'ሬሳኣ ናብ ውቅያኖስ ደርበዮሞ'

ምንጪ ስእሊ, Hussein family
ፋትሒ ሑሴን ናብ ደሴት ፈረንሳ ዝዀነት ማዮት ንምኻድ ገንዘብ ምስ ዝኸፈለቶም ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ሰባት ኣይተቓደወትን።
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ እቶም ኣዘዋወርቲ ስደተኛታት ፋትሒ ብዘስካሕክሕ ኵነታት ክትመውት ገይሮም።
ንሳ፡ ኣብ ሶማልያ ከተማ ሞቓድሹ ዋና እንዳ ጽባቐ እያ ነይራ፤ መርድእ ዝበጽሖም ስድራቤታ ኣብ ሓዘን ከፍ ኢሎም ይርከቡ።
ጓል ኣቡኣ ዝዀነት ዓባይ ሓፍታ ሰሚራ፡ “ውጻእ መዓት እቲ ሓደጋ ዝዀኑ ሰባት ብጥምየት’ያ ሞይታ ኢሎምና” ትብል።
ፋትሒ፡ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ይጕዓዛ ካብ መንጐ ዝነበራ ክልተ ንኣሽቱ ጃልባታት ኣብታ ሓንቲ ቅድሚ 14 መዓልቲታት ከም ዝሞተት ስድርኣ ተረዲኦም።
እቶም ሰምሰርቲ ደርብዮምዋ ምስ ከዱ እያ ሞይታ።
“ጥረ ዓሳ እናበልዑ ማይ እቲ ውቅያኖስ ይሰትዩ ነይሮም፤ ንሳ ነዚ ነፊጋቶ። ካብቲ ጕዕዞ ዝተረፉ ሰባት ቅድሚ ምሟታ ተህተፍትፍ ነይራ ኢሎምና። ድሕሪኡ ኣስክሬና ናብቲ ውቅያኖስ ደርብዮምዎ” ትብል ሰሚራ።
ስድራቤት ፋትሒ ብዛዕባ ሞታ ካብቶም ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ገማግም ባሕሪ ማዳጋስካር ብገፈፍቲ ዓሳ ዝደሓኑ ሶማላውያን እዮም ፈሊጦም።
ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት፡ እተን ክልተ ጀላቡ ተገልቢጠን 24 ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ካልኦት 48 ድሒኖም ኢሉ።
ኣብተን ጀላቡ 70 ሰባት ነይሮም።
ዓመታዊ ናብታ ደሴት ፈረንሳ ዝዀነት ዝጕዓዙ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።
ፋትሒ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ካብ ሞቓድሹ ናብ ወደባዊት ከተማ ኬንያ ሞምባሳ ተጓዒዛ። ካብኡ ናብ ማዮት ናብ እትኸይድ ጃልባ ተሰቒላ።
እቲ ጕዕዞ፡ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኒስ 1100 ኪሎ ሜትሮ ኣቋሪጽኻ ዝግበር እዩ።
ሰሚራ ከም እትብሎ፡ ፋትሒ ዕውት ቤት ጽባቐ ነይሩዋ። ያቕዲሽ ኣብ ዝተባህለ ማእከላይ እቶም ዘለዎም ሰባት ዝነብርሉ ከባቢ ድማ ትነብር ነይራ።
ፋትሒ ስለ ምንታይ ናብ ስደት ከም ዘምርሐት ግን ኣይተረድኣን።
ካብ ንእሽቶ ሓፍታ ወጻእ ብዛዕባ እቲ ጕዕዞ ንኣባላት ስድርኣ’ውን ኣይተዛረበትን።
ካብቲ ናይ ስረሓ ትካል ዝረኸበቶ ገንዘብ ክኣ ነቶም ሰምሰርቲ ከፊላቶም እያ።
“ባሕሪ ኣይትፈቱን፤ ከመይ ኢላ ኣብኡ ከም ዝበጽሐት ኣይፈልጥን። ኣብ ሕቑፎይ እንተትህሉ ክንደይ ደስ ምበለኒ” ትብል ሰሚራ።
እታ ጃልባ ካብ ሞምባሳ ክትብገስ እንከላ፡ ስደተኛታት ጽዒና ከም ዝነበረት ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ሰባት ተዛሪቦም።
ይኹን’ምበር፡ እታ ጃልባ ጸገም ኣጋጢሙዋ’ዩ ብዝብል ብሰምሰርቲ ከም ዝምለሱ ገሊጾም።
ናብ ኬንያ ቅድሞ ምብጽሖም እቶም ስደተኛታት ብኽልተ ንኣሽቱ ጃልባ ኣንቀሳቒሶምዎም።
ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰዓት ድማ ኣብ ደሴት ማዮት ከም ዝበጽሑ ነጊሮምዎም።
ይኹን’ምበር፡ እቲ ጕዕዞ 14 መዓልቲታት ወሲዱ። ኣብዚ ፋትሒ ሓዊሱ ብዙሓት ሞይቶም።
እቶም ስደተኛታት ገንዘብ ስለ ዝኸፈሉ ጥራይ እቶም ሰምሰርቲ ኣብ ማእከል ባሕሪ ገይዲፎምዎም ክኸዱ ከም ዝሓሰቡን ናብ ደሴት ፈረንሳ ክወስዱዎም መደብ ከም ዘይነበሮምን ሰሚራ ጥራጣርኣ ትገልጽ።
ሰራሕተኛ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ፍራንትዝ ካሌስቲን፡ እቶም ስደተኛታት ናብታ ደሴት ቅድሚ ምብጽሖም ህይወቶም ንሓደጋ ከም ዝቃላዕ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቀረባ ብተመሳሳሊ ጕዕዞ 25 ስደተኛታት ሞይቶም።
“ካብ ኮሞሮስን ማዳካስካርን ይሓልፉ፤ ኣብዚ ዓመት በዚ መገዲ ዝጕዓዙ ብዙሓት ስደተኛታት ሞይቶም’ዮም” ይብል።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ናብራ ደሴት ዝጕዓዙ ስደተኛታት፡ እቲ መገዲ ካብ ደሴት ሶማልያ ከም ዝጅምር ሓቢሮም።
ውሑዳት፡ ካብ ሞምባሳ ብደሴት ኮሞሮስ ኣቢሎም ናብ ማዮት ይጕዓዙ። ገንዘብ ዘለዎም ድማ ናብ ኢትዮጵያ ብነፋሪት ከይዶም ናብ ማዳጋስካር ይጕዓዙ።
በዛ ደሴት ኣቢሎም ድማ ናብ ፈረንሳን ካልኦአት ሃገራት ኣውሮጳን ክኣትው ይሕልኑ።
ካብ ሞምባሳ ናብ ማዮት ንምብጻሕ ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ዶላር ከም ዝኽፈል ስድራቤታት ይዛረቡ።
ኣብ ቲክቶክ፡ ብዓባይ ጃልባ ናብ ደሴት ፈረንሳ ንወስድ ኢና ዝብሉ መወዓውዒታት ዝሰርሑ ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ሰባት ብብዝሒ ይርኣዩ ኣለው።
እዚ ግን ኣዝዩ ሓደገኛን ብንኣሽቱ ጃልባ ዝግበርን ጕዕዞ እዩ።
መንግስቲ ፈረንሳ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ሓደጋ ዝሃቦ ርኢይቶ የለን።
ሚኒስትሪ ጕዳይ ወጻኢ ሶማልያ ኣሕመድ ሞዓሊም ፊቂ፡ ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ሰባት ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ስራሕ ተጀሚሩ’ዩ ኢሉ።
ስድራ ፋትሒ፡ ጓሎም ዘዘራረበቶ ሰብ ብፖሊስ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ’ኳ እንተገበሩ ብዋሕስ ከም ዝተፈትሐ ተዛሪቦም።
ሰሚራ፡ “ብዛዕባ ውሳንኣ እንተትነግረኒ ነይራ ደስ ምበለኒ፤ ከም ተሰናበተትኒ ደስ ምበለኒ። ሕጂ ከመይ ኢለ’የ ሞት ሓፍተይ ክቕበሎ” ኢላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







