እስራኤል ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ጉጅለ ሕዝቦላህ መጥቃዕቲ ፈጺማ

እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, AFP

እስራኤል ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ግዝኣታ ኣትዮም ዝበለቶም ዕጡቓት ሓይልታት ሕዝቦላህ ከምዝተኮሰት ኣፍሊጣ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ነቲ ኩነታት ‘ከቢድ ጸጥታዊ ፍጻመ’ ክብል ገሊጽዎ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ኣርባዕተ ኣባላት ሂዝቦላህ ብጎቦታት ዶቭ ኣቢሎም ናብ ግዝኣታ ጥሒሶም ከምዝኣተዉ ትገልጽ። እቲ ከባቢ ኣካል ናይቲ እስራኤል ተቖጻጺራቶ እትርከብ ‘ሲሪያን ጎላን ሃይትስ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ በሪኽቲ ቦታታት ሶርያ እዩ።

“እቶም ኣሸበርቲ ንሊባኖስ ተመሊሶም” ከምዘለዉ ሰራዊት እስራኤል ገሊጹ።

ሃለዋት ናይቶም ዝተተኮሰሎም ዕጡቓት ኣይተፈለጠን። ምክልኻል ሓይልታት እስራኤል ብወገኑ፡ ኣብ ርእሱ ዝበጽሐ ጉድአት ከምዘየለ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ሓደ ዕጡቕ ኣባል ጉጅለ ሕዝቡላህ ብነፋሪት እስራኤል ድሕሪ ምቕታሉ ኣብቲ ዞባ ወጥሪ ሰፊኑ ጸኒሑ’ዩ።

ነቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ናይቲ ዕጡቕ፡ ከምዘይወዓለቶ ክትኣምን ወይ ክትነጽግ ዘይደለየት እስራኤል፡ ሓይልታት ሕዝቦላሕ ሕነ ክፈድዩ ከይሓስቡ ኣጠንቂቓ ነይራ።

ኣብ 2006 ኣብቲ ከባቢ፡ ዕጡቓት ሕዝቦላህ ሸሞንተ እስራኤላውያን ቀቲሎም ክልተ ድማ ምስ ጨወዩ፡ ክልቲኦም ሓይልታት ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ኣካይዶም እዮም።

በቲ ጎንጺ፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ንጹሃት ሌባኖሳውያን፡ ከምኡ ድማ፡ 121 ንጹሃትን 44 ወተሃደራትን እስራኤል ሞይቶም እዮም።