እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንህዝባ መከላኸሊ ኮቪድ-19 ክትከትብ ጀሚራ
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ትጥቐመሉ ዘላ ክታበት ጸረ ኮቪድ-19፡ ብቻይናዊ ትካል ሲኖፋርም ዝፈረየ ኮይኑ ብመልክዕ መርፍእ ዝውሃብ እዩ።
እቲ መስርሕ ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ኣብ ርእሰ ከተማ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣቡዳቢ እዩ ጀሚሩ ዘሎ።
ኣብታ ከተማ፡ ብውሑዱ ኣብ 45 ሆስፒታላትን ክሊኒካታን እቲ ክታበት ክውሃብ ከምዝጀመረ ጸብጻባት ሓቢሮም።
በዚ መሰረት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ነቲ ብቻይናዊ ትካል ሲኖፋርም ዝፈረየ ክታበት ኣብ መዓላ ዘውዓለቶ ናይ መጀመርታ ሃገር ኮይና ኣላ።
እቲ ብቻይናዊ ትካል ዝማዕበለ ክታበት ጸረ ኮቪድ-19፡ ብመልክዕ መርፍእ ምስ ተወሃበ ሰባት ንሕማማት ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ዝህልዎም ዓቕሚ ዘጎልብት ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ።
ነበርቲ ከተማ ኣቡዳቢ፡ ናብ ማእከል ጥዕና ብምኻድ ንኽኽተቡ ቆጸራ ይሕዙ ከምዘለዉን እቲ ክታበት ብነጻ ይውሃብ ምህላዉን’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ብመሰረት ካብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 186,000 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ክህልውዋ እንከለዉ 618 ሞት ድማ ኣመዝጊባ።