ቅልውላው ትግራይ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ብኸመይ ይዕደል ኣሎ?

ኣብ መቐለ ዝርከቡ ተመዛበልቲ

ምንጪ ስእሊ, YASUYOSHI CHIBA/AFP/Getty Images

ሎሚ ዓርቢ 19 ነሓሰ፡ ንቝጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊን ሰብኣዊን ጸገማት ንምፍታሕ ዘዘኻኽር ኣህጕራዊ መዓልቲ ሰብኣውነት ብዓለም ደረጃ ይበዓል ኣሎ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ምትሕብባር ከኣ ከም ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ ዝኣመሰሉ ጸገማት ንኽፍታሕ ዘተባብዕን ዝጠልብን እዩ።

ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ብዝተወልዐ ኲናት፡ ኣሽሓት ሰባት ሞይቶምን ቈሲሎምን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ’ታ ክልል ካብ ቤቶም ተመዛቢሎም፤ ልዕሊ 6.3 ሚልዮን ከኣ ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ኰይኖም ኣለው። ይዅን እምበር ኣብ መፋርቕ መጋቢት፡ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ህወሓትን ብ 15 መጋቢት 2014 [ግእዝ] ተጻብኦ ምስ ኣቋረጹ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ከኣቱ ጀሚሩ።

ብድሕሪኡ ግን ከመይ ይቕጽል ኣሎ? እቶም ተጸበይትን ተመዛበልትን ክንድቲ ዘድልዮም ረድኤት ይረኽቡ’ዶ ኣለው? ንዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ ቢቢሲ ትግርኛ ሰባት ኣዘራሪቡ ኣሎ። እዚ ጸብጻብ ኣብ መቐለ ካብ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ጥራይ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘጠቓልል እዩ።

ድሕሪ ምቍራጽ ተጻብኦ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ረድኤት እንታይ ይመስል?

ወሃብቲ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ እቲ ረድኤት ብግቡእ’ዶ ናብ ጽጕማት ይበጽሕ ኣሎ ኣይበጽሕን፤ ተወሳኺ ረድኤት ዘድሊ እንተዀይኑ ንምርግጋጽ ምክትታልን ገምጋምን ይገብሩ እዮም።

መንግስቲ ትግራይ ይዅን መንግስቲ ፌደራልን፡ ከምኡ'ውን እቶም ረድኤት ዘብጽሑ ዘለዉ ዘይመንግስታውያን ትካላትን እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ዝከፋፈል ዘሎ ረድኤት እዋናዊ ኽትትልን ገምጋምን ክገብሩ ከምዝኽእሉ ይግመት።

ይዅን እምበር ክሳብ ሕጂ ኽንደይ ዝኣክል ረድኤት ከምዝተኸፋፈለ፡ ኣብ መነባብሮ ተጸበይቲ ዘምጽኦ ለውጥን ምምሕያሽን እንተሃልዩን ክንደይ ዝኣክል ተወሳኺ ረድኤት ከምዘድሊን፡ ወግዓዊን ንጹርን ሓበሬታ ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ።

ኣካል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝኾና ቃፍላይ ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ትግራይ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን 9 ሰነ 2022 ዓ.ም

ምንጪ ስእሊ, EDUARDO SOTERAS/AFP/Getty Image

ውድብ ምግቢ ዓለም ብወገኑ፡ ኣብ መዓልቲ 100 ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከምዘለወን ገሊጹ ነይሩ።

እንተዀነ ምቍራጽ ተጻብኦ ምስተገበረ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብ 23 መጋቢት 2014 እዩ ንፈለማ ግዜ 13 ረድኤት ዝጸዓና መካይን ዝኣተዋ። ብድሕሪኡ'ውን እንተዀነ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ረድኤት ከምቲ ዝተባህለ ብስሩዕ ኣይቀጸለን። ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ተቛሪጹ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብ 6 ሚያዝያ 2014 ካልኣይ ዙር ረድኤት ዝጸዓና 47 መኻይን ንመቐለ ኣትየን።

ብድሕርዚ፡ ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ጸኒሐን እየን። እንተዀነ እቲ ዝኣቱ ረድኤት እዅል ከምዘይኰነ ቤት ጽሕፈት ውድብ ምግቢ ዓለም ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ ኢመይል ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ግንቦት ሓላፊት ዓለምለኻዊ ትካል ልምዓት ኣሜሪካ (USAID) ሳማንታ ፓወር ብወገና፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን መራሕቲ ትግራይን ምቁራጽ ተጻብኦ ካብ ዝግበር ኣትሒዙ 194 ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ እዚ ግን እዅል ከምዘይኰነን ኣብ ሰሙን ልዕሊ 500 መኻይን ክኣትዋ ከምዝግባእን ገሊጻ ነይራ።

ሓላፊት ዓለምለኻዊ ትካል ልምዓት ኣሜሪካ ሳማንታ ፓወር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሓብቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዶክተር ኣትንኩት መዝገቦ፡ ምስ ጋዜጣ ወያነ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ምግቢ ዝሞቱ ሰባት ቍጽሮም እናወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎ ይገልጽ።

ዶክተር ኣትንኩት፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ሕጽረት ነዳዲን ሕጽረት ረድኤት ሜላታት ርክብ እውን ብምቍራጾም እኹል ሓበሬታ ንምርካም ኣጸጋሚ እዩ። ስለዝዀነ፡ "እቲ ሞት’ውን ብዕሊ ከይንፈልጥ ገይሩና እዩ። ክንደይ ሰብ ይመውት ከም ዘሎ፡ ክንደይ ሰብ ከም ይሓምም ከም ዘሎ'ኳ ብዕሊ ኣይፍለጥን፡” ይብል።

ተወካሊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ኣሜሪካ ኣቶ ዮሃንስ ኣብርሃ፡ እቲ ትጽቢት፡ መዓልታዊ ካብ 100 ክሳብ 110 ረድኤት ዝሓዛ መካይን ንኽኣትዋ ምንባሩ ግን እተን ዝኣትዋ ካብ 50 ክሳብ 60 መካይን ጥራይ ምዃነን፡ እቲ ረድኤት ዝጽበ ህዝቢ ግን እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

“ዳርጋ መብዛሕትኡ ህዝብና ተጸባዪ ረዲኤት ኰይኑ ኣሎ። ስለዚ ካብቲ ዝግባኦ ኣዝዩ ትሑት ዝዀነ ሓገዝ እዩ ዝኣቱ ዘሎ። ኣብ ርእሲኡ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ እቲ ዝኣተወ ረድኤት ካብ መቐለ ናብ ካልእ ከባቢ ክዝርጋሕ ኣጸጊሙ ኣሎ” ክብል ሓቢሩ።

ፈጺሞም ረድኤት ዘይረኸቡ ተጸበይቲ ቝጽሮም ሒደት ከምዘይኮነ ቢቢሲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ይገልጹ።

*ስም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተጸበይቲ ንድሕነቶም ክበሃል ተቐይሩ እዩ።

እንታይ ዓይነት ረድኤት እዩ ዝዕደል ዘሎ?

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሻምናይ ርእሳ ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ ማእከል ተመዛበልቲ እትነብር ካብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ፡ ጣብያ ኣዳባይ ዝተመዛበለት ወይዘሮ ሃይማኖት፡ ኣብ ዕጽዋን ክባን ብዙሕ ከምዝተሸገሩ፡ ቅድሚ ወርሒ ግን ረድኤት ከምዝረኸቡ ተዛሪባ።

“ንነፍሲ ወከፍ ቈልዓ፡ 15 ኪሎ ስርናይ፡ ፍርቂ ኪሎ ዘይቲ፡ ኪሎን ፈረቓን ክክዕ ተዋሂቡና።” ክትብል ነቲ ዝተዓደሎም ረድኤት ትዝርዝር።

ካብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሉ ምስ ሽዱሽተ ኣባላት ስድራኡ ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ ማእከል ተመዛበልቲ ዝነብር ዘሎ ኣይተ ኣባዲ ብወገኑ፡ “ዕለት ዓሰርተ ሽዱሽተ ሰነ [ረድኤት] ተዋሂብና ማለት እዩ” ክብል ተጻብኦ ደው ካብ ዝብል ጀሚሩ ንኣዋርሕ ረድኤት ከምዘይረኸቡ ይገልጽ።

ብምቕጻል ካብቲ ዝወሃቦም 15 ኪሎ ስርናይ “ናይ ፍሉይ ሓይሊ እናውጻእና ኣብ ኢድና ዝበጽሓ 14 ኪሎ እየን” ብምባል ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓደ ኪሎ ስርናይ ንፍሉይ ሓይሊ ተባሂሉ ከምዝቍረጽ ይዛረብ። ይዅን እምበር እቲ ዝቝረጽ ስርናይ ናብቲ ዝተባህሎ “ይበጽሕ’ዶ ኣይበጽሕን” ከም ዝጠራጠር ብምሕባር ብልሽውና ክህሉ ከምዝኽል ይገልጽ።

ተመዛቢሎም ኣብ መቐለ ይነብሩ ዘለዉ ሰባት እኹል ረድኤት ኣእረኽቡን ዘሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP

እቲ ዝዕደል መጠን ረድኤት እዅል ድዩ?

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኵሎም ተመዛበልቲ እቲ ዝወሃቦም ረድኤት ፈጺሙ ከምዘይኣኽሎም ይዛረቡ።

“[እቲ ረድኤት] ወርሓዊ እንተዝበጽሓና ደሓን ምዀነ ግን ንሓደጋ ምስተሳጣሕና፤ ኣርባዕተ ወርሒን ገለን ምስ ኣሕለፍና [እዩ ዝመጽኣና]...ሕሰቦ’ሞ?” ይብል ኣይተ ኣባዲ።

“ህጻን ሓዝ፡ ዓብዪ ሰብ ሓዝ፡ ሽማግለ ሓዝ ንሳ እያ ዘላ” ኢላ እቲ ረድኤት እዅል ከምዘይኰነ ዝሓበረት፡ ልዕሊ ሸሞንተ ኣባላት ስድራ ሒዛ ኣብ መቐለ ትነብር ዘላ ተመዛባሊት ፍረሂወት እያ።

“ካብታ 15 ኪሎ ዝተወሃብናያ፡ ካብኣ ዕንጨይታ፡ ካብኣ ፍሓማ፡ ካብኣ ካልእ ኣስቤዛ፡ ቈልዓ ተሓሚሙካ ካብኣ፡ ንባዕልኻ ተሓሚምካ ካብኣ። ሕዚ ሓሚምካ ሕክምና የለን፤ ጨና ኣዳም እዩ። ጨና ኣዳም፡ ጻዕዳ ሽጉርቲ ሳልሳይ [ፈጣሪ] እናለመንና ኢና ንነብር ዘለና እምበር ብሱሩ ብዘን እርዳታ እዚአን [ምንባር] ከቢድ ሽግር እዩ።” ብምባል ንኽብደት'ቲ ጸገም ትገልጾ።

ወይዘሮ ሃይማኖት እውን ካብዚ ዝተፈልየ ሓሳብ የብላን። በታ ትወሃቦም መጠን ረድኤት ክመሓደሩ ከምዝጽዕሩ እንተዀነ እዅል ከምዘይኮነ ትገልጽ።

“ኣብ ጥሜት ኢና ጸኒሕና፤ ኣብ ሽግር ኢና ጸኒሕና። ናይ ሸሞንተ ርእሰይ ንቀበል ደኣ ምበር፡ ልቓሕ ጸኒሑኒ፤ ሰብ ዘይሃብክና ብዝብል ሰዓት... ያው ኵሉ ሰብ ከምኡ እዩ ጸኒሑ። እናተለቓቕሐ፡ እናተለቓቕሐ እዩ ጸኒሑ። ምኽንያቱ ቅድሚ ሓሙሸተ ወርሒ ኢና ተዋሂብና ነይርና ረድኤት” ትብል።

ወሲኻ እውን፡ “ህዝቢ መቐለ ክረድኣና ጸኒሑ። ሕጂ እቲ ህዝቢ መቐለ እውን ናብ ሽግር ኣትዩ፤ ናብ ጥሜት ኣትዩ። ንባዕሉ እውን እቲ ዝበልዖ የብሉን። ሰብ ይርፍረፍ ኣሎ፡ ይወድቕ ኣሎ፡ ኣብ ሓደጋ ኢና ዘለና።” ኢላ ኣብ ውሽጢ ዝተሓዋወሰ ስምዒት ኰይና ንህዝቢ መቐለ ዘለዋ ምስጋናን ነቲ ህልው ጸገምን ትገልጽ።

ኣብ ከክንደይ ግዜ ይዕደል?

ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ተጸበይቲ፡ ስሩዕን ቀጻልን ረድኤት እንተዘይረኺቦም ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዝወድቁ እቶም ግዳያት ይዛረቡ። መስርሕ ምዕዳልን ምክፍፋልን ረድኤት ግልጺ ዘይምዃኑ ብዙሕ ጸገም ከምዝፈጥር እቶም መሰኻኽር ይገልጹ።

ፍረሂወት፡ “መንበሪ የብልናን፤ ደቅና ዝመሃሩሉ ዝነበሩ ቤት ትምህርቲ ኣሕዲግና ኢና ንቕመጥ ዘለና። ኣብ ሓደ ክላስ ልዕሊ ሰላሳ መራሕቲ ስድራ እዮም ዘለው። ምስኦም ደቆም ኣለው፡” ትብል።

“[እቲ ረድኤት] ኣብ ወወርሒ እኳ ከይወሃበና፡ ኣብ ሰለስተ ወርሒ፡ ኣብ ኣርባዕተ ወርሒ ምስ ሞትካ’ዩ። ሓሚምካ ክትሕከመሉ ኣይትኽእል፡ ነቲ ዝሃቡኻ ረዲኤት ንኣቤዛለ ኣይኣኽለካ።” ክትብል ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ ስድራ ኣብ ከቢድ ሽግር ከምዘለዋ ትገልጽ።

“ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኣርባዕተ ግዜ ተዋሂብና ኣለና።” ዝበለና ድማ ኣይተ ኣባዲ እዩ። “መስከረም፡ ሕዳር፡ ለካቲት ወሲድና። ሕዚ ኸዓ ዕለት ዓሰርተ ሽዱሽተ ሰነ ተዋሂብና ማለት እዩ። ኣርባዕተ ወርሒ ምስገበርና ማለት እዩ። እዚ እውን ብኽንደይ ጥርዓን ...” ክብል እቲ ጸገም ረድኤት ብስሩዕ ዘይምርካቦም ጥራይ ከምዘይኮነ ይዛረብ።

ጥርዓን ናይቲ ህዝቢ እንታይ እዩ?

ረድኤት በብእዋኑ ብስሩዕ ዘይምርካቦም እቲ ሓደ ጸገም እዩ። ካልእ እቲ ዝወሃብ ረድኤት ባዕሉ ስድራቤት ንምምሕዳር እዅል ኣይኮነን።

ብዘይካ እዚ ግን ምስ ብልሽውና ተተሓሒዞም ዝለዓሉ ቅሬታታት ከምዘለዉ እቶም መሰኻኽር ንቢቢሲ ገሊጾም።

እቶም መሰኻኽር ከምዝሕብርዎ ኣብቶም ማእከላት ዝነብሩ ተመዛበልቲ ዝውክልዎም ኮሚቴታት ኣለዉ። ብተወሳኺ'ውን በብዝነበርዎ ዞባ ተጠርኒፎም ብኣመሓደርቲ ዞባ ክመሓደሩ ተገይሩ እዩ።

ይኹዅ እምበር ረድኤት ኣብ ምክፍፋልን ምብጻሕን ብፍላይ ድማ ቀዳምነት ኣብ ምሃብ ዝረኣዩ ጸገማት ኣለዉ።

ብኽንደይ ጥርዓን ረድኤት ከምዝረኽቡ ዝገልጽ ኣይተ ኣባዲ “... ኣረጊትን ህጻውንትን ሒዝካ ...ጥርዓን ናብ ክፍለ ከተማ ድዩ ናብ ዞባ...እዩ። መራሒ ኣሎና ድዩ የብልናን [እንድዒ] ጠሚና እዩ እቲ ጥርዓን፤ ኻልእ ትግርኛ የብሉን።” ይብል።

እንታይ እዩ እቲ ጸገም?

“ኣብቶም ታሕተዎት ኣመራርሓ እንደገና ንሶም ቤተሰቦም ንኽውገኑ... በቃ ናይ ምጭብርባር ዝዓይነቱ'ዩ መግለጺ የብሉን። ውሽጢ ውሽጢ ብቲፎዞ...” ከምኡ'ውን ሓበሬታ ብምዝባዕ ንውልቆም ዝጥቀሙ ኣባላት ምምሕዳር ኣለዉ ይብል።

“ዘለናዮ ሓደጋ መግለጺ የብሉን።...ኣብዚ፡ ምሕደራ ዝበሃል የለን ብሱሩ። ሕጊ፡ ሕገ መንግስትናስ፡ ዋላ ሰላም ኰይኑ እንተተሓጎስና እውን፡ ምሕደራ ዝበሃል የለን ኣብዚ። ምጭብርባር እዩ ዘብልዕ። ድምጺ ዘይብሉ ይሓቅቕ ኣሎ፤ ድምጺ ዘለዎ ኸዓ ዘራይ ኣለዎ።”

ብተወሳኺ፡ ብውልቆም ረድኤት ሒዞም ዝመጽኡ ዝተፈላለዩ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ረድኤት ከየከፋፍሉ ከምዝግበሩ ኣይተ ኣባዲ ይሕብር።

“ኣብዚ ኾፍ ኢልና ብእንሰምዖን ካብቶም ኮሚቴ ከም እንረኽቦን ግን፡ ዞባ እዩ ዝዓግተና ዘሎ። ...ኣይኸውንን ኢሉ ዞባ ይምልሶ። ዞባን ክፍለ ከተማን። ክልቲኦም እዞም ተሓባቢሮም ምንም ክርድኣና ኣይከኣለን። ኣብዚኣ ብመረረት ተዓጺና ኣብዛ ሓጹር ናይዛ ቤት ትምህርቲ እዚአን ኢና ንነብር ዘለና። ድጋፍ ክመጸና እንተበለ እውን ዝዓጽውና እንሄዉ፡” ይብል።

እቶም ናይ ዞባ ተባሂሎም ዝተመረጹ፡ “...ዝገደደ ጨካናት ኰይኖም ኣለው። ኣብዚ ምጽራይ የለን። ‘እንታይ እዩ ሽግሩ?’ ኣኼባ ኣኪቦም ‘ዘለኩም ሽግር ንገሩና’ ዝብልስ የለን። በቃ ኣብ ወንበርካ ኴንካ ብጭካነ ምዕጻው፡” ክብል ኣብ ምሕደራን ዕደላን ዘለዎ ቅሬታ ይገልጽ።

ውድብ ምግቢ ዓለም ናብ ትግራይ ካብዝለኣኾ ረድኤት

ምንጪ ስእሊ, WFP/ETHIOPIA

ኣይተ ኣባዲ ካብ ዝገለጾ ቅሬታ ብተወሳኺ፡ “ሓንቲ ክዛረባ ዝግባኣኒ...” ነገር ኣላ ዝበለት ፍረሂወት ኣብ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ባዕሉ ዝተፈላለዩ ጸገማት ከምዘለዉ ትሕብር። ንሳ ከምትብሎ ኣብ ካልእ ማእከል ተመዛበልቲ ዝሓሸ ሓገዝ ዝገብሩ ገለ ገለ ትካላት ናብቲ ንሳ ትነብረሉ ማእከል ግን ተራእዮም ኣይፈልጡን።

“ብምንታይ ኢና ንፍለ? ኵላትና ተፈናቒልና ኢና መጺእና። ንብረትና ገዲፍና፡ ንፈትዎ ገዛና ገዲፍና ... ካብቶም ዝሞቱ ግን ንሕና ንሓይሽ።”

ካብ ናውቲ ትምህርቲ ጀሚሩ ክሳብ ገንዘብ ዝዕድሉ ትካላት ናብኦም ዘይበጽሓሉ ምኽንያት ከምዘይተረድኣ ዝገለጸት ፍረሂወት “ንዅሉ ተመዛባላይ ማዕረ ይዅን፡” ኢላ ቅረትኣ ተኸትም።

መንግስቲ ትግራይ ረድኤት ኣብ ምክፍፋል እንታይ ግደ ኣለዎ?

ኣብ ትግራይ ዘሎ ምክፍፋል ረድኤት ፍትሓዊ ኣይኰነን ዝብሉ ክሲታት ክለዓሉ ጸኒሖም እዮም። ንምዃኑ ነቲ ረድኤት መን እዩ ዘከፋፍሎ? ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ባዕሎም ድዮም ወይስ መንግስቲ ትግራይ እዩ ተረከቡ ዘከፋፍሎ? ንዝብል ሕቶ ኣይተ ዮሃንስ፡ እቶም ኣብ ትግራይን ካብኡ ወጻኢን ጨንፈራት ዘለዎም ወሃብቲ ረድኤት ስሩዕ መስርሕ ከምዘለዎምን ኣብ ትግራይ ካብዚ ከምዘይፍለ ይገልጽ።

“ኣብ ትግራይ ንኣብነት ኦፊስ ኣለዎም። ኣብ መቐለን ካብ መቐለ ወጻኢን።”

ስለዝዀነ፡ ይብል ኣይተ ዮሃንስ፡ ረድኤት ናብ ትግራይ ምስ ኣተወ፡ ኣብ መቐለ ዝርከቡ ጨንፈራት ናይቶም ወሃብቲ ሓገዝ ይቕበልዎ። ንኣብነት ውድብ ምግቢ ዓለም ዝለኣኾ ረድኤት ናብ መቐለ ምኣተወ ኣብ መቐለ ዝርከብ ጨንፈር ውድብ ምግቢ ዓለም ከምዝቕበሎ ይገልጽ።

“ንሳቶም ተቐቢሎም መስርሕ ኣለዎም፡ ፕሮግራም ኣለዎም፡ በቲ ፕሮግራም መሰረት ንህዝቢ የከፋፍሉ። መንግስቲ ትግራይ ናይ ምውህሃድን ምቅልጣፍን ስራሕ ጥራይ እዩ ዝሰርሕ። ምከፍፋል ረዲኤት ናይቶም ወሃብቲ ሓገዝ ስራሕ እዩ፡” ይብል።

እንተዀነ፡ እቶም ወሃብቲ ረድኤት ብፍላይ ናይ ነዳዲ፡ ናይ ገንዘብን ናይ ኮምዩኒኬሽንን ሕጽረት ስለዘለዎም ከምቲ ዝድለዮ ምንቅስቓስ ክገብሩ ከምዘይከኣሉ ወሲኹ ይሕብር።

ውድብ ምግቢ ዓለም

ውድብ ምግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ቅልውላው ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽፍታሕ መደብ ሒዙ ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ኣብ ግብሪ የውዕል ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ረድኤት ዝጸዓና መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከምዝገበረ'ውን ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ ምክፍፋል ረድኤት ዘሎ ኽትትልን ግምገማን እንታይ ከምዝመስል፣ ከምኡ’ውን እቶም ተጸበይቲ ዘልዓልዎም ቅሬታታት ብኸመይ ክፍትሑ ከምዝኽእሉን ብዝምልከት፡ ቢቢሲ ካብ ውድብ ምግቢ ዓለም ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰለጠን፤ ምላሽን ሓበሬታን ምስ ተዋህበ ከምእነቕርቦ ንሕብር።