎ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣሳዒታ ዝርከብ ካብ ዓዲ ቐይሕ ዝተሰደደ ኤርትራዊ፡ "እቲ ዝመጽእ መቝንን ኣዝዩ ንእሽቶ እዩ። ቈልዓ ሰበይቲ ሒዝካ፡ ሕክምና የሎን፣ እኹል መግቢ የሎን። 5 ኪሎግራም መሸላ ወዲዓከር፡ ፍርቂ ኪሎግራም ዓደስን ቍሩብ ዘይትን ኢና ንወሃብ፡'' ብምባል ነቲ ኵነታት የብርህ።
መብዛሕትኦም እዞም ስደተኛታት ብዙሕ ዓመታት እዮም ገይሮም። መንብሮኦም ብዚንጎ ኣብ ዝተጠጣቕዐን ብጸሓይ ዝተቐዳደደ ቴንዳ ኣብ ዝተኸድነን መጽለሊ እዩ።
ወፊሮም እቶት ክረኽብሉ ዝኽእሉ ስራሕ ብዘይ ምህላዉ፡ እታ ሓንቲ ክገብርዋ ዝኸእሉ ኮፍ ኢልካ ሓገዝ ምጽባይ እያ።
ብምኽንያት ዘይቍርዑይ ፖለቲካን ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣስታት 200,000 ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ምህላዎም ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።
ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ምስ ተወልዐ፡ ኣብ መዓስከራት ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝበኣሰ ኵነታት ከም ዝወደቑ ይፍለጥ።
ብፍላይ እተን ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ ትግራይ ተደኲነን ዝነበራ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ኣብቲ ኲናት ፍጹም ስለ ዝዓነዋ ልዕሊ 21,000 ነበርተን ግዳይ ቅትለት፡ ጭውያን ምብትታንን ምዃኖም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ኣብ እዋኑ ሓቢሩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, ካብ ስደተኛታት ዝተረኽበ ስእሊ
ድሕሪ'ዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ናብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ከም ዝጋዓዙ ይፍለጥ። ይዅን'ምበር፡ ኣብቲ መዓስከር'ውን ኣደዳ ሞት፡ ጥሜትን መጭወይትን ዝገበሮም ጸጥጣዊ ዘይምርግጋእ ስለ ዘሎ ሃዲሞም ኣብ ክልል ዓፋር ናብ ዝርከብ መዓስከራት ሃዲሞም ክነብሩ ጀሚሮም።
ኢብራሂም ዝተባህለ ኣብኡ ዝተቐበሎም ስደተኛ፡ "ተወለድቲ ሳሆን ዓፋርን ዝዀኑ ካብ ኲናት ሃዲሞም ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ኣለዉ። እዚኦም ግን መሻርፍ'ውን ኣይረኽቡን እዮም። ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ከም ሰብ ቈልዑ ሒዞም ጾሞም ከይሓድሩ ካብታ ዘላትካ መቒልካ ተሕድሮም። መጽለሊ'ውን ስለ ዘይብሎም ምሳና ተደሪቦም ይነብሩ። ብዝተኻእለና ንተሓጋገዝ'ኳ እንተዀንና፡ ንዓና'ውን እኹል ስለ ዘይብልና ኣብ ዓቢይ ጸገም ኣለና፡" ብምባል ነቲ ኵነታት የብርህ።
ገለ ካብቶም ካብ መዓስከራት ትግራይ ተፈናቒሎም ናብቲ መዓስከር ዝኣተዉ ስደተኛታት ብወገኖም፡ ኣብተን መዓስከራት ካብ 2000 ክሳዕ 2009 ዝኣተዉ ንዅነታቶም መፍትሒ ሓቲቶም ዝረብረቡ ስደተኛታት ከም ዘለዉ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብ ዘላታስ ተወሰኸታ ከም ዝበሃል ድማ ከባቢ 4,000 ካብ ኤርትራ ዝመጽኡ ስደተኛታት፡ ሓድሽ ምዝገባ ስለ ዘየሎ ዝረኽብዎ መጽለሊ፡ መግቢ ወይ ዝዀነ ሓገዝ የብሎምን።
እዞም ስደተኛታት ዋሕዲ ቀረብ ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ ንሓደስቲ ስደተኛታት ይዅን ካብ ከም ኣለምዋጭ ዝኣመሰላ መዓስከራት ዳግማይ ዝተፈናቐሉ ዝኸውን መሻርፍ ብዘይምህላዉ እምብዛ ከም ዝኸብዶም ብምሕባር፡ ማሕበር ግብረሰናይ ኤርትራውያን EHO ብዝገበረሎም ሓገዝ ነቲ ክፍተት ንምምላእ ይፍትኑ ከም ዘለዉ ኢብራሂም ይገልጽ።
"ኣጋጣሚ ማሕበር ግብረሰናይ ኤርትራውያን EHO ኣብ ፋልማይን ካልኣይ እብረን ንልዕሊ 1,200 ስድራቤታት ናይ ፊኖ፡ ዘይትን ዝተፈላልየ ናውትን ሓገዝ ምስ ገበሩልና፡ ነዞም ካብ ኣለምዋጭ ሃዲሞም ናብዚ ምስ መጽኡ ሓዲግ ተሪፎም ዘለዉ ስደተኛታት ቀዳምነት ተዋሂቡዎም፡" ብምባል ነቲ ኣድህቦ ዝሰኣነ ጸገማቶም ጣልቃ ኣትዮም ዝሕግዙ ኤርትራውያን ምህላዎም የመስግን።
ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣሳሒታ ጥራይ ልዕሊ 20,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዘለዉ ዝሓበረ ካልእ ስደተኛ ብወገኑ፡ "ኣብዚ ምድረበዳ'ዚ ምስቲ ዘሎ ሃሩርን ሕጽረት ማይን፡ ቈልዑን ኣዴታትን ዓቢይ ቍስሊ ይወጽኦም ይነትዕ፣ መመሊሱ ድማ ይደጋገም። ኣሽንኳይ መድሓኒት መግቢ'ውን የሎን። በቃ እዛ ቍሩብ ተስፋ ዝዘርኣትልና ናይ ኤርትራውያን ማሕበር ግብረሰናይ EHO ጥራይ እያ፡" ብምባል ነቲ ዘሎ ጥዕናዊ ብድሆ የብርህ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምኽታሙ፡ ምምዝጋብ ሓደስቲ ስደተኛታት ደው ብምባሉ ንብዙሓት ብዘይሓገዝን መጽለልን ክተርፉ ከም ዘገደደ የረድእ።
ኣቦ ወንበር ቦርድ ናይቲ ኣብ መዓስከር ክልል ዓፋር ንዝርከባ 1,200 ዝዀና ኤርትራውያን ስደተኛታት ስድራቤታት ሓገዝ ዘበርከተ ትካል፡ ማሕበር ግብረሰናይ ኤርትራውያን (EHO) ዶክተር ሃብተኣብ ፍስሃ ብወገኑ፡ እቲ ጸገም ርኡይ ምዃኑ ይገልጽ።
"ኣብ ዓፋር ዘለዉ ስደተኛታት ከም ኵሉ ኤርትራዊ ስደተኛ ናይ ውሕስነት ጸግም ከም ዘለዎም ንፈልጥ ኢና። እቲ ቦታ ምድረበዳ ምስ ምዃኑ ኣብ ቴንዳ ምስፋር ዘለዎ ሽግር ድማ ርዱእ እዩ፡" ይብል።
ካልእ ሓሰን ዝተባህለ ኣብቲ መዓስከር 17 ዓመታት ዝተቐመጠ ስደተኛ'ውን፡ "ቈልዑ መጽለሊ ስኢኖም ኣብ ጐልጐል ጸሓይ ይውዕሉ፣ እኹል ማይን መግብን የሎን። ኣብ እዋን ዝናብ ከቢድ ንፋስ ስለ ዘሎ፡ መዕቀሊና'ውን ውሑስ ኣይኰነን፡" ብምባል ንዘሎ ሕጽረት ቀረባት የረድእ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







