ኣብ ሊብያ 'ንጊላነት' ዝተሓረጀት ኢትዮጵያዊት ኣበይ ኣበለት?

ምንጪ ስእሊ, Refugees In Libya
ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ሊብያ ብዕጡቓት ንባርነት ተሓሪጃ ዝነበረት ኢትዮጵያዊት ነሂማ ጀማል፡ ነቶም ሒዞምዋ ዝነበሩ ሰባት 700 ሽሕ ብር ካብ ቤተሰባ ምስ ተኸፈላላ፡ ከምዝተለቐቐት ንቢቢሲ ብዝሃበቶ ሓጺር ቃል ኣረጋጊጻ።
ቅድም ኢሉ፡ ኣፋ ብጨርቂ ተሸፊና ክትሳቐ እንከላ ብስእልን ቪድዮን ዝተራእየት ነሂማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ቤተሰባ ገንዘብ ኣዋጺኦም ምስ ከፈሉላ፡ እቶም ዝሓዙዋ ኣሰጋገርቲ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ካብቲ ዝነበረቶ መዓስከር ስቅያት ናብ ከተማ ኣምጺኦም ከምዝፈነዉዋ ገሊጻ።
ኣብቲ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ተኣሲራ ኣብ ዝነበረትሉ ስፍራ ከምኣ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ሰባት ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ "ውሑዳት ጥራይ እዮም ገንዘብ ተኸፊሉሎም ዝፍትሑ" ክትብል ገሊጻ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ሊብያ ከምዘላ ብምግላጽ፡ "ደኺመን ሓሚመኒ" ኣለኹ ብምባል ነሂማ፡ "ቀጺሉ እንታይ ከም ዝኸውን ኣይፈልጥን፤ ኵሉ፡ ዋላ ተሌፎን ምድዋል'ውን ዘፍርሕ'ዩ፡" ክትብል ድምጻ ኣናንቀጥቀጠ ንምዝራብ እናተጸገመት ተሰሚዓ።
ረፊዮጂስ ኢን ሊብያ፡ ዝተባህለ ንዅነታት ስደተኛታት ዝከታተል ትካል፡ ነሂማ ኣብ ዝተጨውየትሉ እዋን፡ 'ነሂማን ካልኦት ስደተኛታትን ኣብታ ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት እትርከብ ኣውራጃ ኩፍራ ኣለዉ' ክብል ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ገሊጹ ነይሩ።
እቶም ጨወይቲ ነሂማ ንኽትፍታሕ ሽዱሽተ ሽሕ ዶላር እዮም ሓቲቶም። እቲ ናብ ስድራኣ ዝተላእከ ቪድዮታት ድማ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ዘስካሕክሕ ኵነታት ከምዘለዉ ዘርኢ እዩ።
እታ ተምሃሪት ዝነበረት ነሂማ፡ ኣእዳውን ኣእጋርን ተኣሲሩ፤ ኣፋ ብጨርቂ ተዓፊኑ፤ እናተሳቐየት ብደም ተሸፊና ዘርኢ ቪድዮን ኣሳእልን እውን ተዘርጊሑ እዩ።
እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ቪድዮታትን ኣሳእልን፡ ነሂማ ጥራይ ዘይኮነትስ ካልኦት ኣስታት 50 ዝግመቱ ግዳይ መጭወይቲ ዝዀኑ ሰባት ብድሕሪኣ ይረኣዩ።
ነሂማ፡ ኣብ ክልል ኦርሚያ ከተማ ሻሸመኔ ተምሃሪት ዝነበረት ኰይና፡ ብኣዲስ ኣበባ ኣቢላ ናብ ጐንደር ብምቕናዕ፣ ካብኡ ብሱዳን ኣቢላ እያ ናብ ሊብያ ኣምሪሓ።
ኣብ ኢትዮጵያ እትፈልጦ ሰብ ስራሕ ኣሎ ስለዝበላ እያ ናብ ሊብያ ኣትያ። ኣብቲ እዋን ነቲ ወዲ ዝኸፈለቶ ገንዘብ'ኳ እንተዘይነበረ፡ ብዙሓት መኻይዳ ኣብ መገዲ ከምዝኸፈለት ግን ትዛረብ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተላለየቶም ክልተ ኢትዮጵያውያን መንእሰያት ኣብ ምድረበዳ ሰሃራ ብጽምኢ ክሞቱ ብዓይና ከምዘረኣየት እናስካሕክሐት ትገልጽ።
ብድኻምን ጽምእን ዝሞቱ መኻይድና ንምቕባር "ሓይሊ ኣይነበረናን" እትብል ነሂማ፡ ካብ ሃገራ ምውጽኣ ከምዘጣዕሳ'ኳ እንተገለጸት፡ ድሕሪ እዚ ዅሉ መከራ ግን ኣብዚ እዋን ናብ ዓዳ ክትምለስ መደብ የብላን።
"ፍቓድ ፈጣሪ ኰይኑ ናብ ካልእ ሃገር ክኸይድ እየ ዝሓስብ" ትብል።
ንኻልኦት ስደት ከም ኣማራጺ ዘማዕድዉ ግን "ኣብ ሃገርኩም ይሕሸኩም፣ ኣብ መንገዲ ሕማም ኣሎ፣ ሞት ኣሎ፣ ብዙሓት መኻይደይ ኣብ መንገዲ ሞይቶም እዮም" ብምባል ትመክር።
ቢቢሲ ቅድሚ ሕጂ ንስድራኣ ኣብ ዘዘራረበሉ እዋን፡ ቪድዮን ኣሳእልን ከምዝተላእከሎምን መበጆ ክኸፍሉ ብህይወታ መጠንቀቕታ ከምዝመጾምን ገሊጾም ነይሮም።
ሽዑ ቃላ ዝሃበት ሓፍታ ኢፍቱ ጀማል፡ "ነሂማ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ናይ 11 ክፍሊ ትምህርታ ገዲፋ ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ናብ ሊብያ ተሰዲዳ፡" ኢላ ምንባራ ይዝከር።
"ስእልን ቪድዮን ይሰዱልና፤ እናተሳቐየት የርእዩና፣ መልእኽቲ ድምጺ'ውን ይሰዱልና። ሓፍትና ድማ 'ገንዘብ እንተ ዘይሰዲድኩም ክቐትሉኒ እዮም' ክትብል ትስማዕ" ትብል።
ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ረፊዩጂስ ኢን ሊብያ፡ እታ ጓል 20 ዓመት ነሂማ ጀማል ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ናብ ሊብያ ምስ ኣተወት ድሕሪ ሒደት መዓልታት እያ ኣብ ኢድ ዕጡቓት ወዲቓ።
ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ንግዲ ባርነት ሸለል ኢሉዎ ክብሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኸሱ።
እቶም ተጣበቕቲ፡ ሊብያ መቓብር ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ከምዝዀነት ይገልጹ፤ "እቶም ከምዚ ዓይነት ተግባራት ግፍዒን ምስርጣይን ደቂሰብ ዝፍጽሙ ዘለዉ ዕጡቓት ስለምንታይ ዘይሕተቱ?" ኢሎም ይሓቱ።
ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ከምኡ'ውን ካልኦት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ዝሓሸ ህይወት ንምድንዳይ ናብ ኣውሮጳ ኣብ ዝገብርዎ ጕዕዞ ባሕሪ፡ ሊብያ ቀንዲ መናሃርያ ኰይና ጸኒሓ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







