መርዓ ትሕቲ ዕድመ ንከበቅዕ 300 ዓመት ኣየድልን ዝበላ 3 ጸለውቲ ደቂኣንስትዮ ዓለም

ሚሸል ኦባማ፡ ኣማል ክሉኒን ሜሊንዳ ፍረንች ጌትስን

ምንጪ ስእሊ, THE OBAMA FOUNDATION

መግለጺ ስእሊ, ሚሸል ኦባማ፡ ኣማል ክሉኒን ሜሊንዳ ፍረንች ጌትስን

ሰለስተ ካብተን ኣዝየን ጸለውቲ ዝብሃላ ደቂኣንስትዮ ዓለም፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወለዶ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ከብቅዕ ከም ዝደልያ ተዛሪበን።

ሚሸል ኦባማ፡ ኣማል ክሉኒን ሜሊንዳ ፍረንች ጌትስን ዝሓለፈ ዓመት ነቲ ጸገም ንምምካት ኣብ መንጎ እቶም ዝመርሕኦም ትካላት (ፋውንዴሽናት) ምትሕብባር ክህሉ ከም ዝገበራ ኣፍሊጠን ነይረን።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ንዝቕጽሉ 300 ዓመታት ካብ ሱሩ ምምሓው ከም ዘይክኣል ውድብ ሕቡራት ኣጠንቂቑ ይርከብ።

ቀዳመይቲ እመቤት ኣመሪካ ነበር ሚሸል ኦባማ ግን “ጽባሕ ክፍታሕ ዝኽእል ጉዳይ'ዩ” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ሰለስቲአን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ሕርያ 100 ጸለውቲ ደቂ ኣንስትዮ ቢቢሲ ዝኣተዋ ኰይነን፡ ኣብ ማላውን ደቡብ ኣፍሪቃን ምብጻሕ ገይረን ነይረን።

ጓል 26 ዓመት ሉሲ ንብዓታ ክትቆጻጸር እናፈተነት "ይቕሬታ፤ ስምዒታዊት እየ” በለት።

ሉሲ ኣብ ማእከላይ ዞባ ማላዊ ኣብ ዝርከብ ቤተ መጻሕፍቲ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣዋልድ ሉድዚ ኢና ረኺብናያ።

ኣባላት ሓለዋ (ሲክረት ስርቪስ) ሚሸል ኦባማ ኣብ ደገ፡ ኣብ ትሕቲ ኣግራብ ቀጽሪ እቲ ቤት ትምህርቲ ደው ኢሎም ኣለው።

ንሳ፡ ንብዕድመ ዝዓብያ ሰብኣይ ክትምርዖ ኣብ ጫፍ በጺሓትሉ ዝነበረ እዋን ዘኪራ፡ ኣዋልድ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክጸንሓ ምግባር ክንደየናይ ኣገዳሲ ምዃኑ ትዛረብ ነይራ። ኣብዚ ኩነታት እዚ እናሃለወት'ያ ሃንደበት ስምዒታ ምቁጽጻር ስኢና።

ሰለስተ ካብቶም ኣብ ዓለምና ጸለውቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝህቡ ትካላት ዝመርሓ - ሜሊንዳ ፍረንች ጌትስ፡ ኣማል ክሉኒን ሚሸል ኦባማን - ድማ ንታሪኻ ይሰምዓ ነይረን።

ብመሰረት ዘይመንግስታዊ ትካል ‘Girls Not Brides’፡ ማላዊ ኣብ ምብራቓውን ደቡባውን ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ ዝለዓለ መጠን መርዓ ትሕቲ ዕድመ ዘለወን ሃገራት ኰይና፡ 42% ኣዋልድ ድሮ ኣብ 18 ዓመት ዕድሚአን ይምርዓዋ።

ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኣዋልድ ሉድዚ እትርከበሉ ወረዳ ምቺንጂ፡ 33% ኣዋልድ ቅድሚ 18 ዓመት ምምልአን ከም ዝጠንሳ፡ ከምኡ’ውን ካብ ትምህርቲ ከም ዝርሕቓ ይግለጽ።

ሉሲ ሓንቲ ካብኣተን ክትኸው ትኽእል ነይራ።

ኣቡኣ ጓል 14 ዓመት እንከላ ትምህርቲ ከተቋርጽ ይደሊ ነይሩ።

ንሳ ግን ተቓዊማቶ፤ ድሒራ ድማ ኣብ ዓዳ ናይ መጀመርታ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝኣተወት ጓል ኰይና።

ሕጂ ብዲግሪ ተመሪቓ ሓላፊት ጨንፈር ንተቓላዕቲ ኣዋልድ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ዝህብ ትካል ‘ኤ-ጂ-ኢ’ ኣፍሪቃ፡ ኰይና ኣላ።

ኣብ ማላዊ፡ ትምህርቲ ካልኣይ ብርኪ ብናጻ ዝወሃብ ኣይኰነን።

ሉሲ ኣብ ሓደ እዋን ተጠቃሚት እቲ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ስለ ዝነበረት፡ ሕጂ ንኸምኣ ዝኣመሰላ ኣዋልድ ትሕግዝ ኣላ።

ሚሸል ኦባማ፡ "ንነብሰይ ኣብተን ንቃለሰን ዘለና ኣዋልድ እየ ዝርእያ"

ምንጪ ስእሊ, THE OBAMA FOUNDATION

መግለጺ ስእሊ, ሚሸል ኦባማ፡ "ንነብሰይ ኣብተን ንቃለሰን ዘለና ኣዋልድ እየ ዝርእያ"
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሉሲ፡ ዋላ’ውን ኣቡኣ ኣዐርዩ ሕጉስ እንተዘይኰነ ኣዲኣ ግን ኣዝያ ሕጕስቲ ከም ዝዀነት ትዛረብ።

ኣብ ጐኒ ሉሲ ኰፍ ኢላ ዝነበረት ሚሸል ኦባማ፡ “ንኣቦኺ ናተይ መልእኽቲ ክተብጽሕሉ ትኽእሊ’ዶ? ኣብ ቀጻሊ ክትረኽብዮ እንከለኺ፡ ሚሸልን ባራክ ኦባማን ብኣኺ ኣዝዮም ከም ዝሕበኑ ንገርዮ” ኢላታ።

ሉሲ ፍሽኽ እናበለት ንላዕሊ ጠመተት።

ብየማን ሉሲ ድማ ዓለምለኻዊት ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነት ክሉኒ ኰፍ ኢላ ነይራ።

“ጠበቓ ከም ዘለኪ’ውን ንገርዮ” በለታ ንሳ'ውን።

ሚሸል ኦባማ፡ ኣማል ክሉኒን ሜሊንዳ ፍረንች ጌትስን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መርዓ ትሕቲ ዕድመ ንምቅላስ ከም ዝተሓባበራ ድሕሪ ምግላጸን፡ ኣብቲ ጉዳይ ዘተኮሩ መሰረታዊ ስራሕቲ ንምዕባይ፡ ከምኡ’ውን በዚ ህይወተን ዝተጸለወ ኣዋልድን ደቂ ኣንስትዮን ንምርኻብ ብሓባር ናብ ማላዊን ደቡብ ኣፍሪቃን በጺሐን።

ኣብ ትምህርቲ ዘተኮረ ትካል ሚሸል ኦባማ ዝዀነ ‘ኪዳን ዕድል ኣዋልድ’ (Girls Opportunity Alliance) ኣብ መላእ ዓለም ብሰንኪ ጥንስን መርዓ ትሕቲ ዕድመን ካብ ትምህርቲ ዝቦኽራ ደቂ ኣንስትዮ ምህላወን ኣለልዩ ነይሩ።

ክሉኒ ኣብ ገጠራት ዝነብራ ኣዋልድ ብዛዕባ መሰላተን ንኽፈልጣ ትሰርሕ ነይራ።

ብዙሓት ፕሮጀክትታት ሚስ ፍረንች ጌትስ ድማ ኣብ ምምሕያሽ ክንክን ጥዕና ዘተኰሩ’ዮም ነይሮም።

ኩለን ድማ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ንምክልኻል ክሰርሓ ድልየት ከም ዘለወን፡ እቲ ዝፈጠርኦ ጥምረት ዝወሃሃድ ኰይኑ’ዩ።

ኣህጉራዊት ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ሚስስ ክሉኒ ንቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝሃበቶ ቃል “ኣብ ሞንጐ ሰለስቴና ናይ ብሓቂ ደስ ዝብልን ተፈጥሮኣውን ሽርክነት፡ ከምኡ'ውን ዕርክነት'ዩ ነይሩ” ኢላ።

“ምስ ጌትስ ፋውንዴሽን ኣብ ዝገበርክዎ ዝርርብ፡ 'ብልዑል ደረጃ ኣብ ጾታዊ ፍትሒ ትሰርሑ ኣለኹም፤ መብዛሕትኡ ግን ሕጊ ከም መሳርሒ ኣይትጥቀምሉን ኢኹም። ኣብ ቁጠባን ጥዕናን ኢኹም ትኹረት ትገብሩ። ምናልባት ሽርክነት ክንፈጥር ንኽእል ንኸውን?'” ኢለ ተዛሪበዮም።

ሜሊንዳ ፍረንች ጌትስ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብተፈጥሮአን ኣብ ሓባራዊ ስራሕ ከም ዝሰርሓ ትኣምን

ምንጪ ስእሊ, THE OBAMA FOUNDATION

መግለጺ ስእሊ, ሜሊንዳ ፍረንች ጌትስ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብተፈጥሮአን ኣብ ሓባራዊ ስራሕ ከም ዝሰርሓ ትኣምን

ፍረንች ጌትስ ሓሙሽተ'ውን ግዜ ናብ ማላዊ በጺሓ እያ። ሰለስቲአን ጸለውቲ ደቂ ኣንስትዮ ብሓባር ንምስራሕ ምውሳነን ስትራቴጂካዊ ውሳነ ምዃኑን እቲ ክእለተን ድማ ዝያዳ ኣድማዕቲ ከም ዝገብረን ገሊጻ።

ንሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ “ደቂ ኣንስትዮ፡ ብተፈጥሮአን ብሓባር ዝሰርሓ ይመስለኒ። ብዕድመ ንዝዓብያኒ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ (ትካላት ዝመርሓ) ኣዘራሪበ እየ። ምስ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ብሓባር ዘይምስርሐን ድማ ዝስምዐን ገለ ጣዕሳ ኣሎ። ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ምስአን ንላዕሊ ኣየምጽኣን። እቲ ንሕና ዝመጻእናሉ ወለዶ - ኣነን ሚሸልን ብመሰረቱ ሓደ ዕድመ ኢና - ንኹሉ ሰብ ምሳና ክንስሕቦ ኢና ንደሊ” ኢላ።

ብመሰረት ጸብጻብ ዩኒሴፍ ኣብዚ ሕጂ እዋን 650 ሚልዮን ኣዋልድን ደቂ ኣንስትዮን ትሕቲ 18 ዓመት እንከለዋ ተመርዕየን ኣለዋ።

ልዕሊ 12 ሚልዮን ኣዋልድ ኣብ ዓመት ብሕጋውን ባህላውን ስነ-ስርዓት ኣብ መላእ ዓለም ይምርዓዋ።

ደቡብ ኤስያን ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃን ብደረጃ ዓለም ዝለዓለ መጠን ትሕቲ ዕድመ መርዓ ኣለወን።

ኣብ ኣሜሪካ ዝርከባ ሓሙሽተ ግዝኣታት ወለዲ ክሳብ ዝሰማምዑሉ ዝተሓተ ዕድመ መርዓ ዝብል የብለንን።

ገለ ከም ማላዊ ዝኣመሰላ ሃገራት፡ መርዓ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኽልክል ሕግታት ኣለወን። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ምስቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ባህላዊ ማሕለኻታት ክብድህኦ ኣይክኣላን።

ትማሊ ሰኑይ ፕረዚደንት ላዛሩስ ቻክዌራ መውስቦ ትሕቲ ዕድመ ንምዕጋት ዝዓለመ ተወሳኺ ምወላ ከም ዝወሃብ ብወግዒ ኣፍሊጡ'ሎ።

ሚስስ ክሉኒ፡ ንኹሉ ተበጻሒ ምግባር መፍትሒ እዩ ኢላ ትግምት።

እቲ ፕሮግራም ፍትሒ ንደቂ ኣንስትዮ ዝብል ፕሮጀክታት ኣብ ማላዊ ንዝርከብ ማሕበር ጠበቓታት ደቂ ኣንስትዮ ይምውል።

እዚ ድማ፡ ናብቶም ኣብ ገጠራት ዘለዉ ማሕበረሰባት ብምኻድ ሓገዝ ዝደልያ ደቂ ኣንስትዮ የተሓባብር።

ልዕሊ 85% ህዝቢ ማላዊ ኣብ ትሕቲ ኣግራብን ኣጓዱን፣ ካብ ጽርግያታትን ኤሌክትሪክን ኣሽሓት ኪሎ ሜትራት ርሒቑ ኣብ ገጠር’ዩ ዝነብር።

“ኔትወርክ ሞባይል ክሊኒካት ሕጊ ኣጣይሽና፤ እዚ ማለት ጠበቓታት ሒዛ እትኸይድ መኪና ኣላትና፤ ናብቲ ሕብረተሰብ ብምኻድ ድማ ነተን ኣዋልድ 'እዚኦም መሰላትክን'ዮም።

"ክከላኸለልክን ዝኽእል ጠበቓ እንተድኣተደሊኽን - ብናጻ-- ንብለን - ንሕና ኣለና ንብለን። ፍትሒ ኢና ነምጽእ፤ ልፍንቲ ክትምስርትን በቲ ኣብ ኲናት ክትዕወት ዝሓትት ቆራጽነት ሒዝካ ኣንጻር ከምዚ ዓይነት በደላት ክትቃለስን ክኣ ኣለካ” ትብል።

ኣማል ክሉኒ ምስ ማላዊት ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ቺኮንዲ ቺጆዚ

ምንጪ ስእሊ, NEIL RASMUS

መግለጺ ስእሊ, ኣማል ክሉኒ ምስ ማላዊት ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ቺኮንዲ ቺጆዚ

ቢቢሲ ኣብ ወረዳ ምቺንጂ ኣብ እትርከብ ዓዲ ኣብ ዝርከብ ክሊኒክ ሕጊ ምብጻሕ ገይሩ ነይሩ።

ኣብዚ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም ልዕሊ 1000 ተሳተፍቲ ነይሮም።

ገሊአን ትሕቲ ዕድመ ነፍሰጾራት ብምንባረን፡ ድሕሪ ሕርሲ ናብ ቤት ትምህርቲ ንክመጽኣ እንታይ ክገብራ ከም ዘለወን ይሓታ ነይረን።

ሚሸል ኦባማ “ንነብሰይ ኣብተን ንቃለሰለን ዘለና ኣዋልድ እየ ዝርእያ፤ ደቀይ ኣብተን ኣዋልድ እየ ዝርእየን” ኢላ።

እዚ ጉዳይ እዚ እንተወሓደ ኣብ ሓጺር ግዜ መፍትሒ ዝርከቦ ኣይኰነን ዝብል ስክፍታ ግን ኣሎ።

ዩኒሴፍ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ትሕቲ ዕድመ መርዓ 19% ኩሉ ዓይነት ሓዳር ምዃኑን እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ 10 ዓመት ዝነበረ ብ23% ከም ዝወረደን ገሊጹ።

መርዓ ትሕቲ ዕድመ ምውጋድ ግን ሕጂ'ውን ኣስታት 300 ዓመት ክወስድ ከም ዝኽእል ኣሚቱ ነይሩ።

“እዚ ህጹጽ ጉዳይ'ዩ። ዕሽሽ ክንብሎ ኣይንኽእልን” ብምባል ልክዕ እቶም ካልኦት ንገጥሞም ዘለና ዓበይቲ ጉዳያት - ድኽነት፡ ክሊማዊ ለውጢ፡ ኲናትን ካልእን ሓያል ቃልሲ ከም ዝሓትት ኣብሪሃ።

“ጽባሕ ክፍታሕ ዝኽእል ጉዳይ'ዩ። ኩሎም መራሕቲ ዓለም ተኣኪቦም ቀዳምነት እንተዝህብዎ 300 ዓመት ኣይምወሰደን። ኣብ ውሽጢ ሓደ ወለዶ ክኸውን ዝኽእል'ዩ” ክትብል ሚሸል ኦባማ ትምጉት።

ኣርማ 100 ደቂ ኣንስትዮ ቢቢሲ
መግለጺ ስእሊ, ኣርማ 100 ደቂ ኣንስትዮ ቢቢሲ