ሩስያ 10 ኣመሪካውያን ዲፕሎማት ካብታ ሃገር ክወጹ ኣዚዛ: ኣብ 8 ሰበ ስልጣን እገዳ ኣንቢራ

ኤምባሲ ኣመሪካ ሞስኮ: ሩስያ: ሚያዝያ 15 2021

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሩስያ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ብሓሙስ ኣመሪካ ዘንበረትላ እገዳ፡ 10 ኣመሪካውያን ዲፕሎማት ትሰጉግን ሸምንተ ዋና ሰበስልጣን ኣመሪካ ኣብ ጸሊም መዝገብ ተስፍርን ምህላዋ ተገሊጹ።

ካብቶም ናብ ሩስያ ከይኣትው ተኣጊዶም ዘለው፡ ዳይሬክተር ትካል ስለያ ኣመሪካ፡ ኤፍቢኣይን ዋና ኣኽባር ሕጊ ኣመሪካን ይርከብዎም።

ዋይት ሃውስ፡ እቲ እገዳ ግብረ መልሲ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዝተካየደ ብ 'ሶላርዊንድስ' ዝፍለጥ ተግባር ስርሰራ፡ ንዩክረይን ምፍርራሕን፡ ኣብ ምርጫ ኣመሪካ 2020 ዝተገብረ ምትእትታውን ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓርፈፈ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።

ሩስያ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ናብ ዩክረይን ክተጸግዕ እንከላ፡ መራኽብ ኲናት ኣመሪካ ናብ ጸሊም ባሕሪ ገጸን ብምንቅስቓሰን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣመሪካ ምስ ምምራዝ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ ኣሌክሲ ናቫልኒ ብዝተሓሓዝ ንሸውዓተ ሰበስልጣን ሩስያን ብርክት ዝበሉ መንግስታዊ ትካላትን ዒላማ ገይራ እያ። ሩስያ ግና ከም ዘይወዓለቶ እያ ትገልጽ።

ኣብዚ ሰሙን ግና ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንሩስያዊ መዘንኡ ቭላድሚር ፑቲን ንዘተ ክዕድም እንከሎ፡ ሞስኮ ብእወታ ከም እትርእዮን ግምት ሂባቶ ምህላዋን ገሊጻ።

በቲ እገዳ መን እዩ ተጸልዩ?

ሞስኮ 10 ኣመሪካውያን ዲፕሎማት ካብ'ታ ሃገር ክወጹ ክትእዝዝ እንከላ፤ ሸሞንተ ሰበስልጣን ኣመሪካ'ውን ናብታ ሃገር ከይኣትው ኣጊዳ ኣላ። ካብ መንጎ እቶም ሰበስልጣን

• ዋና ኣኽባር ሕጊ ኣመሪካ መሪክ ገርላንድ

• ዳይሬክተር ኤፍቢኣይ ክሪስቶፈር ዉረይ

• ኣማኻሪ ውሽጣዊ ፖሊሲ ኣመሪካ ሱዛን ራይስ ይርከብዎም።

ፖላንድ ሓሙሽተ ሩስያውያን ዲፕሎማት ድሕሪ ምብራራ፤ ሓሙሽተ ፓላንዳውያን ዲፕሎማት'ውን ቦርሳኦም ክጥርንፉ ተነጊሮም እዮም።

ኪንዮ ምብራር 10 ሩስያውያን ዲፕሎማት፡ ኣመሪካ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2020 ጽልዋ ክፈጥሩ ፈቲኖም ከምኡውን ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዘርጊሖም ኢላ ንዝኸሰሰቶም 32 ትካላትን ሰበ ስልጣንን ሩስያ ዕላማ ገይራ ኣላ።

ብዘይካ'ዚ ፋይናንስያዊ ትካላት ኣመሪካ ካብ ሰነ ንደሓር ካብ ሩስያ ቦንድ ከይዕድጉ ተኣጊዶም ኣለው።