ሰማዒ ዝደሊ፡ ሚልዮናት ንሓደጋ ጥሜት ዘቃልዐ ኵነታት ድርቂ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጉጂ ወረዳ ሰባ ቡሩ፡ ብሰንኪ’ቲ ነዊሕ ዝቐጸለ ሓደጋ ድርቂ 21 ሰባት ከምዝሞቱ ኣቶ መኮና ሄጦሳ፡ ሓላፊ መንግስታዊ ትካል ምክልኻል ሓደጋ ‘ቡሳ ጐኖፋ’ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብቲ ወረዳ ካብ ዝርከቡ ቀበሌታት፡ "ብዘለኒ መረዳእታ፡ ዝበኣሰ ድርቂ ይመጽእ ኣሎ" ዝብል እቲ ሓላፊ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓንቲ ኣደ ንውላዳ ጡብ እናጥበወት እንከላ ሂወታ ከምዝሓለፈ ይጠቅስ።
"ድሬ ሰንባሳ ኣብ ትበሃል ቀበሌ ትነብር ሓንቲ ኣደ፡ ንመዓልታት ንደቃ ዝኸውን ምግቢ ስኢና፡ ዝረኸበቶ ዅሉ ንደቃ ሂባ ግንብው ኢላ ኣብ ዝደቀሰትሉ ሂወታ ሓሊፋ። ንግሆ ውላዳ ጡብ ምውትቲ ወላዲቱ እናጠበወ'ዩ ተረኺቡ፡" ይብል።
ኣብቲ ወረዳ፡ ካብቶም ብሰንኪ ድርቂ ሂወቶም ዝሰኣኑ እቶም ዝበዝሑ ህጻናት ከምዝዀኑ ኣቶ መኮና ወሲኹ የረድእ።
“መብዛሕትኦም ህጻናት እዮም፣ ሓደ ርእሰ ቕትለት ዝፈጸመ ኣቦ ስድራ’ውን ኣሎ። ‘ኣነ እናሃለኹ ደቀይ ካብ ዝሞቱ፡ ብዝብል ‘መስለኒ ነብሱ ኣጥፊኡ፡” ይብል።
ኣብቲ ከባቢ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ምንቅስቓስ ስለዝገብር፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ከቢድ ከምዝዀነ የረድእ።
ኣብ ንጥፈታት ረድኤት ተዋፊሮም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ዘይመንግስታውያን ትካላት ካብቲ ከባቢ ምውጽኦም'ውን ነቲ ጸገም ከምዘጋደዶ ብምሕባር፡ “ብቕልጡፍ ፍታሕ እንተ ዘይተረኺቡ ጥሜት ብዙሕ ሰብ ክውድእ ከምዝኽእል” የጠንቅቕ።
ኣብ ኣርብዓ ዓመታት ተራእዩ ኣይፈልጥን ዝተባህለ ድርቂ፡ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሚልዮናት ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ንክዀኑ ኣቃሊዕዎም ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ድርቂ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝርከባ 10 ዞናት፡ 3.7 ሚልዮን ሰባት ንሓደጋ ኣቃሊዑ’ሎ፡ ይብል፡ ሓላፊ ቡሳ ጐኖፋ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሙስጦፋ ከድር፡ ብወገኑ።
ኣቶ ሙስጦፋ፡ ካብ ካልኦት ሓለፍቲ ወረዳታት እቲ ዞን ብዝተፈለየ ግን፡ “ብጥሜት ዝሞተ ሰብ የለን” እዩ ዝብል።
“ኣብዚ እዋን ብዘሎ ኵነታት፡ ጥሜት ተባሂሉ ክእወጅ ዝኽእል ኣይኰነን። ኣብ ኦሮሚያ ብጥሜት ዝሞተ የለን። ኣብ ሰባ ቦሩ እናጥበወት ሞይታ ዝተረኸበት ኣደ ከም ዘላ ሓቂ እዩ። እንተዀነ ብጥሜት ከምዝሞተት ዝሕብር መረዳእታ ኣይተረኸበን። ኣብ ገዛኣ እኽሊ ነይሩ እዩ፣ ጠንቂ ሞታ ይጻረ’ሎ፡” ይብል።
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ መጀመርታ እቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ክሳብ ሚያዝያ ኣብ ዝነበረ ግዜ 7. 2 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ረድኤት ምግቢ ከምዘድልዮም ገሊጹ’ዩ።
እቲ ትካል፡ ኣብ ኢትዮጵያ 5.7 ሚልዮን ሰባት ብድርቂ ከምዝተጐድኡ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ኣመልኪቱ ነይሩ። ካብቲ እዋን’ቲ ድማ ተወሳኺ 1.5 ሚልዮን ሰባት ብድርቂ ተጐዲኦም ኣለው ማለት እዩ።
ሓለፍቲ ክልል ኦሮሚያ ከም ዝገልጽዎ፡ ኣብቲ ክልል 3. 7 ሚልዮን ሰባት ብድርቂ ተጐዲኦም ኣለው።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ‘ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ተራእዩ ኣይፈልጥን’ ዝተባህለ ድርቂ ኣብ ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕን እታ ሃገር ንኣርባሕቲ ከብቲ የጥቅዕ ከምዘሎ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣፍሊጡ'ዩ።
ብኻልእ ወገን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ደቡብ፡ ዞን ኮንሶ ብሰንኪ ስእነት ምግቢ 13 ህጻናት ከምዝሞቱ ሰብመዚ እቲ ክልል ንቢቢሲ ሓቢሮም ምንባሮም ይዝከር።
ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዞባ ዋግ ኽምራ'ውን፡ ብተመሳሳሊ ድርቂ ዘስዓቦ ጸገም ሰባት ንሓደጋ ከምዝተቓልዑ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ሓቢረን።
ነዚ እናዛየደ ዝኸይድ ዘሎ ቍጽሪ ግዳያት ንምብዳህን፡ ንጽጕማት ንምርዳእን ሕጽረት ገንዘብ ከም ዘጋጠሞ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ይገልጽ።
እቲ ትካል፡ ኣብዚ እዋን ን7.2 ሚልዮን ሰባት ግቡእ ሓገዝ ንምቕራብ ምእንቲ ኽከኣል፡ 343 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ኣፍሊጡ።
ድርቅን ፖለቲካን
ዓለምለኸ ትካላት ኣብ ኢትዮጵያ ሕሱም ድርቂ ክኽሰት ከምዝኽእል ኣቐዲሞም’ኳ እንተፍለጡ፡ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣብ ኲናት ተጸሚዱ ዝርከብ መንግስቲ ‘ታ ሃገር ግን ነዚ ንምምካት ድሉው ኣይመስልን።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጲያ ንዘሎ ኲናት ስዒቡ፡ መንግስቲ ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀም ኣሎ’ ዝብሉ ነቐፌታታት ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ክቐርቡ ጸኒሖም እዮም።
መንግስቲ ግን ነዚ ወቐሳ ብትሪ ከም ዝዅንን ብተደጋጋሚ ገሊጹ እዩ።
ብሰንኪ ኲናት ንሓደጋ ዝተቓልዑ ዜጋታት ሓዊሱ ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብ ብዝተኸሰተ ድርቂ፡ ሚልዮናት ተጸበይቲ ረድኤት ኰይኖም ኣለው።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘጋጠመ ኵነታት ዝተዓዘቡ፡ እዚ ጉዳይ ንፖለቲካዊ ዕላማ የገልግል ከም ዘሎ ይወቕሱ።
ንላዕለዎት ሰብ መዚ ኦሮሚያ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ምክትል ሚኒስተር ሰላም ታየ ደንደኣ፡ ኣብ ዞባ ጕጂ ወረዳ ሊበን ብሰንኪ ጥሜት ሞይቶም ናይ ዝበሎም ሰባት ዝርዝር ኣስማት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘርጊሑ እዩ።
"ህዝብና ኣብ ዝኸፍአ ሽግር እዩ ዘሎ። እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ድማ ሽግር ህዝብና ምሕባእና'ዩ፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ክንደይ ሰብ ብሰንኪ ድርቂ ከምዝተመዛበለ ኣይፍለጥን” ክብል ጽሒፉ።
ኣቶ ታየ ነዚ ሓበሬታ ምስ ለጠፈ፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት፡ ተሌቬዥን እቲ ክልል [ኦቢኤን] እቲ ሚኒስቴር ናብ ዝጠቐሶ ከባቢ ብምኻድ፡ 'ብጥሜት ዝሞተ የለን' ዝብል ጸብጻብ ዘርጊሓ።
እታ ተሌቬዥን፡ ንኣመሓዳሪ ዞን ጕጂ ኣቶ ታደለ ኡዶ ጠቒሳ፡ እቶም ብጥሜት ሞይቶም ዝተበሃሉ ሰባት፡ ገሊኦም ብኻልእ ምኽንያት፡ ገሊኦም ድማ ብሂወት ዘለዉ ሰባት እዮም ኢላ።
ሓላፊ ቡሳ ጐኖፋ ኦሮሚያ ኣቶ ሙስጠፋ ከድር ብወገኑ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣይሓባእናን፡ ሕጂ’ውን ንሓብኦ የለን። እዚ ጕዳይ ኮነ ኢሎም ንፖለቲካዊ ረብሓኦም ዝጥቀምሉ ሰባት ኣለዉ። ዝሞተ ሰብ የለን፣ ኵነታት እቲ ድርቂ ልዕሊ ዓቕሚ መንግስቲ ኣይኰነን" ድሕሪ ብምባል፤ ልዕሊ እቲ ሕጂ ዘሎ መጠን ጕድኣት ኣብ መስከረምን ጥቅምትን ከቢድ ሓደጋ ከስዕብ ከም ዝኽእል ግን ኣመልኪቱ።
እንተዀነ፡ ጸብጻብ ዝተፈላለያ ዘይመንግስታውያን ትካላት ከም ዘመልክቶ፡ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰነትስ፡ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ሓደጋ ደርቅን ጥሜትን ኣንጸላልይዎ’ሎ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ምግብን ድርቅን ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ንጥሜት ክቃልዑ ከምዝኽእሉ ይገልጽ።
ከም ሓበሬታ እቲ ትካል፡ ኣብ ሶማልያ፡ ኬንያን ኢትዮጵያን ብሕርሻን ምርባሕ ከብትን ዝናበሩ ሚልዮናት ሰባት ሓደጋ ድርቂ ኣንጸላልይዎም ኣሎ።
ድሉውነት መንግስቲ
ኣብ ኢትዮጵያ ሚልዮናት ተጸበይቲ ረድኤት ምግቢ ንክዀኑ ዘገደደ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ጥራሕ ኣይኰነን።
እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመ ደማዊ ኲናት፡ ሚልዮናት ዜጋታት ኣመዛቢሉን ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ንክዀኑን ምኽንያት ኰይኑ እዩ።
ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ ክልላት ቤንሻንጕል ጉሙዝ፡ ኦሮሚያን ደቡብን ብዝተፈጥሩ ግጭታት፡ ዕንወት መሰረታዊ ትሕተቕርጺ ስለዘጋጠመ፡ ትካላት ረዲኤት ዝድለ ሓገዝ ንምብጻሕ ከም ዝተጸገማ ክገልጻ ጸኒሐን እየን።
ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝመልክቶ፡ ብተፈጥሮኣውን ሰብ ሰርሖን ምኽንያታት ኣስታት 20 ሚልዮን ሰባት ረድኤት የድልዮም።
ዋና ዳይረክተር ፔልም ኢትዮጵያ ዶ/ር ኃይለ ኣርኣያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድርቂ ናይ ምጽዋር ዓቕሙ ድኹም ከምዝዀነን ብምጥቃስ፡ ብሰንኪ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ብህዝቢ ይዅን መንግስቲ ዝተገበረ ቅድመ ምድላው ከምዘየለን የረድእ።
ዶ/ር ሃይለ፡ እቲ ብደረጃ ዓለም ዝተራእየ ወሰኽ ዋጋ ምግብታትን ቍጠባዊ ጸገማትን’ውን ተወሳኺ ጽልዋ ከምዝፈጠረ ይዛረብ።
"እቲ ህዝቢ ዓቕሚ ተጻዋርነቱ ድዅም'ዩ ማለት፡ እቲ ሕብረተሰብ ዘፍርዮን ዘዋህልሎን ፍርያት ንእሽተይ'ዩ ማለት እዩ። ኣብ ኣተሓሕዛ ፍርያት እውን ጸገም ይርአ እዩ። መንግስቲ ኸኣ ነዚ ንምሽፋን ዓቕሙ ድሩት'ዩ። እቲ ሕብረተሰብ'ውን ተጸባይ ዝናብ ክረምቲ'ዩ። መንግስትን ምሁራትን ብወገኖም'ውን ነዚ ንምምካት ዘኽእል ስራሕ ኣይሰርሑን" ይብል።
እቲ ዳይረክተር ወሲኹ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ረድኤት ናብ ዘድልዮም ከባቢታት ብዘይዝዀነ መሰናኽን ንምብጻሕ ብድሆ ከምዝዀነ ይገልጽ።
እቲ በዓል ሞያ ከም ዝብሎ፡ መንግስቲ ከምቲ ንሰፋሕቲ ሕርሻታት ዝህቦ ትዅረት ንንኣሽቱ ሕርሻታት’ውን ከድህብ ኣለዎ።
“ሓረስታይ ንዕዳጋ ዝኸውን ምህርቲ ከፍሪ ኣይክእልን እዩ፡ ዝበሃል ዘረባ፡ እቲ ሓረስታይ ውሕስነት ዕዳጋ ከም ዝስእን ዝገብር እዩ፤ ከም ሳዕቤኑ፡ ድርቂ ክኽሰትን ሓረስታይ ንሽግር ከም ዝቃላዕን ይገብር፡” ክብል የብርህ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዶ/ር ሃይለ ኣተሓሒዙ፡ ብድርቂ ንዝተጠቕዑ ከባቢታን ንምብጻሕ ኣሸጋሪ ምዃን፡ ውሕስነት ድሕነት ጽርግያታት ዘይምህላው፡ መርበብ ምትእስሳር ዕዳጋታት ክፍጠር ዘይምኽኣሉን፡ ቍጽሪ ንሓደጋ ዝተቓልዐ ሕብረተሰብን ሞት እንሳታትን ክውስኽ ጠንቂ ከም ዝዀነ የብርህ።
እቲ በዓል ሞያ፡ ንሓረስቶትን ኣርባሕቲ ከብትን ዝኸውን ፕሮጀክት ክንደፍ፡ ከዘንቲ ትሕጃ ማያት ክህልው ይግባእ፡ ብምባል መፍትሒ ሓሳብ የቐምጥ።
ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ኢትዮጵያ ግን፡ ነቲ 'መንግስቲ ድርቂ ንምብዳህ እዅል ምድላው ኣይገበረን' ዝብል ነቐፌታ ይነጽግ።
መንግስቲ ብድርቂ ናብ ዝተጐድኡ ከባቢታት ረድኤት የቕርብ ከምዘሎ ድማ ይሕብር።
እቲ ኮሚሽን ትሽዓተ ዞናት ክልል ሶማል ብድርቂ ከም ዝተጐድኣን ብሰንኩ ጥሪት ከምዝሞታን ይገልጽ።
ብተመሳሳሊ፡ ክልል ደቡብን ኦሮሚያን ብድርቂ ከምዝተጐድኣ ብምእማን፡ መንግስቲ ኣድላይ ረድኤት የቕርብ ከምዘሎ ይሕብር።
ዳይረክተር ህዝባዊ ርክባት እቲ ኮሚሽን ደበበ ዘውዴ፡ ኣብ ሰለስቲአን ክልላት ካብ 2013 ክሳብ 2014 [ግእዝ] ዜጋታት፡ ረዲኤት ገንዘብን ምግብን ከምዝተገበረሎም ይዛረብ።
ኣብ ኦሮሚያ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት 3.2 ሚልዮን ከምዝበጽሐን፡ ካብዚኦም ንዝተወሰኑ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኩንታል ሓገዝ ምግቢን ከምዝተዓደለን ካብ ባንክ ዓለም ዝተረኸበ 900 ሚልዮን ብር ከምዝተኸፋፈለን ሓቢሩ።
ኣብ ክልል ሶማል ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኩንታል፣ ኣብ ክልል ደቡብ 39 ሽሕ ኩንታል ረድኤት ከምዝተዋህበን፡ ክሳብ ግንቦት ኣብ ዘሎ ድማ 498 ሚልዮን ብር ሓገዝ ከምዝተገብረ ተዛሪቡ።
“መንግስቲ ስለዝተዳለወ’ዩ እዚ ሓገዝ'ዚ ዝገብር ዘሎ። እዚ ድርቂ ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብ ዝተኸስተ እዩ፤ ክሊማዊ ለውጢ ዘስዓቦ እዩ። እንተዀነ ነቲ ጽቕጢ ንምብዳህ ሓያል ጻዕሪ ገይርና ኢና። እቲ ሓገዝ እዅል ከይኸውን ይኽእል’ዩ፡ ግን መንግስቲ ረድኤት ኣብ ዘድልየሉ ኵሉ ሓገዝ ይገብር ኣሎ” ኢሉ።
እቲ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ብሰንኪ ድርቂ ዝሞቱ ሰባት ኣለዉ'ዶ ንዝብል ሕቶ ግን ምላሽ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







