ቅልውላው ትግራይ፡ 165 ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ተላኢኸን ተባሂሉ

መኻይን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ጨንፈር ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን 165 ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ብመገዲ ትዊተር ገሊፁ።

በዚ መሰረት፡ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ቶን እኽልን ሃነፅቲ ምግብን ዝፀዓና መኻይን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፡ ናብ ትግራይ ኣትየን ኢሉ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ 2020 ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ኣብታ ኣብ ምሉእ ዕፅዋ ትርከብ ትግራይ፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፡ 6.3 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ትግራይ ድማ ህፁፅ ረድኤት ክፅበ ተገዲዱ ይርከብ።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ጨንፈር ኢትዮጵያ፡ ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ቶን ናብ መከፋፈሊ ነቝጣታት ከምዝተላእኸን ን 120 ሽሕ ሰባት ከም ዝተኸፋፈለን ሓቢሩ።

ካልኦት 94 ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ድማ ናብ ትግራይ ንምብፃሕ ኣብ መገዲ ከምዘለዋ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሓቢሩ።

ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ምግቢ ንዘድልዮም ሰባት ንምብፃሕ መዓልታዊ 100 መኻይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከም ዝግባእ ምፍላጦም ይዝከር።

እንተዀነ ናብታ ኣብ ምሉእ ዕፅዋ ትርከብ ትግራይ ዘድሊ ረድኤት ከየብፅሑ ሰብመዚ መንግስቲ ፈደራል ምትእጉጓል ይፈጥሩ ከምዘለዉ ክገልፁ ፀኒሖም እዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ኣይቕበሎን።

ሓላፊት ዓለምለኻዊ ትካል ልምዓት ኣሜሪካ (USAID) ሳማንታ ፓወር ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ፡ ናብ ትግራይ ረድኤት ንምልኣኽ፡ መኻዚኖታት ምሉኣት ከምዘለዉን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ሓገዝ ከእትዉ ክፈቕደሎምን ፀዊዓ እያ።

ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን መራሕቲ ትግራይን ምቁራፅ ተፃብኦ ካብ ዝግበር ኣትሒዙ 194 ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ዝገለፀት ሳማንታ ፓወር፡ እዚ ግን እዅል ከምዘይኮነን ኣብ ሰሙን ልዕሊ 500 መኻይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከምዝግባእን 'ያ ትገልፅ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕን ናብ ትግራይ ረድኤት ንምልኣኽን "ንዘይተወሰነ" እዋን ዝፀንሕ ምቍራፅ ተፃብኦታት ኣዊጆም እዮም።

ቤት ፅሕፈት ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን ኢትዮጵያ፡ "እቲ ምቁራፅ ተፃብኦታት ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሰብኣዊ ኵነታት ኣዝዩ ከም ዘመሓይሾን፡ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ብዘይ ተወሳኺ ምፍሳስ ደም ንምፍታሕ መንገዲ ዘጣጥሕ" ክኸውን ከምዝኽእል ገሊፁ ነይሩ።

መራሕቲ ትግራይ'ውን ነቲ ምቁራፅ ተፃብኦ ስዒቡ ናብ ትግራይ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ክኣቱ ኣተስፍዮም ነይሮም።

ናብ ትግራይ ብመካይን ዝለኣኽ ረድኤት ንኣዋርሕ ተቋሪጹ ድሕሪ ምፅንሑ፡ ድሕሪ እቲ ብኽልቲኦም ወገናት ዝተኣወጀ ምውጋድ ተፃብኦ፡ ዳግም ምጅማሩ ተስፋታት ፈጢሩ'ኳ እንተፀንሐ፡ ክንዲ እቲ ትፅቢት ዝግበር ግን ረድኤት ክኣቱ ኣይከኣለን።

ሸሓነ ሒዛ ምግቢ ትፅፅበይ ቆልዓ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ነዚ ስዒቡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ትግራይ ረድኤት ክኣቱ ብዝብል፡ ካብቶም ኣብ ክልል ዓፋር ሒዞሞም ዝነበሩ ወረዳታት ምሉእ ብምሉእ ከምዘንሰሓቡ ኣፍሊጦም እዮም።

ሰብመዚ ትግራይ ንነዊሕ እዋን ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ስለዘይኣተወ መዓልታዊ 300 ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከምዝግባእ እዮም ዝገልፁ።

ኣተሓባባሪ ህፁፅ ሰብኣዊ ረድኤት ትግራይ ዶክተር ኣትንኩት መዝገቦ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብ 2021 ሽዱሽተ ዙር ሓገዝ ናብ ትግራይ ክኣቱ ተሓሲቡ ነይሩ፣ ኣብ ሓደ ዙር ከኣ 107 ሽሕ ሜትሪክ ቶን። ብተግባር ግን ካብ ሓምለ ጀሚሩ 7 ሚኢታዊት ጥራሕ ኣትዩ። ስለዚ መዓልታዊ 300 መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ምስ ገበርቲ ሰናይ ተሰማሚዕና ኢና" ይብል።

ፕረዚደንት ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝፀሓፎ ህፁፅ ደብዳበ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ከበባ ብቕልጡፍ ክፈትሖ እንተዘይክኢሉ ኣድላዪ ዝበሃል ስጕምቲ ከምዝወስድ ገሊፁ ነይሩ። እቲ ስጕምቲ እንታይ ምዃኑ ግን ኣብቲ ደብዳበ ኣይተገልፀን።

ኣብዚ ሰሙን እዚ ከኣ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይ ምስ ነበርቲ ኣብ ዝገብርዎ ዘለው ፅዑቕ ርክብ፡ ኣብ ሓደ ኣኼባ ዶ/ር ደብረጽዮን፡ "ንሕና ከምዚ ኢልና ክንቅፅል ኣይንኽእልን ኢና። ድሕሪ ሰሜን ሸዋ ምእንቲ ሰላም ኢልና ዕድል ሂብና ኢና። ቅድሚ ውግእን ድሕሪ ውግእን ንሰላም ብዙሕ ዕድል ሂብና ኢና። ይዅን እምበር ሕዚ ከምዚ ኢልና ክንቅፅል ኣይንኽእልን ኢና። ኵሉ ነገር ብፖለቲካ ጥራሕ ኣይፍታሕን እዩ" ምባሉ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ንልዕሊ 18 ኣዋርሕ ዝቐፀለ ኲናት ኣሽሓት ሰባት ከምዝሞቱ፣ ሚልዮናት ከምዝተፈናቐሉን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ከምዝኾናን ዝተፈላለዩ ፀብፃባት የመልክቱ።

ነቲ ኲናት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ክካየድ ዝፀንሐ ፃዕርታት ክሳብ ሎሚ ጭቡጥ ውፅኢት ኣየምፅአን።