እስራኤል ኣብ መዳጎኒ መዓስከር ሆሎት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክትኣስር ጀሚራ

ስደተኛታት ፓሊሲ መንግስቲ እስራኤል ንምቅዋም ኣብ ዝገበርዎ ሰልፊ
መግለጺ ስእሊ, መንግስቲ እስራኤል ብድሌቶም ምውጻእ ንዝኣበዩ ስደተኛታት ከም ዝኣስሮም ኣጠንቂቑ ነይሩ'ዩ

መንግስቲ እስራኤል ነቶም "ናብ ሳልሳይ ሃገር ክንከይድ ፍቓደኛታት ኣይኮናን" ብምባል ምፍራም ዝኣበዩ ኤርትራውያን ናብ ሳሃሮኒም ዝተባህለ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ከግዕዞም ከምዝጀመረ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ትማሊ ዝጀመረ ስጉምቲ መንግስቲ እስራኤል፡ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 16 ዝኾኑ ኤርትራውያን ናብ ሳሃሮኒም ኬይዶም ኣለዉ።

ከም ዉጽኢቱ ድማ ኣብ መዓስከር ሆሎት ዝርከቡ ኤርትራውያን ካብ ትማሊ ጀሚሮም ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ከምዘጀመሩ ወኪል ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ሆሎት፡ ኣቶ ኣድሓኖም ተኽለሚካኤል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ንሕና ርዋንዳውያን ወይ ዩጋንዳውያን ስለዘይኮና ንፍርመሉ ምኽንያት የብልናን ስለዝበሉ፡ ኣባላት ኢሚግሬሽን ሃንደበት መጺኦም ከካብ መደቀሲኦም ክወስድዎም ጀሚሮም። ምኽፋት መዓስከር ሆሎት ካብ መሰረቱ ዘይሕጋዊ'ዩ ኔይሩ፡ ዝኸፈአ ማእሰርቲ ከኣ ጌና ኣብ ልዕሌና የንጸላሉ ስለዘሎ፡ ነዚ ብምቁዋም ኢና ድማ ንሕና ናይ መግቢ ምሕሳም ስጉምቲ ወሲድና ዘለና፡" ይብል ኣድሓኖም።

ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ሆሎት እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ካብ መዓስከር ሆሎት ምውሳዶም ከም ገበነኛታት ጌሩ ዝወስድ ዝጉምቲ'ዩ

ኣብዚ ዝሓለፍ ቅኒያት፡ ኣብ እስራኤል ዝርከባ ተሓላቕቲ መሰል ስደተኛታትን ዝኾና ማሕበራት፡ ናይ ይግባይ ቤት ፍርዲ'ታ ሃገር፡ ነቲ ብሚኒስትሪ ዉሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ዝቐረበ ጠለብ ምስጓግ ስደተኛታት ብምንጻግ፡ ካብ ሰራዊት ንዝሃደመ ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ናይ ዑቕባ ሑቶኡ ቅኑዕ ከምዝኾነ ኣፍሊጠን ከምዝነበራ ይፍለጥ።

ኣፈኛ ማሕበር 'ሆትላይን ፎር ማይግረንትስ ኤንድ ረፍዩጂስ'፡ ድሮር ሳዶት፡ "እቲ ቤት ፍርዲ ዘሕለፎ ዉሳኔ፡ ኣብ ልዕሊ ጉዳይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ካልኦት ዑቕባ ዝሓትቱ ዘለዉ ኤርትራዉያን ከይተረፈ ዓቢይ ጽልዊ ክህልዎ'ዩ፡" ኢላ ነይራ።

ይኹን እምበር፡ እዚ መንግስቲ እስራኤል ወሲዱዎ ዘሎ ስጉምቲ ነቲ ኤርትራውያን ተስፋ ጌይሮሙሉ ዝነበሩ ብይን ቤት ፍርዲ ይግባይ'ታ ሃገር ኣብ ናይ ሕቶ ምልክት ከምዝኣትዉ ጌይሩዎ ኣሎ።

እቲ ናብ ሳልሳይ ሃገር ምስዳድ ዝብል ዉጥን ነቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ሱዳናውያን ስደተኛታት'ውን ዝጸሉ'ዩ።