'ስድራይ ብዕጽፊ ንዝዓብየኒ ብኸብቲ ለዊጦምኒ'

ገጻ ብጨርቂ ዝተሸፈነት

ምንጪ ስእሊ, ERIC LAFFORGUE/ART IN ALL OF US

እናት፡ ገና ጓል 13 ዓመት እንከላ እያ፡ ካብ ትምህርታ በዂራ ብዕድመ ብዕጽፊ ምስ ዝዓብያ ዘይትፈልጦ ሰብኣይ ክትምርዖ ተገዲዳ።

ምኽንያት ናይዚ፡ ብሰንኪ ደርቂ ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ስድራቤታ ንምሕጋዝ እዩ።

እቲ ሕጂ ኣብ ገለ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ ምጽዋር ዝኣበዮም ስድራቤት፡ ህይወትን መጻእን እናት መስዋእቲ ገይሮም፡ ብ17 ዓመት ካብ ዝዓብያ በዓልቤታ ከብቲ ተቐቢሎም።

እናት፡ ብሩህ ኣእምሮ ዘለዋ፡ ትምህርቲ እትፈቱ ቈልዓ'ኳ እንተነበረት፡ ዕድመኣ ከይኣኸለ ብምምርዓዋ ግን ኵሉ ሕልምታታ ተቘጽዩ'ሎ።

“እዚ ዅሉ ቅድሚ ክልተ ወርሒ’ዩ ኣጋጢሙ፤ ኣነ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረን። ስድራይ ከመርዕውኒ ከም ዝወድኡ ምስ ሰማዕኩ ኣይከውንን ኢለዮም። ለሚነዮም፡ በኽየ . . . ግን ዋላ ሓደ ዝሰምዓኒ ኣይነበረን” ትብል።

እናት፡ ኣብ ክልል ደቡብ ወረዳ ዳሰነች እያ ትነብር። እታ ወረዳ፡ ብሓያል ደርቂ ካብ ሞንጐ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ሓንቲ ኰይና ነበርቲ ሓያል ድኽነት ኣጋጢምዎም ኣሎ።

ወለዲ እናት፡ ሽዱሽተ ቈልዑ ዘለውዎም ኰይኖም፡ እናት በዅሪ ኵላቶም እያ። ደርቂ ቅድሚ ምምጽኡ ጽቡቕ መነባብሮ ከም ዝነበሮም ድማ ትዛረብ።

“ኣቦይ ልዕሊ 100 ጥሪት ነይረናኦ። ግን ማይ ኰነ እተን ከብቲ ዝበልዓኦ ተሳኢኑ ሓደ ብሓደ ተወዲአን። ሽዑ’ዮም ንዓይ ሰብኣይ ክእልሹ ጀሚሮም፡” ትብል።

ወሲኻ፡ “ቤተሰበይ ንዓይን ኣሕዋተይን ዘብልዑና ምስ ስኣኑ፡ ብዕጽፊ ምስ ዝዓብየኒ ሰብ ኣመርዕዮምኒ። ብውሑዳት ከብቲ ለዊጦምኒ፤ ነተን ከብቲ ሸይጦም ብዝረኸብዎ ገንዘብ ስርናይን እኽልን ገዚኦም፡” ኢላ።

እዚ ታሪኽ፡ ፈንድ ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ዩኒሴፍ] ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ብኣዝዩ ዘሰክፍ ናህሪ ይወስኽ ኣሎ ብምባል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ዝተጠቕሰ’ዩ።

ጠንቂ ናይዚ ድማ፡ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ድርቅን ግጭትን ከም ዝዀነ ዩኒሴፍ ይገልጽ።

መርዓ ትሕቲ ዕድመን ግጭትን

ሄልዝን ወልነስን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ዛዕባታት መርዓ ትሕቲ ዕድመ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮን ተዛመድቲ ጉዳያትን ዝሰርሕ ትካል እዩ።

መስራትን ዋና ዳይሬክተርን ኣለሁበል ኣለማው፡ ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ መንግስቲ ምስ መጽአ ድሕሪ ዘጋጠሙ ዘይምርግጋኣት፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመ እናወሰኸ ምምጽኡ ይዛረብ።

“ቅድሚኡ፡ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ምኽንያት ብምግባር እዩ ዝፍጸም ነይሩ። ሕጂ ግን እቲ ዝግበር ክትትል'ውን ስለ ዝፈዀሰ ብወግዒ መርዓ ክድገስ እንከሎ ንርኢ ኣለና፡” ኢሉ።

ንኣብነት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢታት ሰቘጣን ጐንደርን ትምህርቲ ስለ ዘይተጀመረ ስድራቤታት ደቈም የመርዕው ከም ዘለው ዝገልጽ ኣቶ ኣለሁበል፡ እዚ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይን ናብ ሰሜን ዝጽግዑ ከባቢታት ኣምሓራን ከም ዝወሰኸ ይጠቅስ።

ኣብ ትግራይ፡ ወረዳታት ቆላ ተምቤን፡ ደጉዓ ተምቤን፡ ሕንጣሎ ዋጅራትን ራያ ዓዘቦን ብብዝሒ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ዝርኣየሎም ከባቢታት ከም ዝዀኑ፡ ካብቲ ክልል ዝተረኸበ መረዳእታ የመልክት።

ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ገለ ከባቢታት ኦሮሚያ፡ ዓፋርን ሶማልን ከም ባህሊ ዝውሰድ ምዃኑ ብምግላጽ፡ “ስድራቤታት ሰኣን ሰላም ተስፋ እናቘረጹ ደቈም ኣብ ዘይዕድመአን የመርዕው ኣለው፡” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ማሕበረሰብ ከረዩ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ዕለተ መርዓኣ ኣብ ዓንካር ዓካሪቶኣ ቀለበት ይእሰረላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ደቂ ኣንስትዮ ብማእከላይ ዕድመ 17.1 ኰይነን ከም ዝመርዓዋ ሓበሬታ ዩኒሴፍ የመልክት።

ኣብታ ሃገር፡ ኣብ 2025 መርዓ ትሕቲ ዕድመ ንምትራፍ ዝዓለሙ ስርሓት ክስርሑ'ኳ እንተጸንሑ፡ ሕጂ ብሰንኪ ባህሪያውን ሰብ ሰርሖን ሓደጋታት ምውሳኽ የርኢ ምህላው እዩ ዝግለጽ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ብምኽንያት ክሊማዊ ለውጢ ብዝሰዓበ ሓያል ደርቂ ተጠቒዑ ይርከብ። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ኬንያ፡ ሶማሊያ፡ ጂቡትን ገለ ክፋል ኢትዮጵያን ዝርከቡ 14 ሚሊዮን ህዝቢ ንጥምየት ተቓሊዖም ኣለው።

ኣብዞም ኣብ ኢትዮጵያ ብደርቂ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ዝነብሩ፡ “ዝጨነቘም” ስድራቤታት፡ ካብ ስድራ መርዓዊ ዝረኽብዎ ገዝሚ ብህይወት ንምጽናሕ ክሕግዘና’ዩ ኢሎም ተስፋ ብምግባር፡ ዕድመአን ዘይኣኸለ ደቈም የመርዕው ኣለው።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንኣብነት፡ ኣብቶም ብደርቂ ዝተጠቕዑ ሽዱሽተ ከባቢታት ኦሮሚያ፡ ካብ መስከረም ክሳብ መጋቢት ኣብ ዘለው ሽዱሽተ ኣዋርሕ እዚ ዓመት፡ 2282 ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ከም ዝተመርዓዋ ዩኒሴፍ ይገልጽ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ለካቲት ክሳብ ነሓሰ ምስ ዝተመዝገበ 672 እንክነጻጸር ኣዝዩ ዝለዓለ ኰይኑ ንረኽቦ።

ኣብቲ 2.7 ሚሊዮን ህዝቢ ይነብረሉ ተባሂሉ ዝግመት ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ጥራይ፡ መጠን ትሕቲ ዕድመ መርዓ ብ51 ሚእታዊት ወሲኹ። እዚ፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 2022-21 ተመዝጊቡ ካብ ዝነበረ 70 ናብ 106 [ተመሳሳሊ ግዜ] ክብ ኢሉ ኣሎ።

“መብዛሕትኡ ሕብረተሰብ መነባብሮኡ ኣብ ሕርሻ ዝተሞርኰሰ’ዩ። ደርቂ ምስ ኣተወ፡ እዚ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝዀነ ናብራ ናብ ዝኸፍአ ጸገም ክወድቕ እንከሎ፡ ዝሓሸ ምህርቲ ኣለዎ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ምስ ዝነብሩሉ ሰባት መርዓ ይፍጸም” ክብል ኣቶ ኣለሁበል የረድእ።

ንሱ ካብ ተመኵሮኡ፡ ካብ 14 ክሳብ 17 ዕድመአን ዝዀና ኣዋልድ ከም ዝምርዓዋ ይዛረብ።

“መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብዚ ዕድመአን ወርሓዊ ጽግያት ስለዝርእያ፡ ወለዲ ደቈም ካብ ሓዳር ወጻኢ ክወልዳ ይኽእላ እየን ወይ’ውን ባህሊ ከፍርሳ እየን ብዝብል ሓዳር ክገብራ ይደፋፍኡወን” ይብል።

ኣብዚ ሸነኽ ታሪኽ ነባሪት ዞባ ደቡብ ጐንደር ዝዀነት ኣበባ ከነልዕል።

ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ እቲ ለበዳ ንምዕጋት ዝተወስዱ ስጕምታት ኣብ ገዛኦም ኣብ ዝተወሸብሉ እዋን፡ ኣበባ ምስ ሓደ በዓል ጸጋ ዕድመ ክትምርዖ ወለዲ ወሲኖም።

እቲ ሃብቲ ኣለዎ ዝተባህለ ውልቀሰብ ንስድራቤታ ብዝህቦም ገዝሚ ህይወቶም ንኽልወጥ፡ ንሳ ትምህርታ ኣቋሪጻ ምስ ዘይትፈልጦን ዘይመሰታኣን ሰብ ክትምርዖ ተፈሪድዋ።

እንተዀነ፡ ነዚ ዝሰምዓ ኣብ ዙርያ ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ዝሰርሓ ውዳበታት ብዝገበራኦ ጻዕሪ እቲ መርዓ ተሰሪዙ።

ብ2012 ዓ.ም [ግዝእ]፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥራይ 1700 መርዓ ትሕቲ ዕድመ ከም ዝተፈጸመ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን እቲ ክልል ኣፍሊጡ ነይሩ።

“ባህሊ ተሓታቲ’ዩ”

ኢትዮጵያ፡ ልክዕ ከምተን ካልኦት ሃገራት፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዘስዓቦ ቁጠባዊ ጸቕጢ ከም ዝተሃሰየት ዩኒሴፍ ይገልጽ።

እዚ፡ ምስቲ ኣብዚ ዓመት ዝተኸሰተ ደርቅን በብቦታኡ ዝልዓሉ ዘለው ግጭታትን ተደሚሩ፡ ህጻናት ኣብ ዘይዕድመአን ንኽምርዓዋ ዓቢይ ተራ ከም ዘበርከተ ሓቢሩ።

“ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራይ ብደርቂ ኣብ ዝተጠቕዓ ክልላት ዘጋጥም መርዓ ትሕቲ ዕድመ ብኽልተ ዕጽፊ ወሲኹ” ይብል።

ክልላት ሶማል፡ ኦሮሚያን ደቡብን ድሕሪ ዘጋጠሞም ደርቂ፡ ካብ ጥሪ ክሳብ ሚያዝያ 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራይ ኣብተን ክልላት ዝፍጸም መርዓ ትሕቲ ዕድመ ብ119 ሚእታዊት ከም ዝወሰኸ መረዳእታታት መንግስቲ የመልክቱ።

“እዚ ኣብ ኵለን ክልላት ዝርአ’ዩ” ዝበለት ኣብ ጉዳይ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮን መርዓ ትሕቲ ዕድመን እትሰርሕ ተሓላቒት ስርዓተ ጾታ ማርታ ታደሰ፡ ከም “ደርቅን ግጭትን ቁጠባዊ ጸገማት ስለዘኸትሉ፡ ገለ ስድራቤታት ከም ግዝያዊ [ኣሉታዊ] መፍትሒ ጸገም ገይሮም ዝወስድዎ፡ ዕድመአን ዘይኣኸለ ደቈም ምምርዓው’ዩ” ትብል።

ካብ፡ ሰብ ሰርሖን ባህሪያውን ሓደጋታትን ስዒቦም ዝመጽኡ ጸገማት ብዝሰገረ፡ ባህሊ ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልዋ ከም ዘለዎ ትጠቅስ።

“ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣጥቧታ ምዕባይ ክጅምሩ እንከለው፡ ቁመታ ምስ ዝውስኽ፡ ቤተሰብ ‘ንቕውም ነገር በጺሓ’ ኢሉ ክሓስብ ይጅምር። መብዛሕትኡ ግዜ ክኣ ብዙሓት ቈልዑ ዘለዎም ስድራቤታት፡ ንዅሎም ከዕብይዎም ስለ ዝጽገሙ፡ ርእሰን ክኢለን ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ኣብ ዝጅምራሉ ግዜ የመርዕውወን” ትብል።

ኣብ ዩኒሴፍ ክኢላ ሓለዋ ህጻናት ወይዘሮ ዘምዘም ሽኩር’ውን በዚ ሓሳብ ትሰማማዕ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርታት ዓመታት፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ብውሑድ ብሓደ ሲሶ ከም ዝነከየ ብምግላጽ፡ ብማእከላይ ገምግማ ደቂ ኣንስትዮ ሓዳር ዝገብራሉ ዕድመ፡ ካብ 16.5 ናብ 17.1 ሓፍ ከም ዝበለ ሓቢራ።

ይዅን’ምበር፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብታ ሃገር ብዘጋጠሙ ዝተፈላለዩ ጸገማት ምኽንያት መርዓ ትሕቲ ዕድመ ብዝለዓለ መጠን ከም ዝወሰኸ ኣረዲኣ።

“ሓደ፡ እዚ ጉዳይ እቲ ሕብረተሰብ ንነዊሕ ዓመታት ሒዝዎ ዝጸንሐ ልምዲ’ዩ። ብኣተሓሳስባ እናተለወጠ እንተመጽአ’ውን ነዊሕ ግዜ ዝሓትት’ዩ። ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጐንጺ ወሲኽካ ዝተፈላለዩ ነገራት ስለ ዘለው፡ ትኹረት መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ትካላትን ተቐይሩ። ስርሓት ህይወት ኣድሕን ቀዳምነት ዝወሃቦም ኰይኖም፡” ኢላ።

በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ጉዳይ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ግንዛበ ንምዕባይ ብሚዲያታት ዝግበሩ ዝነበሩ ጐስጓሳት፣ መናእሰይ ዝሰርሕዎም ስርሓትን ካልኦትን ክተኣጓጐሉ ክኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ኣዋልድ ዝፍጸም ትሕቲ ዕድመ መርዓ ክህሉ እንከሎ፡ ደቂ ተባዕትዮ እውን ኣብ ዘይዕድመኦም ሓዳር ክምስርቱ ከም ዝግበር ዝዛረብ ኣቶ ኣለሁበል፡ ብፍላይ ካብ 14 ክሳብ 21 ዓመት ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ ነዚ ተቓላዕቲ ከም ዝዀኑ የረድእ።

“ወዲ ተባዕታይ፡ ‘ሓዳር እንተገይሩ ንሰበይቱ ራሕሪሑ ኣይከይድን፣ ንሰበይቱ ክብል ስራሕ ክሰርሕ’ዩ፣ ንቤተሰቡ’ውን ክሕግዝ’ዩ’ ኢሎም ስለ ዝሓስቡ የመርዕውዎ። በቲ ባህሊ መሰረት ክኣ ወዲ ብዕድመ እትንእሶ ከእቱ ስለ ዘለዎ፡ ንእሽቶ ቈልዓ ይምርዖ” ይብል።

ዲኮር መርዓ

ዕጫ ህጻን እናት

ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ብምውሳኹ፡ ቍጽሪ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝቦኸራ ደቂ ኣንስትዮ ብሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ መረዳእታ ዩኒሴፍ የመልክት።

ዕጫ ጓል 13 ዓመት እናት’ውን እዚ’ዩ ኰይኑ።

“[በዓልቤተይ] ትምህርተይ ክቕጽል ፍቓደኛ ስለ ዘይኰነ ኣቋሪጸዮ። ትምህርቲ ይፈቱ’የ፤ ሓኪም ክኸውን’የ ዝደሊ። ሕጂ ግን ጸብሒ እናሰራሕኩ፣ ገዛ እናጽረኹ፣ ማይ እናወረድኩ’የ ዝውዕል” ትብል።

ተሓላቒት መሰላት ስርዓተ ጾታ ማርታ ታደሰ፡ ዕድሚአን ዘይኣኸለ ደቂ ኣንስትዮ ምምርዓው ካብ ትምህርቲ ምብኳር ጥራይ ዘይኰነ፡ ብመዳይ ጥዕና እንክርአ'ውን ንፌስቱላን ኣብ እዋን ወሊድ ከጋጥም ንዝኽእል ሞትን ከቃልዐን ከም ዝኽእል ትዛረብ።

“እታ ቈልዓ ‘ስድራይ ስለዝተጸገሙ’ዮም ኣመርዕዮምኒ’ ኢላ ስለ እትሓስብ ኣብ ገዛኣ ዘቤታዊ ዓመጽ ከጋጥማ እንከሎ’ውን ደፊራ ክትዛረብ ኣይትኽእልን። እንተ ተዛረበት’ውን፡ ቤተሰብ ‘ኣማራጺ የብልክን፤ ክኣልዮ’ እዮም ዝብሉዋ”።

ዩኒሴፍን ካልኦት ብርክት ዝበሉ መንግስታዊ ዘይኰኑ ትካላትን ነዚ ጉዳይ ዓቢይ ትዅረት ሂቦም ጻዕሪ ብምግባር፡ ግንዛበ ሕብረተሰብ ምዕባይ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ብተደጋጋሚ ይገልጹ።

“ሰፋሕቲ ስርሓት ምዕባይ ግንዛበ እንተሰራሕና’ውን ንዅሉ ስድራቤት ክንበጽሖ ኣይንኽእልን። ንዅሉ ምእማን ግዜ ይሓትት’ዩ” ትብል በዓልቲ ሞያ ዩኒሴፍ ዘምዘም።

ኣብ ኢትዮጵያ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ልዕሊ ዝፍጽሙ ኣካላት ብገበን ዝሕተቱ’ኳ እንተዀኑ፡ እቲ ሕጊ ክንደይ ዝኣክል ተግባራዊ ኰይኑ? እቶም ዝውሰዱ ስጕምታትከ ክሳብ ክንደይ ውጽኢታውያን’ዮም? ዝብሉ ሕቶታት ከም ዘለውዋ እትዛረብ ማርታ ብወገና፡ እቲ ጉዳይ ልዑል ትዅረት መንግስቲ ዝሓትት ከም ዝዀነ ተዘኻኽር።

“መብዛሕትኦም ጉዳያት ትሕቲ ዕድመ ብሽምግልና፡ ብይቕረታ፡ ብቤተክርስቲያን’ዮም ዝፍትሑ። ከምዚኦም ዝበሉ ክፍተታት ስለዘለው እዩ ዘላቒ ዝዀነ ለውጢ ክመጽእ ዘይከኣለ፡” ኢላ።