ስርናይ ዩክረይን ንሓደጋ ጥሜት ኢትዮጵያ ከቃልሎ እዩ - ፕሮግራም መግቢ ዓለም

ዘይተዓፀደ ስርናይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ስርሓት ምቕራብ ረድኤት፡ 30 ሽሕ ቶን ስርናይ ዩክረይን ከምዝዓደገ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ጽጉማት ብሓገዝ ዝቐርብ ስርናይ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ናብታ ጎረቤት ኢትዮጵያ ዝኾነት ጅቡቲ ክኣቱ ትጽቢት ከምዘሎ'ውን እቲ ትካል ሓቢሩ'ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ወሃቢት ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ክሌር ኔቪል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ስርናይ ብሰንኪ ዝተናውሐ ግጭትን ብርቱዕ ድርቅን ብውሕስነት መግቢ ንዝተሃስዩ ሚልዮናት ሰባት ንምምጋብ በቲ ትካል ንዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ከምዝድግፍ ኣረዲኣ።

እቲ ምግቢ ኣብ መላእ እታ ሃገር ንዝገብሮ ረድኤት ናይ ምቕራብ ስራሕቲ ዝሕግዝ ኰይኑ፡ ብፍላይ ቅድሚ 22 ኣዋርሕ ብዝተወልዐ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ንዝተጸልወ ቆላሕታ ዝህብ እዩ።

በዚ ድማ ኣብ ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ንዝርከቡ 3.4 ሚልዮን ሰባት ተረባሕቲ ንምግባር ከምዝዓለሙ ኣብ ኢትዮጵያ ወሃቢት ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ክሌር ኔቪል ኣረዲኣ።

ብተኸታታሊ ወቕትታት ትሑት መጠን ዝናብ ዝተሃሰዩ ኣብ ምብራቓዊ ክልል ሶማል-ኢትዮጵያ ዝርከቡ ካልኦት 2.4 ሚልዮን ሰባት እውን እቲ ረድኤት ክበጽሖም ትጽቢት ይግበር።

ዓለምለኸ ትካላት ኣብ ኢትዮጵያ ሕሱም ድርቂ ክኽሰት ከምዝኽእል ኣቐዲሞም’ኳ እንተፍለጡ፡ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣብ ኲናት ተጸሚዱ ዝርከብ መንግስቲ ‘ታ ሃገር ግን ነዚ ንምምካት ድሉው ኣይመስልን።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጲያ ንዘሎ ኲናት ስዒቡ፡ መንግስቲ ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀም ኣሎ’ ዝብሉ ነቐፌታታት ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ክቐርቡ ጸኒሖም እዮም። መንግስቲ ግን ነዚ ወቐሳ ብትሪ ከም ዝዅንን ብተደጋጋሚ ገሊጹ እዩ።

ብሰንኪ ኲናት ንሓደጋ ዝተቓልዑ ዜጋታት ሓዊሱ ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብ ብዝተኸሰተ ድርቂ፡ ሚልዮናት ተጸበይቲ ረድኤት ኰይኖም ኣለው።

ኣብ ኢትዮጵያ ሚልዮናት ተጸበይቲ ረድኤት ምግቢ ንክዀኑ ዘገደደ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ጥራሕ ኣይኰነን።

እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመ ደማዊ ኲናት፡ ሚልዮናት ዜጋታት ኣመዛቢሉን ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ንክዀኑን ምኽንያት ኰይኑ እዩ።

ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ ክልላት ቤንሻንጕል ጉሙዝ፡ ኦሮሚያን ደቡብን ብዝተፈጥሩ ግጭታት፡ ዕንወት መሰረታዊ ትሕተቕርጺ ስለዘጋጠመ፡ ትካላት ረዲኤት ዝድለ ሓገዝ ንምብጻሕ ከም ዝተጸገማ ክገልጻ ጸኒሐን እየን።

ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝመልክቶ፡ ብተፈጥሮኣውን ሰብ ሰርሖን ምኽንያታት ኣስታት 20 ሚልዮን ሰባት ረድኤት የድልዮም።