ሩስያ፡ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ህጻናት ዝርከብዎም 11 ሰባት ተቐቲሎም

እቲ መጥቓዕቲ ዝተፈጸመሉ ስኩል ናምበር 175

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቲ መጥቓዕቲ ዝተፈጸመሉ ስኩል ናምበር 175

ኣብ ሩስያ ከተማ ካዛን ኣብ ልዕሊ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብዝተኸፈተ ቶኵሲ ትሽዓተ ህጻናት ዝርከብዎም 11 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሰብ መዚ ሩስያ ሓቢሮም።

ነቲ ቶኵሲ ክልተ ሰባት ከምዝኸፈትዎን ሓደ ጥርጡር ወዲ 19 ዓመት ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎ'ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ መጥቃዕቲ ካብ ከተማ ሞስኮ ንሸነኽ ምብራቕ 820 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ እዩ ተፈጺሙ።

ኣብቲ ከባቢ ብርቱዕ ነቱጒ ከምዝተሰመዐን ሓደ ካብቶም ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ኣብ ራብዓይ ደርቢ ህንጻ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ከምዝተቐተለ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ካዛን ብብዝሒ ሙስሊም ዝነብርዋ ኣብ ታታርስታን እትርከብ ከተማ እያ።

ድሕሪ እቲ ነቱጒ ብዱሩዓት መካይን ዝተሰነዩ ወተሃደራት ኣብ ከባቢ እቲ መጥቓዕቲ ዝተፈጸመሉ ስኩል ናምበር 175 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ትምህርቲ ተራእዮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ድሕሪ እቲ ነቱጒ ብዱሩዓት መካይን ዝተሰነዩ ወተሃደራት ኣብ ከባቢ እቲ መጥቓዕቲ ዝተፈጸመሉ ስኩል ናምበር 175 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ትምህርቲ ተራእዮም
Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ድሕሪ እቲ ነቱጒ ብዱሩዓት መካይን ዝተሰነዩ ወተሃደራት ኣብ ከባቢ እቲ መጥቓዕቲ ዝተፈጸመሉ ስኩል ናምበር 175 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ትምህርቲ ከምዝተራኣዩን፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ስእሊ ተማሃሮ ካብቲ መጥቓዕቲ ነብሶም ንኸድሕኑ ብፍኒስትራ እናነጠሩ እንከለዉን ዝተሃረሙ ሰባት ናብ ሕክምና እናተወሰዱ እንከለዉን ዘርኢ እዩ።

ፕረዚደንደት ታታርስታን፡ ሩስታም ሚኒክሆኖቭ ንጋዜጤኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 12 ህጻናት ተማሃሮን 4 ዓበይትን ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ምህላዎም ብምሕባር "ሓደ ካብቶም ግብረሽበራውያን ተታሒዙ ኣሎ፡ ወዲ 19 ዓመት እዩ" ኢሉ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ካብ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ፖሊስ ንሓደ ጥርጡር ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ መሬት ኣውዲቆም ኣብ ትሕሪ ቁጽጽር እናኣእተውዎ ይርኣዩ።