መራሕቲ ምዕራብ ኣፍሪቃ ናይ ማሊ ተቓዋሚ ክፍታሕ ሓቲቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንታት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ማሊ ዝኾነ ሳውማሊና ሲሰ ክፍታሕ ጸዊዖም።
ሳውማሊና ሲሰ ቅድሚ እቲ ኣብ 25 መጋቢት ዝተኻየደ ባይቶኣዊ ምርጫ እዩ ብዘይተፈለጡ ጉጅለ ተጨውዩ።
እቲ ዝተኻየደ ባይቶኣዊ ምርጫ’ውን ምጥፍፋእ ነይርዎ እዩ ተባሂሉ ሓያል ክርክር ኣላዓዒሉ እዩ ዝርከብ።
እቲ ብመራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝቐረበ ምሕጽንታ፡ ነቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ኢኮዋስ ዝብሃል ዞባዊ ጥርናፈ፡ ንጉዳይ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ማሊ ንምፍታሕ ዝኣተዎ ቃል ንምትግባር ከም ቀዳማይ ስጉምቲ ከምዝወስዶ እዩ ገሊጽዎ።
ኣብ ማሊ ካብ ሰነ ጀሚሮም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ንውሳነ መንግስትን ቤት ፍርድን እታ ሃገር ብምቅዋም ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ምክያድ ይርከቡ።
ክሳብ ሎሚ፡ 11 ካብዞም ሰልፈኛታት ከምዝተቐተሉ’ውን መንግስቲ እታ ሃገር ተኣሚኑ ኣሎ።
ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፤ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ንዝተመረጹ 31 ውልቀሰባት ኣገባብ ኣመራርጽኦም ቅኑዕ ኣይነበረን ኢሉ ካብ ስልጣኖም ምስ ኣውሮዶም እዩ እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተላዒሉ።
ሰልፈኛታት እዚ ምእላይ ኣባላት ባይቶ ንፕረዚደንት ኢብራሂም ባባኮር ከይታ ዘርብሕ እዩ ብምባል እዮም ድምጾም ዘስምዑ ዘለዉ።
እቲ ኣብ 5 ሰነ ዝጀመረ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ካልኣይ ሰሙን ናይ ወርሒ ሓምለ ሞት 11 ሰባት ምስ ተሰመዐ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ከምዝማዕበለ እዩ ዝግለጽ።
እቶም ብሰኑይ ከካብ ዘለውዎ ብቪድዮ ዝተራኸቡ መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ንኹነታት ማሊ የህድእ’ዩ ዝበልዎ ውሳነታት ኣሕሊፎም።
እቶም መራሕቲ፡ መንግስቲ ማሊ ንመራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ሳውማሊና ሲሰ ካብቲ ተኣሲርዎ ዘሎ ንኽፍታሕ ጻዕሪ ከካይዱን፡ መንግስቲ ናይቶም ዝተቐተሉ 11 ሰልፈኛታት ዝምልከት መብርሂ ክህብን ሓቲቶም ኣለዉ።
እቶም ከም መተካእታ ናይቶም 31 ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ኮይኖም ዝኣተዉ ሰባት፡ ካብ ሰልጣኖም ክወርዱን እታ ሃገር ሓዲሽ ምርጫ ብምክያድ ካብ ተቓወምትን ካብ ህሉው መንግሰትን ዝሓቆፈ ልፍንታዊ መንግስቲ ክትተክል’ውን እቶም መራሕቲ ሓሳብ ኣቕሪቦም ኣለዉ።
እቶም መራሕቲ ዞባ ኢኮዋስ፡ ነዚ ሓሳብ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ መዓልታት ተግባራዊ ክኸውንን ነዚ ሓሳብ እዚ ዝቃወሙ ሰባት እገዳታት ክግበረሎም ምዃኑን ኣጠንቂቖም ኣለዉ።
ሰልፈኛታት፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ክወርድ እዮም ዝጠልቡ ዘለዉ፡ እዞም መራሕቲ ግን ነቲ ሕቶ እዞም ሰልፈኛታት ኣብ ዛዕባ ዘተኦም ኣየእተውዎን።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







