ናብ ትግራይ ኣገዳሲ ረድኤት ከምዘእተወ ውድብ መግቢ ዓለም ገሊጹ

ሰብኣዊ ረድኤት

ምንጪ ስእሊ, WFP/ Ethiopia

ኣብ 2020 ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ብዝተወልዐ ኵናት ምኽንያት፡ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ስግኣት ሓደጋ ጥምየት ንምዕጋት ዘኽእል ኣገዳሲ ረድኤት ከምዘእተወ፡ ውድብ መግቢ ዓለም ገሊጹ።

 እቲ ትካል ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ድሕሪ ምብጽሑ’ዩ።

 እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑን ን20 ኣዋርሕ ዝቐጸለን ሓድሕዳዊ ኵናት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ዝበሃል ሰብኣዊ ሃስያታት ኣውሪዱ’ዩ።

ዓለም ለኻዊ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ሻቕሎቶም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

 ኣብ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ሓላፊ ውድብ መግቢ ዓለም፡ ኤድርያን ቫንዳክናብ፡ ትማሊ ዓርቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ፡ እቲ ዝመርሖ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ከብጽሕ ስለዝኸኣለ እቲ ኣብ ትግራይ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ሓደጋ ጥምየት ምዕጋት ከምዝከኣል ሓቢሩ።

 “እዚ ማለት ግን ነገራት ብተመሳሳሊ ይቕጽሉ’ዮም ማለት ኣይኮነን” ዝበለ ኤድርያን መእንተ ሰብኣዊነት ተባሂሉ ዝተብጸሐ ተጻብኦታት ናይ ምቁራጽ ውዕሊ ረድኤት ክነብጽሕ ስለዘኽኣለና እዚ ተጠኛኺሩ ክቕጽል ኣለዎ ኢሉ።

 ን2.1 ሚልዮን ሰባት ረድኤት ንምብጻሕ መደብ ተታሒዙ ን1.1 ሚልዮን ሰባት ረድኤት ከምዝተዓደለ እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ሓቢሩ።

 ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጻብኦታት ናይ ምቁራጽ ስምምዕ ምስገበረ ብሸነኽ ሰመራ-መቐለ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጸዓና ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ኤድርያን ወሲኹ ገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

 “ጽቡቕን ሕማቕን ዜናታት ኣለዉ። እቲ ጽቡቕ ዜና እቲ መእንተ ሰብኣውነት ተባሂሉ ዝተብጸሐ ተጻብኦታት ናይ ምቁራጽ ስምምዕ ይኽበር’ዩ ዘሎ” ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ እዚ ድማ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ረድኤት ንዝዘድልዮም ሰባት መግብን መሰረታውያን ናውትን ንኸብጽሕ ከምዘኽኣሎ ተዛሪቡ።

 እንተዀነ፡ ኩነታት ጸጥታ፣ ተወሳኺ ፈንድን ቀረብ ነዳድን ግን ኣብ ስራሕቲ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ኣሻቓሊ ኮይኑ ከምዝቐጸለ ኤድርያን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

 እቲ ን20 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኵናት ሓድሕድ ኣብ ምንቅስቓስ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ስግኣት ኮይኑ ከምዝቐጸለ ዝሓበረ እቲ ሓላፊ ሕጂ’ውን ናብ ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ሰብኣዊ ረድኤታት ንምብጻሕ ተወሰኸቲ ኮሪደራት ክኽፈቱ ኣለዎም ኢሉ።

 ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣገደስቲ ዝበሃሉ ሓገዛት ንኸብጽሕ ተወሳኺ ሓገዝ ገንዘብ ከምዘድሊ’ውን ተዛሪቡ።

 “ተወሳኺ ፈንድ ንደሊ ኢና። ገንዘብ ንውድእ ኢና ዘለና። ቁጠባዊ ኩነታት እቲ ከባቢ ናብቲ ዝነበሮ ንኽምለስ ኣገልግሎታት ክጅምሩ ኢና እንደሊ” ድማ ኢሉ።

 “ድሕሪ እቲ ን20 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኵናት ዜጋታት ዝነበርዎ ኣማራጽታት ጸንቂቖም ተጠቒሞም’ዮም ወይ’ውን ኣብ ድርኩኺት ምጽንቃቕ’ዮም ዝርከቡ። ተወሰኽቲ ኮሪደራት እንተዘይተኸፊቶም፣ ተወሳኺ ሓገዝ ገንዘብ እንተዘይተረኺቡን መሰረታዊ ኣገልግሎታት እንተዘይጀሚሮሙን ግን ለውጢ ክነምጽእ ኣይንኽእልን” ይብል ኤድርያን።

“ነገራት ይከፋፈቱ’ዮም ዘለዉ። እንተኾነ ግን እኹል ኣይኮነን” ዝበለ እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ፡ ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት ካብ ዘጋጠመና ናይ ድሕነት ጸገም ወጻኢ ናብ ትግራይ ረድኤት ከይንእቱ እገዳ ኣይተገበረልናን ኢሉ።

 ኣብ ትግራይ ክሳብ ሕጂ ከም ኤሌክትሪክ፣ ቴሌን ባንክን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ከምዘይጀመሩ ይፍለጥ።

ሕጽረት ነዳዲ

ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ መደብ ምግቢ ዓለም ኣድሪያን ቫንዳክናብ፡ ሕፅረት ነዳዲ ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ካልእ በዳሂ ጉዳይ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ

ኣብ መላእ ሃገር ሕፅረት ነዳዲ ከምዘሎ ብምዝኽኻር፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ድማ’ቲ ሕፅረት ኣብ ምክፍፋል ሰብኣዊ ሓገዝ ኣሉታዊ ፅልዋ የሕድር ከምዘሎ እውን ሓቢሩ።

ኣድሪያን ቫንዳክናብ፡ "ቀረብ ነዳዲ ኣብታ ሃገር ይመሓየሽ ኣሎ፤ ኣብ ትግራይ ወርሓዊ ዘድሊ 2 ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ፡ ከመይ ጌርና ከም ነብፅሕ ምስ ሰበስልጣን ንሰርሕ ኣለና” ኢሉ። ውድብ ምግቢ ዓለም ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ንዝርከቡ ብዙሓት ሰባት’ውን መሰረታዊ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘቕረበ ይዛረብ።

እቲ ኲናት ዘስዓቦ ቅልውላው

ኣብ ክልል ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዓብዪ ሰብኣውን ንዋታውን ኪሳራ ኣስዒቡ እዩ።

ኣብ ሰለስቲአን ክልላታት ብውሕዱ 9 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

እዚ ኲናት ስዒቡ፡ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸመ’ውን ጸብጻበት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።

ሰራዊት ጎረቤት ሃገር ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን፡ ጎኒ ጎኒ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር፡ ተሰሊፎም ንሓይልታት ትግራይ ከጥቅዑ ጸኒሖም እዮም።

ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ወገናት፡ ምቕታል፣ ስቅያትን ማእሰርትን ሲቪላት፤ ጾታ መሰረት ብምግባር ንዝፍጸም ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሓተትቲ ምዃኖም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኸሱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣወጆ ‘ዘይዕላዊ ዕጽዋ’ ስዒቡ፡ ኣብታ ክልል ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ንሓደጋ ጥሜት ከምዘተቓልዑ ይንገር።

ድሕሪ ናይ 20 ኣዋርሕ ደማዊ ኩናት፡ ህወሓትን ፌደራል መንግስትን ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ንዘለዎም ፍልልያት ንምፍታሕ ዘተ ሰላም ከካይዱ ጀሚሮም ኣለው።