ሩስያ፡ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ህጻናት ዝርከብዎም 11 ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ሩስያ ከተማ ካዛን ኣብ ልዕሊ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብዝተኸፈተ ቶኵሲ ትሽዓተ ህጻናት ዝርከብዎም 11 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሰብ መዚ ሩስያ ሓቢሮም።

ነቲ ቶኵሲ ክልተ ሰባት ከምዝኸፈትዎን ሓደ ጥርጡር ወዲ 19 ዓመት ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎ'ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ መጥቃዕቲ ካብ ከተማ ሞስኮ ንሸነኽ ምብራቕ 820 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ እዩ ተፈጺሙ።

ኣብቲ ከባቢ ብርቱዕ ነቱጒ ከምዝተሰመዐን ሓደ ካብቶም ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ኣብ ራብዓይ ደርቢ ህንጻ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ከምዝተቐተለ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ካዛን ብብዝሒ ሙስሊም ዝነብርዋ ኣብ ታታርስታን እትርከብ ከተማ እያ።

ድሕሪ እቲ ነቱጒ ብዱሩዓት መካይን ዝተሰነዩ ወተሃደራት ኣብ ከባቢ እቲ መጥቓዕቲ ዝተፈጸመሉ ስኩል ናምበር 175 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ትምህርቲ ከምዝተራኣዩን፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ስእሊ ተማሃሮ ካብቲ መጥቓዕቲ ነብሶም ንኸድሕኑ ብፍኒስትራ እናነጠሩ እንከለዉን ዝተሃረሙ ሰባት ናብ ሕክምና እናተወሰዱ እንከለዉን ዘርኢ እዩ።

ፕረዚደንደት ታታርስታን፡ ሩስታም ሚኒክሆኖቭ ንጋዜጤኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 12 ህጻናት ተማሃሮን 4 ዓበይትን ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ምህላዎም ብምሕባር "ሓደ ካብቶም ግብረሽበራውያን ተታሒዙ ኣሎ፡ ወዲ 19 ዓመት እዩ" ኢሉ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ካብ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ፖሊስ ንሓደ ጥርጡር ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ መሬት ኣውዲቆም ኣብ ትሕሪ ቁጽጽር እናኣእተውዎ ይርኣዩ።