ኣሜሪካ፡ ንትግራይ ክትልግሶ ዝጸንሐት ረድኤት ብሰንኪ 'ስርቅን ምጥፍፋእን' ደው ኣቢላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓለምለኻዊ ትካል ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ -ዩኤስአይድ፡ ንክልል ትግራይ ክህቦ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ረድኤት ደው ከም ዘበለ ብረቡዕ ኣማስይኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቲ መግለጺ፡ ኣሜሪካ እታ ዝበዝሐ ንኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት እትህብ ሃገር ከምዝዀነት ብምምልካት፡ እቲ ረድኤት ምሃብ ዘተቋረጸሉ ምኽንያት፡ እቲ ነቶም ህጹጽ ረድኤት ዘድልዮም ተባሂሉ ዝተወሃበ ረድኤት ኣብ ዕዳጋ ክሽየጥ ብምጅማሩ ከምዝዀነ ገሊጹ።
ተወሳኺ ምጽራያት ንምግባር ብላዕለዎት ሓለፍቲ ዝተማእከለ ጕጅለ ናብ ኢትዮጵያ ክልእኽ ከምዝዀነ’ውን እቲ ትካል ሓቢሩ ኣሎ።
ውደብ መግቢ ዓለም’ውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት፡ ነቶም ካብ ሽዱሽተ ሚልዮን ነበርቲ እታ ክልል እቶም ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ተጸበይቲ ረድኤት ኰይኖም ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ ኣብታ ክልል ነቶም ተጸበይቲ ረድኤት ተባሂሉ ዝተወሃበ ረድኤት ኣብ ዕዳጋ ይሽይጥ ከምዘሎ ድሕሪ ምርግጋጽ ናብታ ክልል ክወሃብ ዝጸንሐ ረድኤት ኣቋሪጽዎ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ዩኤስአይድ ብዛዕባ እቲ ተሰሪቝ ኣብ ዕዳጋታት ዝሽየጥ ዘሎ፡ ነቶም ብሰንኪ ኲናትን ደርቕን ዝተሃሰዩ ተባሂሉ ዝተወሃበ ረድኤት ኣመልኪቱ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ስከፍታታቱ ከምዝገለጸን ክልቲኦም ወገናት ነቶም ነዚ ተግባር [ስርቂ ሰብኣዊ ረድኤት] ዝፈጸሙ ተሓተትቲ ንምግባር ከምዝሰርሑ ምግላጾም ሓቢሩ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ነዚ ኣመልኪቱ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ጉዳይ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ብምምልካት፡ ነቲ ጉዳይ ዝከታተል ሓይሊ ዕማም ብምቛም ተሓተቲ ውልቀሰባት ኣብ ሕጊ ከቕርብ ምዃኑን ገሊጹ እዩ።
እቲ ትማሊ ኣብ ወግዓዊ ገጽ ፈይስቡክ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ትግራይ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ “ብሰንኪ ኲናት ኣብ ሕሱም ጸገምን ምምዝባልን ወዲቝ ተጸባይ ሰብኣዊ ሓገዝ ኰይኑ ዝርከብ ህዝብና ሂወቱ ንምድሓን ብገብርቲ ሰናይ ዝመጸእ ሓገዝ ብዘይኣገባብ ምምሕዳር፣ ምጥፍፋእን ናብ ዕደጋ ምውጻእን የጋጥም ብምህላው ኣብ ህዝብናን ለገስቲ ኣካላትን ሰፊሕ ቅረታታት ክልዓል ጸኒሑን ኣሎን” ኢሉ።
ኣብቲ ብፌርማ ፕረዚደንት ግዝያዊ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ተሰንዩ ዝወጽእ መግልጺ ነቲ ስርቂ እተጻሪ ሓይሊ ዕማም ቈይማ ከምዘላ ድሕሪ ምሕባር፡ “ምስ ሰብኣዊ ሓገዝ ተኣሳሲሩ ዝፍጸሙ ምጥፍፋኣት ዝተወሰደ ሕጋዊ ስጕምትን ዝምልከት በብእዋኑ ንህዝብናን ዝምልከቶም ኣካላትን ዕላዊ መግለጺታት” ክወሃብ ምዃኑ ይገልጽ።
ብተወሳኺ፡ “ኣብ ልዕሊ ህዝብና ተደራቢ ጸገም ንምፍጣር ኣብ መሓውር መንግስቲ ኴንኩም ኮነ ብውልቃዊ ምንቅስቓስኩም ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ወፊርኩም ዘለኹም ኣካላት ብህጹጽ ካብ ተግባርኩም ክትእርነቡ ይግባእ” ክብል እቲ መግለጺ የጠንቅቕ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ካብ 4 ሕዳር 2020 ጀሚሩ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት፡ ኣብታ ክልል ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተፈናቐሉን ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ኰይኖም ከምዘለዉን ዝፈለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣትሒዙ ግን እቲ ንስኡናት ተባሂሉ ክወሃብ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ዕዳጋታት ብቃልዕ ይሽየጥ ከምዘሎ ዝሕብር መርትዖታት ብስእሊ ተሰንዩ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ክዝርጋሕ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ነዚ ተኸቲሎም ውድብ መግቢ ዓለም፡ ትካል ዩኤስአይድን ነቲ ኣብ ትግራይ ክህብዎ ዝጸንሑ ረድኤት ከምዘቋረጽዎ ይሕብሩ ኣለዉ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነቲ ኣመልኪቱ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ለገስቲ ኣካላት ብሓፈሻ፡ ውድብ መግቢ ዓለም ድማ ብፍላይ ዘጋጠመ ጸገም ብልዑል ትዅረትን ኣብ ሓጺር ግዜን ሓቢርና ከም እንፈትሖ እናረጋገጽኩ ንሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪትኩም ኣብዚ ቀረባ ዘመሓላላፍኩምዎ ውሳነ ኣብ ከቢድ ጸገም ንዝወደቐ ህዝብና ኣዝዩ ዝጐድእ ስለ ዝዀነ ደጊምኩም ክትርእዎን ዝተለመደ ሰብኣዊ ስራሕትኩም ኣጠናኺርኩም ክትቅጽሉሉን እላቦ” ክብል ተማሕጺኑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







