ከነኣን፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተሰረተ ካብ ዓበይቲ ትካላት ኤርትራውያን

ሓደ ካብ መስረትትን ዳይረክተርን ትካል ከነኣን ኢንጂነር በረኸት ጎይትኦም

ምንጪ ስእሊ, BG

መግለጺ ስእሊ, ሓደ ካብ መስረትትን ዳይረክተርን ትካል ከነኣን ኢንጂነር በረኸት ጐይትኦም

ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ወጺኦም ኣብ ሃገረ ስደቶም ኣብ ዝተፈላለየ ጽላት ርእሰ ማሎም፡ ፍልጠቶምን ክእልታቶምን ኣውፊሮም ኣብ ዝምስርትዎ ዕዉት ትካላት ንነብሶምን ካልኦትን ዕድል ስራሕ ይፈጥሩ ኣለው።

ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ኣንጎላ፡ ዩጋንዳ፡ ኬንያ፡ ኢትዮጵያ፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣንጎላ፡ ጋናን ካልኦት ሃገራትን ዓበይቲ ወፍርታት ዘካይዱ ኤርትራውያን ብዙሓት እዮም።

ኣብ 2007፡ ብኢንጂነር በረኸት ጐይትኦምን ኢንጂነር ብእምነት ለኣከን፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተመሰረተ፡ ኣብ ዝተፈለላያ ሃገራት ጨናፍር ኣስፊሑ ዝነጥፍ ዘሎ “ከነኣን” እተሰምየ ትካል ሓደ ካብ ግሉሓት ኣብነታት ኤርትራውያን ኣውፈርቲ’ዩ።

ኣብ 1970ታት ኣብ ኤርትራ ዝተወለደ ኢንጂነር በረኸት ጐይትኦም፡ ወላዲኡ ኣብ ፈለማ 1970ታት ናብ ገድሊ ስለዝኸደ ኣደኡ ክንዲ ኣቦን ኣደን ኰይና’ያ ኣዕብያቶ።

ኢንጂነር በረኸት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት “ኣደይ ኣብ መጀመርታ 1980ታት ንዓይን ንኽልተ ምዕባየይ ኣሕዋተይን ሒዛ ናብ ሱዳን ተሰዲዳ” ክብል ዛንታ ኣተዓባብያኡ ይነግር።

“መባእታዊ ህይወተይ ኣብ ከሰላ’የ ኣሕሊፈዮ፤ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻዱሻይ ክፍሊ፡ ኣብ ከሰላ ብህዝባዊ ግንባር ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ተማሂረ። ካብ ሻውዓይ ንደሓር ከኣ ‘ብዩኤንኤችሲኣር’ ዝሕገዝ ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ተማሂረ” ይብል።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ብዙሓት ኣብ ሱዳን ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብውዱብን ብውልቅን ናብ ኤርትራ ይምለሱ ስለዝነበሩ በረኸትን ስድራኡን’ውን ኣብ 1995 ናብታ መዳሕንቱ ዝተቐበረላ ኤርትራ ተመሊሶም።

ካብ ዓስራይ ክሳብ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ኣብ ደቀምሓረ ተማሂሩ፤ ኣብ 1997 ናብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ኣትዩ ምህንድስና ኣጽኒዑ፡ ኣብ 2003 ተመሪቑ።

እንተዀነ ክሳብ 2006 ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኵነታት ስለዘይጠዓሞ፡ ናብቲ ኣብ 1995 ‘ሕጅስ ዓደይ ሓራ ኰይና’ያ’ ኢሉ ርዖኡ ጠቕሊሉ ዝሓደጐ ስደት ተመሊሱ። ናብ ሱዳን ዘይኰነ ግን ናብታ ሰፋሕቲ ስርሓት ህንጻ ዝካየደላ ዝነበረ ዱባይ ተሰዲዱ።

ትካል ከንኣን ካብ ዝሰርሖም ገዛውቲ

ምንጪ ስእሊ, CANAAN DEVELOPERS

ትካል ከንኣን ብኸመይን መዓስን’ዩ ጀሚሩ?

ከንኣን፡ ኣብ ከም በዓል ኬንያ፡ ዩጋንዳን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ጨናፍር ዘለዎ ውሩይ ትካል’ዩ።

ኢንጂነር በረኸት፡ ካብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ቅድሚ ምምራቑ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ስራሕ ወፊሩ ስለዝነበረ፡ ተመኵሮ ስራሕ ሓደ ዓመት ኣጥርዩ ነይሩ። ክሳብ’ቲ ዝተመረቐሉ ዓመተ ምሕረት 2006፡ ኣብ ኤርትራ ንጥፈታት ህንጻ ይካየድ ስለዝነበረ ጐድኒ ጐድኒ ትምህርቱ እናሰርሐ፡ ነቲ ዝተመረቐሉ ሞያ ምህንድስና ብተግባር ይሰርሓሉ ነይሩ።

“ናብ ዱባይ ምስ ከድኩ ኣብታ ሃገር ውዕውዕ ንጥፈታት ህንጻ ስለዝነበረ ቀልጢፈ እየ ስራሕ ጀሚረ። ናይ ህንጻ ድሕረ ባይታ ስለዝነበረና፡ ኣብ 2007፡ ምስ ኢንጅነር ለኣከ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ‘ከንኣን ኮንስትራክሽን’ ዝብል ትካል ኣቚምና። እቲ ኣብኡ ዝተተኽለ ትካል ከኣ ሕጂ ናብ ብዙሓት ሃገራት ተዘርጊሑ’ሎ” ይብል።

ድሕረ ባይታኦም ኣብ ንጥፈታት ህንጻ ስለዝዀነ ኣብ 2010-2011 ናብ ዩጋንዳ ብምኻድ ህንጻ ኣባይቲ (ሪል ስቴት) ጀሚሮም። ኣብ 2013 ናብ ኬንያ መጺኦም፡ ከምኡ እናበሉ ከኣ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ዩጋንዳ፡ ኬንያ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣንጎላ፡ ጋና ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ ሃገራት ጨናፍር ከፊቶም ይነጥፉ ኣለው።

ትካል ከንኣን ካብ ዝሰርሖም ገዛውቲ

ምንጪ ስእሊ, CANAAN DEVELOPERS

ከንኣን፡ ከም ህንጸት ኣባይቲ፡ ንድፊ ‘ኢንተርየር ዲዛይን’፡ ዝተፈላላየ ኣቝሑ ዘፍሪ ፋብሪካ ፕላስቲክ፡ ዓቢ ትካል ጸባ፡ ምስራሕ ጽርግያ፡ እንዳ ጽማቚን ካልእ ንግዳዊ ንጥፈታትን ከምዝሓቘፈ ኢንጂነር በረኸት ይገልጽ።

ሓደ ካብ መስረትትን ዳይረክተርን ትካል ከነኣን ኢንጂነር በረኸት፡ እቶም መሻርኽቲ ካብ ኤርትራ ኣትሒዞም ስራሕ ናይ ምፍጣር ኣምር ከምዝነበሮም፡ ኣብ ዱባይ ምስ ከዱ እውን ከምዝፈተንዎ፡ እንተዀነ እቲ ህይወት ክብድ ስለዝብል፡ ዝሓሸ ዕድላትን ዝወሓደ ተወዳዳርነት ናብ ዝነበራ ደቡብ ሱዳንን ከይዶም፡ ካብኡ ተበጊሶም ሕጂ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ሰፊሕ ዝርገሐ ዘለዎ ትካል ከምዝሃነጹ ይዛረብ።

ኢንጂነር በረኸት ካብ ምውላድና ጀሚርና ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እንወስዶ ውሳነታት ነቲ ዝመጽእ ጕዕዞ ህይወት ከከም ኵነታቱ ከምዝጸሉ ብምግለጽ ኣብ ህይወቱ ካብ ዝወሰዶም ዓበይቲ ውሳነታት እቲ ዘሐጕስ ዝበሎ ይገልጽ።

“ሓደ ካብቲ ዓባይቲ ውሳነታት ዝብሎ ኣብ ዱባይ እንከለና ናብ ምዕራባውያን ሃገራት’ውን ክንከይድ ተኽእሎታት ነይሩ’ዩ። ግን ንሕና ናብ ደቡብ ሱዳን መጺእና፡ እዚ ሓደ ጽቡቕ ውሳነን ጽቡቕ ዕድል ገይርካ ክውሰድ ይከኣል’ዩ” ይብል።

ትካል ከንኣን ካብ ዝሰርሖም ገዛውቲ

ምንጪ ስእሊ, CANAAN DEVELOPERS

ትካል ከንኣን ክሳብ ሕጂ ክንደይ ዝኸውን ገዛውቲ ኣፍርዩ

ትካል ከንኣን ክሳብ ሕጂ ኣብ ኬንያ ጥራይ ልዕሊ 1000 ገዛውቲ ተወዲኡን ኣብ ምውዳእ ከምዝርከብን ብምግላጽ፡ “ኣብ በዓል ደቡብ ሱዳን‘ውን ብዙሕ ገዛውቲ ሰሪሕና ኢና። ኣብ ምስራሕ ጽርግያታት’ውን ንነጥፍ ኣለና። ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ብተመሳሳሊ። ኣብ ዩጋንዳ’ውን ልክዕ ከም ናይ ኬንያ ብዓቢ ደረጃ ኢና ሰሪሕናሉ” ብምባል ኣዝዩ ብዙሕ ገዛውቲ ከምዝሰርሑ ይገልጽ።

እቲ ኣብ ኬንያ ዝሰርሕዎ ገዛውቲ ኣብቲ ዝኸበረ ክፋላት ናይሮቢ ኰይኑ፡ ኣብ ከም ኬንያ ዝኣመሰላ ሃገራት ክሰርሕን ክገዝእን ንዝበለ እቲ ዕድል ንዅሉ ክፉት ስለዝዀነ ዓማዊሎም ኬንያውያን፡ ኢትዮጵያውያን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ዩጋንዳን፡ ካብ ኣውሮጳ፡ ኤስያ ካብ ኣሜሪካን ካልኦት ክፋላት ዓለምን ዝመጽኡ ከምዝዀኑ ይሕብር።

“ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ብብዝሒ ካባና ክዕድጉ ይርኣዩ ኣለዉ። እቲ ንሕና ንሰርሓሉ ከባቢ ኣብ ናይሮቢ፡ ኣብቲ ዝኸበረ ከባቢታት ኰይኑ እቲ ዋጋ ርትዓዊ ከምዝኸውን ኢና ገይርናዮ” ድሕሪ ምባል “ብሓፈሻ ንሕና እንቕርቦ ገዛውቲ ዋጋኡ ካብ 50-200 ሽሕ ዶላር’ዩ ዝበጽሕ፤ በዓል ሓደ መደቀሲ ጀሚሩ ክሳብ ሰለስተ መደቀሲ ነዳሉ ካብኡ ብተወሳኺ ከኣ ቪላታት’ውን ነዳሉ ኢና” ይብል።

ትካል ከንኣን ካብ ዝሰርሖም ገዛውቲ

ምንጪ ስእሊ, CANAAN DEVELOPERS

እዚ ሕጂ ኣጉላዕሊዑ ዘሎ ትካል ከንኣን ብኽንደይ ርእሰ ማል’ዩ ተበጊሱ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኢንጂነር በረኸት ትካሎም ከንኣን ዝብል ስም ካብ መጽሐፍ ቅዱስ ከምዝወሰድዎ ብምጥቃስ፡ “ከንኣን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ መዓርን ጸባን እተውሕዝ መሬት ተባሂላ’ያ እትግለጽ፤ ንሕና ክንጅምር እንከለና ከኣ እቲ ትካል ንብዙሓት በረኸት ክኸውን’ዩ ዝብል ሓሳብ ስለዝነበረና ኢና ከንኣን ኢልናዮ” ይብል።

ትካል ከንኣን ኣብዚ እዋን ክሳብ ሓደ ሽሕ ቀወምቲ ሰራሕተኛታት ከምዘለዉዎን፡ ኣብቲ ስርሓት ህንጻ ከኣ መዓልታዊ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ከምዝሰርሑ ብምግላጽ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ህንጻ [ሳይት] ክሳብ 500 ዝዀኑ ሰራሕተኛታት ከምዝሰርሑ ኢንጂነር በረኸት ይገልጽ።

ኣስዒቡ፡ “እዚ ኣብ ኬንያ’ዩ ኣብ ካልኦት ሃገራት ምስ እንርኢ’ውን ብተመሳሳሊ ካብዚ ናይ ኬንያ ዝሓለፈ ቍጽሪ ሰራሕተኛታት’ዮም ዘለዉ” ይብል።

ኢንጂነር በረኸት፡ ዝዀነ ከምዚ ዓይነት ትካል ንኽምስርት “ቀዳማይ ነገር እቲ ድሌትን እቲ ውሳነን’ዩ፣ ብድሕሪኡ ዝመጽእ እቲ ቅኑዕ ዝዀነ ቦታ ምምራጽ’ዩ፡ ዋጋ ከኣ ብተመሳሳሊ [Return on investemnet] እቲ ወፍሪ ኣብ ክንደይ ግዜ’ዩ ዋጋኡ ከምልስ ዝኽእል ምጽናዕ የድሊ” ይብል።

እቲ ትካል ከበግስዎ እንከለዉ ግን ዋላ ሓንቲ ርእሰማል ከምዘይነበሮም ይዛረብ፤ “ክንብገስ እንከለና ብዜሮ ኢና ጀሚርና፡ ዝዀነ ርእሰማል ኣይነበረናን። እታ ሓንቲ ዝነበረትና ትምህርትና’ያ። እቲ ሓሳብን እቲ ድሌትን እንተሃልዩካ ገንዘብ እቲ ዝተሓተ ቦታ’ዩ ዝሕዝ” ይብል።

ወሲኹ፡ “ዝዀነ ሰብ መበገሲ ክንደይ’ዩ ዘድሊ? ኢሉ እንተሓቲትኒ ‘ዋላ ሓንቲ ኣየድልካን’ዩ እቲ ድሌት እንተሃልዩካ በቲ ዘለካ ጀመር ጥራይ’ እየ ዝብል” ይብል።

ከም ተወሳኺ ሓደ ሰብ ኣብ ዝሓዞ ዕዉት ንኽኸውን፡ ነቲ ዝሓዞ ትልሚ ምሉእ ኣተክሮ ሂቡ፡ ክሰርሓሉ ከምዘለዎ’ውን ይጠቅስ “ንሓደ ነገር ናብ ዝበረኸ ደረጃ ከተብጽሖ እንተዄንካ ምሉእ ኣተኩሮ ክትህቦን ተገዲስካ ክትሕዞን ኣለካ” ይብል።

ኢንጂነር በረኸት በቲ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ዝተመረቐሉ ትምህርቲ ይኣኽለኒ ከይበለ፡ ነቲ ዘለዎ ትካል ኣብ ምምሕዳርን ኣብ ምምእዛንን ንኽሕግዞ ኣብ ኬንያን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ዓበይቲ ጨናፍር ካብ ዘለዉዎን ስሙያት ዩኒቨርስታትን ዝዀነት ስትራትሞር ብዓውዲ ምሕደራ ዋኒን [Masters of business Administration] ተመሪቝ’ዩ። ካብዚ ብምብጋስ ከኣ ዝዀነ ሰብ ነቲ ዝሓዞ ሞያ ብትምህርቲ ከሰንዮ ከምዘለዎ’ውን ይመክር።

ትካል ከንኣን ካብ ዝሰርሖም ገዛውቲ

ምንጪ ስእሊ, CANAAN DEVELOPERS

ሽርክነትን ምምራጽ መሻርኽትን

ኢንጂነር በረኸትን ኢንጂነር ብእምነትን ኣብ 2007 ብሓባር ንከንኣን ድሕሪ ምምስራቶም ክሳብ ሕጂ ብሓባር ዝዓብዩ ዘለዉን ንኣሽሓት ዕድላት ስራሕ ዝፈጥሩ ዘለዉ ኤርትራውያን መሻርኽቲ’ዮም።

ኢንጂነር በረኸት፡ ምስጢር ናይቲ ክሳብ ሕጂ ብፍቕሪ ብሓባር ዘጽንሖም ክገልጽ እንከሎ፡ “ቅኑዕ ዝዀነ ሽርክነት [መሳርሕቲ] ምርካብ ማለት ኣነ ኣብ መንጐ ዓወትን ፍሽለትን ዘሎ ፍልልይ ኢለ’የ ዝገልጾ፤ ምስ ምሳኻ ዝናበብን ዝገጥምን ሰብ ክትሰርሕ እንከለኻ ናይ ምዕዋት ተኽእሎኻ ኣዝዩ ልዑል’ዩ። ኣብ ምርጫኻ ጌጋ እንተፈጺምካ ግን ምውዳቕ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ዝስዕብ ሳዕቤን’ውን ካብ ካልእ ዓወታት ከትርፈካ ይኽእል’ዩ” ይብል።

እቲ ካልእ ምስጢር ኢሉ ዝገለጾ ከኣ፡ “ተማላላኣይ ክትከውን ተመሳሳሊ ድሕረ ባይታ እንተሃልዩካ ከኣ ኣዝዩ ሓጋዚ’ዩ፡ ክብል” ይውስኽ።

ከም ሳልሳይ ነጥቢ “ተኣማሚንካ ፍልልያት ከምዘሎ ኣሚንካ ነቲ ፍልልያት ተቐቢልካ ምሰራሕ’ዩ፡ ሓደ ክትከውን ኣይትኽእል ኢኻ እቲ ኣብ ከምዚ ሽርክነት ዘጋጥም ጸገም ኢለ ዝሓስቦ ኣነ ነቲ ሓደ ከም ናተይ ክሓስብ ካብ ምጽባይ ዝነቕል ኮይኑ ይስምዓኒ” ይብል።

ኢንጂነር በረኸት፡ ዝዀነ ሰብ ነቲ ተጀሚሩ ብዘይ ዓወት ዝፈሽል ሽርክነት ዝያዳ ስለዘስተብህለሉን ስለዝዛረበሉን’ምበር እቲ ዕውት ሽርክነት ከምዝበዝሕ ግምቱ የቐምጥ።

ኣብ ሓደ እዋን ዝተመስረተ ሽርክነት ንሓዋሩ ክቕጽል ከምዘይክእል ብምጥቃስ ከኣ፡ “ሓደ ሽርክነት ናብ ሓደ ደረጃ የብጽሓካ ካልእ ሽርክነት ከኣ ናብ ተወሳኺ ደረጃ የስግረካ” ክብል እቲ ዝምስረት ሽርክነት ዕዉት ንኽኸውን ነዚታት ኣብ ግምት ብምእታው ክምስረት ከምዘለዎ ኣብ ተመኵሮኡ ዝብገስ ምኽሪ የካፍል።

ራኢና ‘Emaar of Africa’ ዝብል እዩ

ትካል ከንኣን ካብ ዝሰርሖም ገዛውቲ

ምንጪ ስእሊ, CANAAN DEVELOPERS

ኢንጂነር በረኸት ኣብ 2006 ናብ ዱባይ ኣብ ዝኸደሉ እቲ ቀንዲ መለለዩ ዱባይ ዝዀነ በዓል ብሩጅ ኣል ኸሊፋን እቲ ካብ ዓለም ብዕብየቱ ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ዝስራዕ ‘ዱባይ ሞልን’ ይስራሕ ከምዝነበረን ንሱ’ውን ብሞያኡ ተቘጺሩ ኣብ ይሰርሕ ምንባሩ’ዩ ዝሕብር።

“እቲ ኢማር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማእከል ከተማ ዱባይ፡ ካብ 2006 ክሳብ ሕጂ ፈጺሙ’ዩ ተቐይሩ” ብምባል “ራኢና ከኣ ‘ኢማር ኦፍ ኣፍሪካ’ ንምስራሕ’ዩ፡ ኣብ ዝኸድክሉ ኣብ ሓጺር እዋን ወዲ ሰብ ከመይ ገይሩ ብተኣምር ክብሃል ዝከኣል ክቕይር ከምዝኽእል እናተማሃርኩን እናተናቓቓሕኩን’የ ዝመጽእ፤ ስለዚ ነቲ ራኢና ንምትግባር ኣብ ምጉያይ ኢና ዘለና” ይብል።

ኢንጂነር በረኸት ትካል ከንኣን ብፍላይ ኣብ ‘ሪል ስቴት’ ኣብ ውሑዳት ዓመት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣዝዩ ብዙሕ ህንጻታት ክሰርሕ ኣብ መደብ ከምዘሎን ነቲ ዝበዝሕ ከኣ ጀሚርዎ ከምዘሎን’ዩ ዝገልጽ።

ትካል ከንኣን ካብ ዝሰርሖም ገዛውቲ

ምንጪ ስእሊ, CANAAN DEVELOPERS

ኣብ ኤርትራን ንኤርትራውያን መንእሰያት ከ?

ኢንጂነር በረኸት ኵሉ ትሰርሖ ክንድ ዝተዓወትካ ተዓወተሉ ክንድቲ ኣብ ዓድኻ ዝህበካ ዕግበት ከምዘይህበካ ብምግላጽ፡ ነገራት ኣብ ዝተጠዓዓመሉ ናብ ኤርትራ ከይዶም’ውን ክሰርሑ ድልዋት ከምዘለዉ’ዩ ዝገልጽ።

“ኣብዚ ዕድላት ስለዘሎ ኢና ንሰርሕ ዘለና፣ ኣብ ኤርትራ ከኣ እቲ ዕድል ምስ ተኸፍተ ናይዚ ንገብሮ ዘሎና ተመሳሳልን ልዕሊኡን ክንሰርሕ ኢና እግዚኣብሄር ይሓግዘና” ይብል።

ኣስዒቡ፡ “ኤርትራዊ ኣብዚ ዞባ መጺኡ ከም ስደተኛ ወይ ጽግዕተኛ ጥራይ ኣይኰነን ዝነብር ዘሎ። ብዙሕ ዕድላት ስራሕ ይፈጥር ኣሎ። ትምህርትን ተመኵሮን’ውን ይድለብ ኣሎ። ኣብቲ ናይ ኤርትራ ነገር ዝተወደኣሉ ከኣ ኣበርቲዕካ ክስራሕ’ዩ፡ ንዕኡ ኢና ንጽበ ዘለና” ይብል።

ኢንጂነር በረኸት ኣብ መወዳእታ ነቶም ኣብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን መዛንኡ፡ ምንኣሱን ምዕባዩን’ውን ናይ ግዳይነት ስምዒት ኣወጊዶም ንኽምዕብሉ ጥራይ እንተሓሲቦም ዘይክኣል ከምዘየለ’ዩ ዝገልጽ።

“ካብ ምውላድ ጀሚርካ ድሕረ ባይታ ደቂ ሰባት ሓደ ዓይነት’ዩ። ኣነ ኣብ ሱዳን ስደተኛ ነይረ። ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ነይረ። ዳግማይ ናብ ስደት ከይደ። እዚ ናተይ ኰይኑ፡ ናይ ዝበዝሕ ካልእ ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ’ውን ተመሳሳሊ ዛንታ’ዩ ዘለዎ፡” ይብል።

“ኣነ እንታይ’የ ዝብል ነቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ነገር ተጠቒምካ ከመይ ጌርካ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ትድይብ ምሕሳብ’ዩ ዘድሊ፡ እቲ ጽግዕተኛ ናይ ምዃን ወይ ግዳይ ናይ ምዃን ስምዒት ከነማዕብል የብልናን” ይብል።

“ከመይ ጌርካ ዝሓሸ መነባብሮ ክትፈጥር ትኽእል ከመይ ጌርካ ክትምሃር ትኽእል ምሕሳብ የድሊ፤ ኣብ በዓል ደቡብ ሱዳን ደረጃ ትምህርቶም ትሑት ክንሱ ተኣምር ዝሰርሑ ኤርትራውያን እርኢ’የ። ስለዚ እቲ ድልየት እንተሃልዩ ብዙሕ ክስራሕ ይከኣል’ዩ። ካብ ዓድና ምውጻእና ዘይተረፈ ኣበርቲዕና ብምስራሕ ነቲ ዝሓዝናዮ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ነብጽሓዮ” ይብል።

ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድን ሃገራትን ዕዉታት ዝዀኑ ኤርትራውያን ብዝምልከት፡ “ብዙሓት ዕውታት ኤርትራውያን ኣለው። ግን ከኣ እቶም ዕውታት ኣሕዋት ኣብነት ብምዃን ተመኵሮኦም ንመንእሰያት ብምክፋል ከነቃቕሕዎ ኣለዎም” ክብል ይመክር።

ገለ ካብ ኣባላት ከንኣን ኣብ ምኽፋት ሓዲሽ ፕሮጀክት

ምንጪ ስእሊ, CANAAN DEVELOPERS

መግለጺ ስእሊ, ገለ ካብ ኣባላት ከንኣን ኣብ ምኽፋት ሓዲሽ ፕሮጀክት