ኣብ ሓደ ጋህሲ ሬሳ 28 ስደተኛታት ተረኺቡ

እታ ከተማ ካብ ትሩቡሊ ልዕሊ 1700 ኪሎሜተር ርሒቓ'ያ ትርከብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ከተማ ኩፍራ

ኣብ ከባቢ እታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሊብያ እትርከብ ከተማ ኩፍራ፡ ኣብ ሓደ ጋህሲ ሬሳ 28 ስደተኛታት ከም ዝተረኸበ ኣኽባሪ ሕጊ እታ ከተማ ገሊጹ።

ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት'ውን ካብ ከተማ ኩፍራ ንሸነኽ ሰሜን 19 ሬሳታት ዘለዎ ጋህሲ ኣብ ሓደ ናይ ሕርሻ ቦታ ተረኺቡ ነይሩ'ዩ።

ሰብ መዚ ሊብያ ንሓደ ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ደቂ ሰባት፡ ስደተኛታት ዝህጉርሉ ቦታ ብሃንደበት ምስ ወረርዎ'ዮም ነቲ ጋህስታት ክረኽብዎ ክኢሎም።

ብዘይካዚ፡ 76 በቶም ኣሰጋገርቲ ተኣሲሮም ክሳቐዩ ዝጸንሑ ሰባት ነጻ ከምዘውጽኡ'ውን ኣኽባሪ ሕጊ እታ ከተማ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብቲ መግለጺ፡ ሓደ ሊብያውን ክልተ ዜግነቶም ዘይተገለጸ 'ወጻእተኛታትን' ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ'ውን ተሓቢሩ።

"እዞም ጕጅለ ኣሰጋገርቲ ኮነ ኢሎም ንሰብኣዊ ነጻነት እቶም ስደተኛታት፡ ጭካነ ብዝመልኦ ምስቃይ፡ ብዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ካልእን ክግህሱ'ዮም ጸኒሖም" ይብል እቲ መግለጺ።

ቢቢሲ ከረጋግጾ ዘይክኣለ ኣብ 'ኦንላይን' ዝተዘርገሐ ኣሳእል፡ ፖሊስን ካልኦት ወለንተኛታትን ሑጻ እናኹዓቱ ይርኣዩ'ሞ፡ ጽንሕ ኢሎም ከኣ ነቲ ኣስከሬናት ኣብ ጸሊም ጎማታት እናዓሸግዎ ይርኣዩ።

ኣብታ ካብ ርእሰ ከተማ ሊብያ ትሩቡሉ፡ ልዕሊ 1700 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኩፍራ፡ እቲ ምድላያ ጋህስታት ገና ይቕጽል'ዩ ዘሎ።

ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ እታ ከተማ፡ እቲ ኣብ ጋህስታት ዝተረኸበ ሬሳታት፡ ንመርመራ ተታሒዙ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ካብቶም ብህይወት ዝተረኸቡ ቃለ ምስክርነት ይእክቡ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ውን ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሊብያ ብውሕዱ 65 ሬሳ ሰደተኛታት ኣብ ሓደ ጋህሲ ከምዝተረኸብ ይዝከር።

ኣብቲ እዋን፡ ትካል ስደተኛታት ኣይኦኤም ነቲ ኣጋጣሚ 'ኣዝዩ ዘሰንብድ ክስተት' ኢሉ ገሊጽዎ ነይሩ።

ስርዓት ሙዓመር ጋዳፊ ኣብ 2011 ካብ ስልጣን ካብ ዝእለን ካብ ዝቕተልን እታ ሃገር ቀንዲ መሰጋገሪት ናይቶም ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ዝኣትዉ ስደተኛታት'ያ ኰይና።

ዩኒሴፍ፡ ኣብ 2024 ጥራይ ንማእከላይ ባሕሪ ብምቝራጽ ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ካብ ዝፈተኑ፡ እቶም ልዕሊ 2200 ከም ዝሞቱን ድሃዮም ከም ዝጠፍአ ይሕብር።