ኮሮናቫይረስ፡ ኤርትራውያን ብዛዕባ ጽምብል ናጽነት ኤርትራ እንታይ ይብሉ

ምንጪ ስእሊ, Eri-Tv
ኤርትራ፡ ትማሊ ሰምበት 24 ግንቦት " ንምክት - ንስጉም!' ብዝብል መሪሕ ቴማ መበል 29 ዓመት በዓል ናጽነቱ ኣኽቢራ።
ናይ ለብዘበን ጽንብል ናጽነት ግን ብርዱእ ምኽንያት ከምቲ ናይ ዝሓለፈ 28 ዓመታት ናጽነት ኣይነበረን።
ማሕበራዊ ውራይን ምትእኽኻብ ሰባትን ዘየፍቅድ ለበዳ ኮቪድ እቲ ዳሳት ኮማት ክትከል፡ ምርኢት ጎደናታት ክስለም ኣየፍቀደን።
እቲ እዋን ከምኡ ይኹን እምበር ስነ -ጥበባውያንስ ብዝከኣሎም ንኽብርን ዝኽርን ናጽነት ዝገልጽ ፍርያቶም ብመገዲ ድምጺ ሓፋሽን ቲቪ ኤረን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ናብ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ኣቃሊሖሙዎም እዮም።
ዋላ እውን ኣብ ስደት ትሃሉ፡ ግንቦት መጽአ ውነኣን ቀልባን ናብ ምድረ ዝኽሪ፡ ናብ ኤርትራ ከምዝዕዘር እትዛረብ ነባሪት ኖርወይ ዘቢብ ነጋሲ፡ "ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ንምርግጋጽ ዝኸፈሎ ከቢድ ዋጋ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነትን ብደሆን ክዝከር ስለ ዝግበኦ፡ ነቲ መሰናድኦ ንዘዳለው ሞያውያን ስነ-ጥበባውያን ሃገርና ምስጋና የቕርበሎም" ክትብል ዝኽርን ክብርን ናጽነት ብኮቪድ ዘይምዕንቃፉን ዕለተ ናጽነት ምስቲ ፍርቂ ክፋል ሕብረተሰብ ኣማኒ ምስልምና ዘኽብሮ ዒድ ብምብዓላ እውን ዝተሰመዓ ሓጎስ ትገልጽ።

ነባሪ እስራኤል ኪዳነ ዑቕባይ እውን "ወርሒ ግንቦት ሰንደቕን ክብረትን ንዘውረሱና ንናጽነት ዝተበጀው ስውኣት አሕዋተይ ስለተዘኻኽረኒ ብፍሉይ ክብሪ እየ ዝዝክራ። ዋላ እውን ብሰንኪ ኮቪድ፡ ከምቲ ዝለመድናዮ ብውዕውዕ ዓጀባ ኣይኹን፡ በቲ ዝቐረበ መደብ ዕጉብ እየ" ብምባል እቲ ዝዓበየ ዝኽርን ክብርን ኣብ ልቢ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ኣብዚ እዋን እዚ ኮቪድ-19 ዝተሰምየ ቫይረስ ብዘሰንብድ ለብዒን ቅልጣፈን ህይወት ኣሽሓት ብምቕዛፉ ሃገራት ዓለም ዓለማዊ ውድብ ጥዕናን ሳይንቲስት እቲ ዓውድን ብዝሃቡዎ ምኽርን መምርሕን፡ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ደሪተን፡ ካብ ናብን ምንቅስቓስ ገቲአን፡ ዶባተን ዓጽየን ንህዝበን ኣኣብ ቤቱ ከምዝውሸብ ስለዝገበራ ኩሉ ዓይነት ንቡር ህይወት ተኾሊፉ እዩ።
ስለዝኾነ ዝኽሪ 29 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ብኸምቲ ዝተባዕሎ ኣገባብ ካብ ኣደራሽን ብመራኸቢ ብዙሓንን ምክያዱ ዝምስገን እዩ ክብል ኣቶ ክዳነ ይገልጽ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምኽንያት እቲ ጽንብል ዝገበሮ መደረ ዝዓበየ ክፋሉ፡ ኤርትራ፡ ንለበዳ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዛጊት ዝወሰደቶ ስጉምትን ንብሕጂ ክውሰድ ዝግበኦ ዝያዳ ጥንቃቐን ዘተኮረ ብምንባሩ እቲ ዶብን ወሰንን፡ ሕብርን ዓሌትን ዘይፈሊ ቀዛፊ ኮቪድ፡ ንምክልኻሉ፡ ማዕረ ክንደይ ልዑል ጥንቃቐን ንቕሓትን ከምዘድልዮ ዘረድእ እዩ።
እቲ ብዝኽረ ሰማእታት ተኸፊቱ ብቛንቋ ትሽዓተ ብሄራት እታ ሃገር ንምክት ንስጉም ንዝብል ቴማ እቲ ዕለት ብምቅላሕ መደባቱ ዝፈለመ ባህላዊ መሰናድኦ፡ ብቅኒትን ዜማን ድምጸውያን ደሚቑ ተዛዚሙ።
ዘሎናዮ እዋን ንኹሉ ዓይነት ዶብ ሰገር ለበዳ ኮቪድን ወራር ኣንበጣን ብሓባራዊ ጻዕርን ውህደትን ንምምካት ሓባራዊ ጽምዶን ሽርክነትን ዝሓትት እዋን ብምዃኑ፡ ኩለን ጎደቦታት ሃገራት እቲ ዞባ ንርጉእ ሰላማዊ ጉርብትና ልዕሊ ማንም እዋን ብክፉት ልብን ሰናይ ድልየትን ክሰርሓ ከምዝግባእ ንህልው ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት እቲ ዞባ ዝከታተል ፕሮፌሰር ዓወት ተወልደ ገሊጹ።

እታ ብኸቢድ መስዋእቲ ዝተረኽበት ኤርትራ፡ ብኣመራርሓ 29 ዓመታት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ካብቲ ናጽነት ዝተጎናጸፈትሉ ዓመታት፡ ብኹሉ መዳያት፡ ብቑጠባዊ ዕብየት፡ ብፖለቲካዊ ኣሳታፍነት፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ብማሕበራዊ ቅልውላውን ብምሽርሻር ባህላዊ ክብርታትን ኣዝያ ንድሕሪት ከምዝተመልሰት ዝገልጹ ተቓወምቲ ፖለቲከኛተት ፕረዚደንት ኢሳይያስን መሳርሕቱን መብጽዓን ሕድርን ሃገራዊ ቃልሲ ከኽብሩ ተማሕጺኖም።
ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ' ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ናጽነት ዝረኸቦ ረብሓ ስለዘየሎ፡ በዓል ናጽነት ምብዓል ትርጉም የብሉን' ንዝብል ርእይቶ ሓደ ሓደ ሰባት ከም ኣብነት ዝጠቅስ፡ ጸጋይ ገብረሂወት፡ " ናጽነት ኤርትራ፡ ህዝቢ፡ ብሉጻት ደቁ ሞባእ ከፊሉ ብኹለንትንኡ ተወፍዩ ዘረጋገጻ ህያብ ስለዝኾነት፡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይትኣቱን እያ። ናጽነት ናይ ህዝቢ እምበር፡ ዕዮ ገዝኦም ብዝግባእ ናይ ዘይፈጸሙ ፖለቲከኛታት ኣይኮነትን" ክብል፡ ሰባት ናጽነትን ሃገርን፡ ሃገርን ስርዓትን፡ ሃገርን ክብረትን እንታይ ማለት ምዃኑ ፈላልዮም ክግንዘቡዎ ኣተሓሳሲቡ።
ንኮቪድ-19፡ "ኣብ ታሪኽ ሰባት መዳርግቲ ዘይርከቦ ኣብ 21 ክፍለ ዘበን ስነፍልጠት በሪኽ ቦታ ኣብ ዝሓዘሉ መዋእል ዝተራእየ ዘጒሂ ህልቂት ሰባት ዘኸተለ'ዩ" ክብል ዝገለጾ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዓለም ጥዕና ህዝባ ንምሕላው ዘበራብር ጻውዒት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኤርትራ፡ መርሓ መጻኢኣ ዘነጽር ጎደና ክእተቅይስ እዋኑ ምዃኑ ሓቢሩ።
እታ ድሩትነት ዓቕማ ተገንዚባ ኣቐድማ ዕጽዋ ዝኣወጀት፡ ሕጽረታት ማይን መባእታዊ ቀረብን ከምዘለዋ ዝንገረላ ኤርትራ፡ ንኩሎም እቶም ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ዝጸንሑ 39 ዜጋታታ ብምልኣት አሕውያ ነናብ ቤቶም ብምፍናዋ ክትምስገን በቒዓ እያ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ እውን ነቶም ዕውት ስራሕ ዝሰርሑ ሓካይምን ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮቪድን ብምምስጋን፡ እቲ ስራሕ ኣፈናዊ ውጽኢት ከምእተረኽቦን ንቐጻሊ ብደሆታት መኸተ ኮቪድ ዝሕግዝ እዚ ዝስዕብ ነጥብታት ኣካቲቱ ኣብ መደርኡ ኣቕሪቡዎ።

ምንጪ ስእሊ, MOI
ንሱ ከኣ፡ ናይ ምክልኻል ብቕዓት ዘሔይል ጻዕሪ ክካየድ፡ ፈለማ ብቕምሶ፡ ዳሕራይ ሓፈሻዊ መርመራ ብምክያድን ብቐጻሊ ብምክትታልን ጥዕና ህዝቢ ምክትታል ክግበር፡ ለበዳ ንምግታእ ካብ ግዳምን ውሽጥን ዝግበር ምንቅስቓስ ሰባት ጥቡቕ ምቁጽጻር ክግበረሉ፡ ዓይነታዊ ምምሕያሽን ዕቤትን ናይ ምርምር (ላበራቶሪ) ትካላት ክብ ክብል፡ ውዳበን ዝርገሐን ዕጥቅን ኣካላት ኣገልግሎት ጥዕና ክሕይል፡ ብቑዕን ዘድምዕን ሞያዊ ጸጋ ሰብ ክምዕብል፡ መድሃኒትን ጥዕናዊ መሳርሕን መሳለጢያታትን ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ክበራበር፡ ምስ ዝተፈላለየ ናይ ወጻኢ ትካላትን ክእለታትን ሞያዊ ምትሕግጋዝ ምዕባይ ዝብል እዩ።
ዝኽሪ መበል 29 ዓመት ናጽነት እምበኣር፡ ንኹሉ ዓይነት ብደሆታት ንምግጣም ዓጸፋ ክስራሕን ክዕየን ከምዘለዎ ብዘዘኻኽር ጻውዒት ፕረዚደንትን መንፈስ መኸተ ብዘሐይል ሃገራዊ ዜማን እዩ ተዛዚሙ።
ይኹን እምበር ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ስደት ዝነብሩ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ክትከልን ሃገራዊ ዕርቂ ተኣዊጁ ዜጋታት ኣብ መኣዲ አሕዋት ዓሲሎም ክርእዩን ዝብህጉ ሃገራውያን ከኣ፡ ፖለቲካዊ ፍልልይ ብዘየገድስ ንኹሎም ደቃ እትሓቁፍ ኤርትራ ክርእዩ ከምዝብህጉ ገሊጾም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







