ቀዳማይ ሚኒስተር ማሌዥያ ነበር ናጂብ ራዛክ ብሸውዓት ክስታት ብልሽውና ገበነኛ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ቀዳማይ ሚኒስተር ማሌዥያ ነበር ናጂብ ራዛክ፡ በቲ ምስ ብልሽውና ሚልዮናት ዶላር ብዝተሓሓዝ ዝቐረበሉ ሸውዓተ ክስታት፡ ገበነኛ ኮይኑ ከምዝተረኸበ ተገሊጹ።
ንሱ ግን፡ እቲ ዝተኸሰሰሉ 'ምጥሓስ ዝተነበረልካ እምነት፡ ምዝውዋር ዘይሕጋዊ ገንዘብን ስልጣንካ ተጠቂምካ ሰባት ምግፋዕን' ዝብል ክስታት ክስረዘሉ ከምዝተማሕጸነ እቲ ዝወጽአ ጸብጻብ የነጽር።
ክሲ ናይ ቀዳማይ ሚኒሰትር ማሌዥያ ነበር ናጂብ ራዛክ፡ ከም ፈተና ልዕልና ሕጊን እታ ሃገር ኣንጻር ብልሽውና እትገብሮ ዘላ ቃልስን ተገይሩ እዩ ክውሰድ ጸኒሑ።
እቲ ማሌዥያ ከተካይዶ ዝጸነሐት መርመራ፡ ብደረጃ ዓለም ክካየድ ንዝጽነሐ መርበብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ብልሽውናን ዘቃለዐ ምንባሩ’ውን ተሓቢሩ።
እቲ ብሰሉስ ዝተወሃበ ውሳነ፡ ልዕሊ 10 ሚልዮን ዶላር ዘይሕጋዊ ገንዘብ ናብ ውልቃዊ ሕሳብ ናጂብ ራዛክ ከምዝተሰጋገረ እዩ ሓቢሩ።
ናጂብ ራዝክ ግን ነዚ ክስታት እዚ ብምንጻግ፡ እቶም ፋይናንስያዊ ኣማኸርቱ የጋግይዎ ምንባሮም ብምሕባር ብፍላይ እቲ ብመንግስቲ ኣሜሪካን ማሌዥያን ተኸሲሱ ዘሎ ኣማኻሪ ፋይናንስ ነበር ጅሆ ሎው ቀንዲ ተሓታቲ ምዃኑ እዩ ሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒሰትር ነበር ናጂብ ንማሌዥያ ካብ 2009 ክሳብ 2018 እዩ መሪሕዋ።
ናጂብ ራዛክ ገበነኛ ምዃኑ ተገሊጽሉ ዘሎ ክስታት፡ ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር፡ ነብሲ ወከፍ ክሲ ካብ 15 ክሳብ 20 ዓመታት እዩ ዘእስር።
ናጂብ ራዛክ ይግባይ ከምዝብል ሓቢሩ ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







