ኣብ ሊብያ 'ንጊላነት' ዝተሓረጀት ኢትዮጵያዊት

ምንጪ ስእሊ, Refugees In Libya
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ዕጡቓት፡ ብዙሓት ስደተኛታት ጨውዮም ከሳቕዩ ዘርእዩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ቪድዮታትን ኣሳእልን ብሰፊሑ ኣዘራረብቲ ኰይኖም ኣለዉ።
ሓንቲ ካብቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ነሂማ ጀማል ዝተበሃለት ኢትዮጵያዊት እያ።
ነሂማ ካብ ክልል ኦሮምያ ከተማ ሻሸመኔ እያ ናብ ሊብያ ተሰዲዳ።
'ረፍዩጂስ ኢን ሊብያ' ዝተበሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ ነሂማ እትርከቦም ስደተኛታት ኣብ ግዝኣት ኩፍራ ሊብያ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዕጡቓት ከምዝርከቡ ኣብ ኤክስ ሓቢሩ።
ኣብቶም ዝተዘርግሑ ኣሳእልን ቪድዮታትን፡ ነሂማ ኣፋ ብጨርቂ ተዓፊና ክትሳቐ ትርአ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስድራቤት ነሂማ፡ ቪድዮን ኣሳእልን ከምዝተላእከሎምን መበጆ ክኸፍሉ መጠንቀቕታ ከምዝተወሃቦምን ሓቢሮም።
ኣብ ከተማ ሻሸመኔ መበል 11 ክፍሊ ትማሃር ዝነበረት ነሂማ ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ትምህርታ ኣቋሪጻ ናብ ሊብያ ከምዝተሰደደት ሓፍታ ኢፍቱ ጀማል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
"ስእልን ቪድዮን ይሰዱልና። እናተሳቐየት የርእዩና። ናይ ድምጺ መልእኽቲ'ውን ሰዲዶምልና'ዮም። ሓፍትና 'ገንዘብ እንተዘይሰዲድክምሎም ክቐትሉኒ እዮም' ክትብል ትስማዕ።"
ይዅን'ምበር እታ ስድራ ነቲ ጨወይቲ ዝሓተትዎ ገንዘብ ክሰዱ ዓቕሚ ከምዘይብላ እያ ኢፍቱ ትገልጽ።
ኣብ ሊብያ ንዅነታት ስደተኛታት ዝከታተል 'ረፍዩጂስ ኢን ሊብያ' ከምዝሓበሮ፡ ጓል 20 ዓመት ነሂማ ጀማል ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ናብ ሊብያ ምስ ኣተወት ድሕሪ ሒደት መዓልታት እያ ኣብ ኢድ እቶም ዕጡቓት ወዲቓ።
ምስ ተኣሰረት እናተሳቐየትን እናተሃረመትን ዘርእዩ ኣሳእልን ቪድዮታትን ናብ ስድራቤታ ተላኢኾም'ዮም።
ኢፍቱ፡ እታ ስድራቤት ነቲ ዝተሓተትዎ ገንዘብ ንምትእኽኻብ ሓገዝ ሓቲታ'ኳ እንተነበሩ፡ ክሳዕ ሕጂ ግን ክንድቲ ዝድለ ምእካብ ኣይተኸኣለን።
እታ ስድራቤት ደሃይ ነሂማ ካብ ትሰምዕ ክልተ ሰሙናት ከምሓለፈ ኢፍቱ ትዛረብ። "እቲ ገንዘብ እንተዘይረኺብና ከይንድውል ኣጠንቂቕናዮም፤ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ኢና ዘለና።"
ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም ዓመጽን ምፍርራሕን ኣብዚ ቀረባ እዋን እናሓየለ ከምዝመጸን ኣብ ልዕሊ ስድራቤታት ልዑል ጸቕጢ ከምዝፈጠረን ረፍዩጂስ ኢን ሊብያ ይሕብር።
እቶም ጨወይቲ ነሂማ ንኽትፍታሕ 6 ሽሕ ዶላር እዮም ሓቲቶም። ስድራ ነሂማ ነዚ ገንዘብ ንምእካብ ዝከኣሎም ኵሉ ይገበሩ ኣለዉ።
ናብ ስድራ ነሂማ ዝተላእኩ ቪድዮታት፡ ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ዘስካሕክሕ ኵነታት ከምዘለዉ የመልክቱ።
ነሂማ ኣእዳዋን ኣእጋርን ተጨልጊማ፡ ኣፋ ብጨርቂ ተዓፊና ትረአ። ክትሳቐን ብዙሕ ደም ክትደምይን ዘርእዩ ቪድዮን ኣሳእልን እውን ኣለዉ።
ረፍዩጂስ ኢን ሊብያ ኣብ ዝዘርግሖም ቪድዮታትን ኣሳእልን፡ ነሂማ ጥራይ ዘይኰነትስ ካልኦት ኣስታት 50 ግዳያት'ውን ብድሕሪኣ ይረኣዩ እዮም።
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ንግዲ ጊላነት ሸለል ከምዝበለ ይኸሱ።
"እዚ ኣብ ሊብያ ዘሎ ክውንነት'ዩ። እዚ ተግባር ዘሕዝን ጥራይ ኢልካ ምሕላፍ ፍትሓዊ ኣይኰነን" ይብል ቅድሚ ሕጂ ጅሆ ተታሒዙ ነጻ ዝወጸን ሕጂ ድማ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነን ደቪድ ያሚብዮ።
ደቪድ፡ ህሉው ኵነታት ነሂማ ኣብ ብዙሓት ስደተኛታት ዘጋጥም ዘሎ ዘሕዝን ፍጻመ ምዃኑ ይዛረብ።
ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት፡ ሊብያ ብፍላይ ንጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት መቓብር ከምዝዀነት ይገልጹ። እቶም ከምዚ ዓይነት ጭውያ ዝፍጽሙ 'ዕጡቓት ስለምንታይ'ዮም ተሓተትቲ ዘይኰኑ?' ክብሉ ይሓቱ።
"ኰፍ ኢልካ ብምዕዛብ ጥራይ ፍትሒ ክረጋገጽ ኣይክእልን'ዩ። ፍትሒ ክመጽእ ዝኽእል እዚ መርበብ ዕጡቓት ምስ ዝብጠስ ጥራይ'ምበር ብዘረባ ኣይኰነን።"
ደቪድ ወሲኹ፡ መራሕቲ ዓለም ነቲ ኣብ ሊብያ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ደው እንተዘይኣቢሎም ዕጫ ነሂማን ካልኦት ኣብ ጊላነት ተሸሚሞም ዝርከቡ ስደተኛታትን ፍታሕ ብምባል የተሓሳስብ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሊብያ ዝተኻየደ መሸጣ ጊላነት ዝዝክር ደቪድ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝገበርናዮ ሕጂ'ውን ነቲ ጸገም ሕቘና እንተሂብና፡ ሊብያ መቓብር ኣፍሪቃውያን ኰይና ከምትቕጽል የጠንቅቕ።
ናብታ ብኲናት ሓድሕድ ትሕመስ ዘላ ሊብያ ዝተሰደዱ ከም ነሂማ ዝኣመሰሉ ስደተኛታት ቀጻሊ ዕጫኦም እንታይ ከምዝዀነ ኣይተፈልጠን።
ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ካልኦት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ዝሓሸ ህይወት ንምድላይ ናብ ኣውሮጳ ክስደዱ ምርኣይ ልሙድ እዩ።
ቅድሚ ንማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ኣውሮጳ ምእታዎም ግን እግሮም ኣብ ሊብያ ክረግጹ ዝግደዱ ሒደት ኣይኰኑን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







