ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ደበና ኲናት የንጸላሉ ድዩ ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ዓመትን መንፍቕን እቲ ብዂናት ክሕመስ ዝጸንሐ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ክልል ዓፋር ወጺእና ኣለና ምስ በሉ ብመጠኑ ዝተረጋግአ መሲሉ'ኳ እንተተራእየ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን እንደገና ውግእ ክውላዕ ከም ዝኽእል ዝእምት ነገራት ይረአ ኣሎ።
ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኤርትራን ብኸቢድ ብረት ዝተሰነየ መጠነ ንኡስ መጥቃዕቲ ከምዝነበረ ቢቢሲ ካብ ምንጭታቱ ኣረጋጊጹ ነይሩ። ብዛዕባ'ዚ፡ ዋላ'ኳ ብመንግስቲ ኤርትራ መረጋገጺ እንተዘይተረኽበ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኢትዮጵያ ግን እቲ ውግእ ከም ዝተኻየደ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ እዚ ዞባ ምዕራብ ተረኺቡ ንወተሃደራዊ ቁመና እቲ ሰራዊት ዘርኢ ሰልፊ ተዓዚቡ ነይሩ።
ትማሊ ረቡዕ'ውን ኣብ ከተማ ባህርዳር ክልል ኣምሓራ፡ ሓይልታት ጸጥታ፡ ኣባላትን ሓለፍትን ፋኖን፡ ስድራ ቤት ስውኣት ማሕበረሰብ ቢዝነስ ከምኡ'ውን መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ኣብ ዝተረኽቡሉ ብስም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስጋናን ኣፍልጦን ተዋሂቡዎም።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ብማዕርግ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር፡ ኣተሓባባሪ ክላስተር ዶክተር ሰማ ጥሩነህ፡ ኢትዮጵያውያን ሃገሮም ኣድፊሮም ኣይፈልጡን እዮም፤ ሕጂ'ውን ኢትዮጵያ ንምፍራስ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለው ኣደብ ክገብሩ ኣርጊጽና ክንነግሮም ኢና፡" ከም ዝበለ ተሓቢሩ።
መራሒ ትግራይን ኣቦ መንበር ህወሓትን ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ህጹጽ ደብዳበ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ከበባ ብቕልጡፍ ክፈትሖ እንተዘይክኢሉ ኣድላዪ ዝበሃል ስጕምቲ ከምዝወስድ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ስጕምቲ እንታይ ምዃኑ ግን ኣብቲ ደብዳበ ኣይተገልጸን።
ኣብዚ ሰሙን እዚ ከኣ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይ ምስ ነበርቲ እቲ ክልል ኣብ ዝገብርዎ ዘለው ጽዑቕ ርክብ፡ ኣብ ሓደ ኣኼባ ዶ/ር ደብረጽዮን፡ "ንሕና ከምዚ ኢልና ክንቅጽል ኣይንኽእልን ኢና። ድሕሪ ሰሜን ሸዋ ምእንቲ ሰላም ኢልና ዕድል ሂብና ኢና። ቅድሚ ውግእን ድሕሪ ውግእን ንሰላም ብዙሕ ዕድል ሂብና ኢና። ይዅን እምበር ሕጂ ከምዚ ኢልና ክንቅጽል ኣይንኽእልን ኢና። ኵሉ ነገር ብፖለቲካ ጥራሕ ኣይፍታሕን እዩ፡" ምባሉ ተሓቢሩ።
ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብቲ መድረኽ'ቲ፡ ተዅሲ ደም ምባል ስምምዕ እዅል ሰብኣዊ ረድኤት ንኽኣቱ ተባሂሉ እዩ ዝግበር፣ ይዅን እምበር ከምቲ ትጽቢት ዝተገብሮ ብቝዕ ረድኤት ይኣቱ ከምዘየለ ብምጥቃስ፡ "መሰልና ክነኽብር ረፈረንደም ከነካይድ ኣለና። ህዝቢ ትግራይ መሰል ርእሰ ውሳነኡ ባዕሉ ክውስን ኣለዎ፡" ከምዝበለ እውን ተጠቒሱ ኣሎ።
"ህዝብና ይጠምን ይመውትን እዩ ዘሎ፣ ግዘ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና። ንኵሉ ነገር ተጸሚምና ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መልእኽቲ ልኢኽና ኣለና። ስለዚ ንሕና ወዲእና ኢና፡" ኢሉ።
ብዛዕባ እቲ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ረድኤት ብዝምልከት፡ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣንቢሮምዎ ዘለው ዕፅዋ ንኽለዓልን ረድኤት ንኽኣቱ ክፈቕዱ ፀዊዑ ነይሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ተዅሲ ደው ካብ ዘብሉ 10 ሰሙናት'ኳ እንተገበሩ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ናብ ትግራይ ዝኣተወ ረድኤት 5 ሚእታዊት ጥራሕ ከም ዝዀነ ዶ/ር ቴድሮስ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዶ/ር ደብረጽዮን እውን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዅሲ ደው ኣቢለ ኣለኹ እናበለ እቲ ኣብ ትግራይ ዝኣወጆ ከበባ ግን ይቕጽሎ እዩ ዘሎ ክብል ይኸስስ።
"ኣጋጢምዎ ንዘሎ ፖለቲካዊ ፀገማት ንኽፈትሕ፡ ኣጽዋር ክእክብን ሰራዊት ንኽዕልምን ግዜ ብምዕዳግ ንወራር እዩ ዝቀራረብ ዘሎ፡" ክብል ኣብቲ ህዝባዊ ኣኼባታት ተዛሪቡ።
ዳግማይ ውግእ ይህሉ'ዶ ይኸውን?
ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዶ/ር ኣደም ካሴ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ "ብማሕበረሰብ ዓለም ኣይተሰማዕናን" ብዝብል ምኽንያት ክኸውን ይኽእል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዶባት ኤርትራ ብኸቢድ ብረት ዝተሰነየ ተዅሲ ከምዝኸፈቱ ይዝረብ ምህላው ገሊጹ። ኣብ ርእሲኡ'ውን፡ "ካብዚ ንላዕሊ ካልእ ኣማራጺ የብልናን ብዝብል ካብ ተስፋ ምቝራጽ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ዝበለ እቲ ተንታኒ፡ ኣብ ከባቢ ዳግማይ ኲናት ክኽሰት ከም ዝኽእል እቲ ስክፍታ ዝጸንሐ ምዃኑ፣ እቲ ጉዳይ ብሰላማዊ መገዲ እንተዘይተፈቲሑ ኸኣ እናገደደ ከምዝኸይድ ስግኣቱ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ውግእ ዘይድለ'ኳ እንተዀነ ብጥሜት ዝመውት ሕብረተሰብ የለን፡" ዝብል ኣደም ካሴ፣ "ዋላ'ውን እንተዘይደለየ ናብ ውግእ ምእታው ዘይተርፍ ነገር እዩ፡" ይብል።
ኣደም ካሴ ናብ ትግራይ እዅል ረድኤት ዘይምእታዉ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ነቲ ኵናት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሑ እዅል ጻዕሪ ኣይተገብረን ኢሉ ይኣምን። ብኻልእ ወገን ኣብ መንጐ ክልቲኦም ዝህሉ ምክሳስ ነቲ ነገር የብእሶ ምህላው ይሕብር።
ሰላም ክተወንዝፎ ዝከኣል ኣማራጺ ኣይኮነን
ዶ/ር ኣደም ሓይልታት ትግራይ ናብ ኤርትራ ውግእ ዝኸፍቱ እንተኾይኖም፡ "እቲ ዝሰዓረ ነቲ ዝተሳዕረ ንምጥፋእ እዩ፡" ድሕሪ ምባል ክልቲኦም ወገናት ዝጸንሖም ባእሲ ሕነ ንምፍድዳይ ኣስተዋጽኦ ከም ዝገብር ይዛረብ።
እንተዀነ እዚ ናይ ምጥፍፋእ ምትህልላኽ ፖለቲካ ቀደም ኣይሰርሐን ሕጂ'ውን ኣይሰርሕን እዩ። "ከምቲ ዝገበረኒ ክገብሮ፡" ዝበሃል ዘረባ ሓቢርና ንኽንነብር ኣይሕግዝን እዩ። ብኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብወገን መንግስቲ ፈደራል፡ ከምኡ'ውን ብኣምሓራን ዓፋርን ክሕሰበሉ ከምዘለዎ ብምዝኽኻር፡ ሰላም ክውንዘፍ ዘለዎ ነገር ዘይምዃኑ ይገልጽ።ብምቕጻል እቲ ን17 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ተወሳኺ ማሕበራውን ቁጠባውን ፀገም ንከየኸትል ንዅሎም ኣካላት ዘሳትፍ ጻዕርታት ዕርቂ ክግበር ይመክር።
"ሓይልታት ትግራይ ኣማራጺ የብልናን ክንስዕር እዩ ዘሎና፡ ዝብል ሓሳብ እንተለዎም'ውን እቲ ዕድል ልዑል እዩ ዝብል ግምት የብለይን። እንተዀነ እቲ ወሪዱዎምን ኣጋጢዎምን ዘሎ ጸገም ከዛርቦም ይኽእል እዩ፡" ብምባል፡ ሰብ ይመውትን ይሽገረን'ኳ እንተሎ ነቲ ነገራት ብጽሞናን ትዕግስትን ምርኣይ መድለየ ይብል።
ስለዚ፡ ብወገን ዓፋር፡ ኣምሓራ፡ ፈደራልን ሓይልታት ኤርትራን ነቲ ዝተፀገመ ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ዝኣትወሉ ኵነታት ክመቻቻው ከም ዝግባእ የዘኻኽር።
ኣብዚ ውግእ'ዚ ሓይልታት ትግራይ ኰነ እቶም ካልኦት ሓይልታት ዕላማኦም እንታይ ክኸውን ይኽእል ተባሂሉ ዝተሓተተ ዶ/ር ኣደም፡ ሓይልታት ትግራይ ንህዝቦም ኣጋጢምዎ ንዘሎ ጥሜትን ሕጽረት ሰብኣዊ ረድኤትን ንምሕዋይ፡ ነቲ ከበባ ክሰብርዎ ይኽእሉ 'ዶ ኣይክእሉን ብዘየገድስ፡ "ጻዕሪ ምክያዶም ኣይተርፍን እዩ፡" ክብል የብርህ።
መንግስቲ ፈደራል እዅል ሰብኣዊ ረድኤት ብቕልጡፍ ንኽኣቱ ነቲ ነገራት ከቀላጥፎ ከምዝግባእ የዘኻኽር። ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልል ዓፋር ጠቕሊሎም እንተወጺኦም ከኣ፡ እቲ ረድኤት ንኽኣቱን ካልኣይ ዙር ኵናት ንኽተርፍን ዕድል ከም ዝህብ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ርእሲኡ ዝርርብ ሰላም ብግልጺ ንኸይካየድ እቲ "ህወሓት ኣሸባሪ እዩ" ዝብል ላቔባ፡ ነቲ ኵነታት ሓላሊኽዎ ስለዘሎ ብቕልጡፍ ክስረዝ ኣተሓሳሲቡ። ህወሓት ካብ ሊስታ ግብረ-ሽበራውያን እንተወጺኡ መገዲ ሰላም ከርሑን ሓደ ሓደ መሰረታዊ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ንኽርከብን ዕድል ከምዝህብ ሓቢሩ። ብተወሳኺ ብኽልቲኦም ወገናት ዝግበር ተጻባኢ ቋንቋን ዘረባን ክለዝብን፡ ኣድህቦም ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ክኸውንን ጸዊዑ።
ስለምንታይ እዩ ዘላቒ ሰላም ክመጽእ ዘይተኻእለ?
ዶ/ር ኣደም ኣብ ትግራይ ሰላም ንምምጻእ ጸገማት ኮይኑ ዘሎ ክልተ ጉዳያት ምዃኖም የቐምጥ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ቍርቍስ ከምኡ'ውን ብደረጃ ዓለም ብፍላይ ከኣ ኲናት ዩክረይን ከምኡ'ውን ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክለዓል ምዃኑ ይገልጽ።
እቲ ንውግእ ዝፈጠረ ጽልኢ ኣብ እዋን ኲናት ከም ዝተጋደደ ዝገለጸ ዶ/ር ኣደም፡ ኣብ መንግስቲ ፈደራል ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዘለዎም ተጽዕኖ፡ ኣብ ሓድሕዶም ዘሎ ዘይምትእምማን ኣተኵሮ ምስኣንን ከምዘሎ ይዛረብ።
ብኻልእ ሸነኽ ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ንዓለማዊ ኣድህቦ ምቕያሩን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተመዲቡ ዝነበረ ፍሉይ ልኡኽ ካብ መዝነቱ ምስሓቡ ንመስርሕ ሰላም ዓናቒፉዎ ይብል።
ኢትዮጵያ እንደገና ናብ ውግእ እንተኣትያ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ቀውሲ ከኸትል ምዃኑ ዶ/ር አደም ይዛረብ። ኣብ ርእሲኡ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ናይ ሱዳን ዘይምርግጋእ፡ ናይ ሶማልን ኬንያን ምርጫ ንኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ስለዝኸፋፍሎ፡ ነቲ ኵናት ብዝያዳ ከጋድዶ ይኽእል እዩ ክብል ሓሳቡ የጠቓልል።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







