እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሲኖፋርም፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ናይ ቻይና ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ረብሓ ክውዕል ፍቓድ ሂቡ
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብመንግስቲ ቻይና ብዝመሓደር ኩባንያ ሲኖፋርም ዝፈረየ ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ ንህፁፅ ግዘ ኣብ ረብሓ ክውዕል ፈቒዱ።
እዚ ክታበት በቲ ውድብ ኣብ ረብሓ ክውዕል ፍቓድ ዝረኸበ፡ ካብ ምዕራባውያን ወፃኢ ዝተሰርሐ ፈላማይ ክታበት ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ክታበት ቅድሚ ፍቓድ ምርካቡ'ውን፡ ኣብ ቻይናን ካልኦት ከባብታትን ንሚልዮናት ሰባት ተባፂሑ እዩ።
ክታበታት ፋይዘር፣ ኣስትራዜኒካ፣ ጆንሰን ኤንድ ጆንሰንን ሞደረናን፡ ቅድም ኢሎም ብውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍልጦ ዝረኸቡ እዮም።
ዝተፈላለያ ሃገራት ግና፡ ቅድም ክብል ናይ ቻይና ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ረብሓ ክውዕል ምፍቃደን ይዝከር።
ቅድም ክብል ኣብ እንታይነት እቲ ክታበት ውሑድ ሓበሬታ ጥራሕ ስለዝተወዝዐ፡ ውፅኢታውነት ክታበታት ቻይና ኣይተፈለጠን ኔሩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ "ድሕንነት፣ ውፅኢታውነትን ፅሬትን" ክታበት ሲኖፋርም ከምዘረጋገፀ ሓቢሩ።
እቲ ውድብ፡ እዚ ክታበት ፍቓድ ምርካቡ፡ "ሰራሕተኛታት ጥዕናን ንሓደጋ ዝተቓልዑ ዜጋታትን ንምክልኻል ዘኽእል ተበፃሕነት ክታበት ኮቪድ-19፡ ናይ ምቅልጣፍ ዓቕሚ ኣለዎ" ኢሉ።
እዚ ክታበት ዕድሚኦም ልዕሊ 18 ንዝኾኑ ሰባት፡ ብኽልተ ዙር ንክወሃብ ይምከር።
ካልእ ኣብ ቻይና ዝተሰርሐ ክታበት ሲኖቫክ'ውን፡ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ውሳነ ክረክብ ትፅቢት ይግበር።
ናይ ሩስያ ክታበት ስፑትኒክ'ውን ኣብ ግምገማ ይርከብ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ፍቓድ ምሃቡ እንታይ ረብሓ ይህልዎ?
እዚ ካብ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ተዋሂቡ ዘሎ ፍቓድ፡ ክታበት ድሕንነቱ ዝተሓለወን ውፅኢታውን ምዃኑ ንተቖፃፀርቲ መረጋገፂ እዩ።
ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ እዚ ውሳነ፡ ሃገራት "ናይ ባዕለን ናይ ስሪት መቆጻጸሪ ንምቅልጣፍ ድፍረት ዝህበን እዩ" ኢሉ።
እዚ ክታበት ኣብ ሞንጎ ዝዓበያን ድኻታት ሃገራትን፡ ፍትሓዊ ተበፃሕነት ንክህልዎ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተጣየሸ ዓለምለኸ መደብ ኮቫክስ ኣቢሉ፡ ኣብ ረብሓ ክውዕል ይኽእል እዩ።
ኣብ ህፁፅ ግዘ ኣብ ረብሓ ዝውዕል እዚ ናይ ቻይና ክታበት ፍቓድ ምርካቡ፡ ናይ ቀረብ ፀገም ንዘጋጠሞ መደብ ኮቫክስ ልዑል ድጋፍ ክህብ ትፅቢት ይግበር።
ውድብ ጥዕና ዓለም ክታበት ሲኖፋርም ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ፍቓድ ቅድሚ ምሃቡ፡ ብግምት 65 ሚልየን ብልቃጥ ሶኖፋርም ኣብ ረብሓ ከምዝወዓለ ሓበሬታት የመልክቱ።
እዚ ክታበት ካብ ቻይና ብተወሳኺ፡ ኢማራት ዓረብን ሃንጋሪን ይጥቀማሉ ኣለዋ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ክሊኒካዊ መረዳእታትን ዝፈረየሉ ከይዲን ብምግምጋም እዩ፡ ክታበት ሲኖፋርም ኣብ ህፁፅ ግዘ ኣብ ረብሓ ክውዕል ኣፅዲቑ።
እዚ ክታበት ምልክት ኮሮናቫይረስ ንዘርኣዩን ሓሚሞም ናብ ሆስፒታል ንዝኣተዉን፡ 79 ሚእታዊት ውፅኢታዊ ከምዝኸውን ተገሚቱ ኣሎ።
እንተኾነ ኣብ እዋን ፈተነ ቁፅሪ ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ውሑድ ብምዃኑ፡ ነዚ ክሊ ዕድመ ዘለዎ ውፅኢታውነት ምፍላጥ ከምዘይተኽኣለ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊፁ።
ይኹን'ምበር እዚ ክታበት ብዕድመ ኣብ ዝደፍኡ ሰባት ብፍሉይ መንገዲ ይሰርሕ እዩ ኢልካ ዘሕስብ ምኽንያት ከምዘየለ ተሓቢሩ።
ክታበት ሲኖፋርም፡ ከም ክታበት ኣስትራዜኒካ ኣብ ስሩዕ መዝሓሊ ክቕመጥ ዝኽእል ምዃኑ፡ ቀንዲ ጥቕሚ እቲ ክታበት ኮይኑ ኣሎ።