እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮቪድ፡ ኣብ መላእ ብሪጣንያ ፈላሚ ክታበት ክወሃብ ጀሚሩ።
ድሮ ኣብ ኣስታት 50 ሆስፒታላት ናይታ ሃገር፡ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ሕሙማትን ክኽተቡ ውዒሎም።
ሰራሕተኛታት ሆስፒታል፡ ንወይዘሮ ማርገረት ኪንነን (ኣደ-ዓባይ)፡ ፈላሚ ክታበት ኮቪድ ሊት ክትኮኒ ኢኺ ምስ በልዋ ዋዛ እዩ መሲልዋ ነይሩ።
"ክሳብ ሕጂ ናብ ውሽጢ ኣካላተይ ዝኣተወ ኣይመስለንን" ትብል ንሳ። "ኣብዚ ግዜ እዚ ከመይ ከመ ዝስምዓኒ ኣይፈልጥን፤ ግን ዘይልሙድ ስምዒት እዩ። እቲ ክታበት ናይ ብሓቂ ክውን ምዃኑ ዘሐጉስ እዩ" ኢላ።
ኣብ ዝመጽእ ሰሙን 91 ዓመታ እተኽብር ወይዘሮ ኪንነን፡ "እቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበንን ዝብህጎን ዝበለጸ ህያብ ናይ ዕለተ ልደተይ እዩ" ትብል።
ብምቕጻል " ንዝበዝሐ እዋን እዚ ዓመት እዚ ንበይነይ እየ አሕሊፈዮ። ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ግን ምስ ቤተ ሰበይን አዕሩኽተይን ከሕልፎ ትጽቢት ይገብር ኣለኹ" ኢላ ብልዑል ተስፋ።
ንሳ ናይ ማዕከናት መራኸቢታት ሸፈነ ብዙሕ ከም ዘይትግደሰሉ፡ ግን ከኣ ክታበት ናይቲ ሓደገኛን ቀዛፍን ሕማም ብምርካባ ከኣ ከምዝተሓጎሰትን ሓቢራ።
"እቲ ዝገበርኩዎ ካልኦት ሰባት መጺኦም ከምዚ ኣነ ዝገበርኩዎ ክፍትኑ ክሕግዝን፡ ነዚ ዝኸፍአ ሕማም ንምሽናፍ ከኣ እቲ ዝበለጸ ነገር ክገብሩን ተስፋ ይገብር" ከኣ ኢላ።
'ንደቂ ደቀይ ክርእዮም እየ'
ዓመተ 2020 "ኣብ ሂወተይ እታ ዝኸፍአት ዓመት እያ ኮይናትኒ" ይብል ኣብ መጋቢት በዓልቲ ቤቱ ዝሞተቶ ኦብሪ በይስ።
እዚ ወዲ 96 ዓመት ኣቦ ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሩ ንበይኑ እዩ ተፈልዩ ዝነብር ነይሩ። ንሱ ብተወሳኺ "በይነይ ተፈልየ ክነብር ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ" ይብል።
ብተወሳኺ ክኽተብ ድሌት እንተለዎ ንኽፈልጡ ክሓትዎ ምስ ደወሉሉ "ካብ መጠን ንላዕሊ እየ ተሓጒሰ" ይብል።
"ዝመጽእ ዓመት ዝጽበዮም ክልተ ደቂ ደቀይ ስለዘለዉ፡ ከይደ ክርእዮም ክኽእል እየ። እዚ ዓቢ ተኣምራት ክኸውን እዩ።"
'ነዚ ዕድል እዚ ሽለል ኣይብሎን'የ'
ዶክተር ሃሪ ሹክላን በዓልቲ ቤቱ ራንጃንን ካብቶም ኣብ ኒውካስትል ኣቐዲሞም ዝተኽትቡ ኣስታት 100 ዝኸኑ ሰባት እዩ።
"ኣብዚ ኣገዳሲ ንጥፈት ክሳተፍ ዕድል ብምርካበይ ኩርዓት ይስምዓኒ" ኢሉ።
"ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ሂወት ብዙሓት ንኸድሕኑ ለይትን መዓልትን ይሰርሑ ስለዝነበሩ፡ እዚ ኣብ ጽቡቕ እዋን ዝተረኽበ ክታበት ብሸለልትነት ኣይርእዮን እየ" ክብል ይገልጾ።
ዶክተር ሹክላ፡ ብ1974 ኣብ ዩጋንዳ ተወሊዱ ዳሕራይ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተወ ሞያዊ እዩ። ዳይረክተር ናይ ታይነ አንድ ዊር ራሻል ኢኳሊቲ ካውንስል ነይሩን፡ ተሸላሚ ናይ ሲቢኢ ብምዃን ከኣ በቲ ዝገበሮ ናይ ርክብ ስራሕ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ከኣ ጅግና ናይ ከተማ ኒውካስትል ተባሂሉ ተሰምዩ።
ንሱ ነቲ ኣብቲ ማሕበረ ኮም ዘለዎ ጽፍሒ ተጠቂሙ ንኻልኦት እቲ ክታበት ውሑስ ከም ዝነበረ ክነግሮም ይደሊ እሉ።
"ከድኩም ተኸተቡ ይብል ኣለኹ። እዚ ክታበት ክህልወኩም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ብዘደንቕ ኣገባብ እዩ ተሰሪሑ፡ እቶም ዝሰርሕዎ ከኣ ብቕዓት ብዘለዎ መንገዲ እዮም ሰሪሖሞ፡ ከምኡ'ውን እዚ ክታበት እዚ እቲ ኣሎ ዝበሃል ዝበለጸ ክታበት እዩ።"
'ዝመጽእ ዓመት ንቡር ሂወት ክንነብር ኢና ኢለ ተስፋ ይገብር'
ወዲ 98 ዓመት ጃክ ቮክስ ሕማም ካንሰር ዘለዎን ንሓምሽተ ሰሙናት ኣብ ሆስፒታል ዝጸንሐን ኮይኑ፡ ኣብዘን ቀረባ መዓልታት ግን ናብ ገዝኡ ክምለስ እዩ።
ኣብ ብሪስቶል ናይ መጀመርያ ክታበት ምቕባሉ "ኣዝዩ ደስ ኢሉኒ" ብምባል ይገልጾ።
ኣቶ ቮክስ በይኑ ከም ዝነብር ድሕሪ ምግላጹ እዚ ወሰድዎ ዘሎ ክታበት ንቤተ ሰቡ ማለት ነተን ሽድሽተ ደቂ ድቁ ሓዊስካ ክርእዮም ከም ዝሕግዞ ተስፋ ኣለኒ ይብል።
ንሱ ከም ዝበሎ "ኣነ ካብ ነብሰይ ንላዕሊ ብዛዕባ ስድራይ እየ ዝሓምም" ኢሉ።
"ኣብ መፋርቕ ናይ ዝመጽእ ዓመት ንቡር ሂወት ክንነብር ኢና ኣብ ዝብል ተስፋ እየ ዝነብር ዘለኹ።"
'ብርሃን ኣብቲ መወዳእታ ናይ ገለርያ'
ኣብ ሳልፎርድ ሮያል ኢንፈርማሪ ሰራሕተኛ ናይ ክፍሊ መጥባሕቲ ዝኾነ ሚክ ኒወል ኣብ ወርሒ ለካቲት ኮቪድ-19 ድሕሪ ምልካፉ ብቀጥታ ናብ ኣሃዱ ጽዑቕ ክንክን ኣትዩ።
ንሱ "መሓዙተይ እንዳ ሓለዉኒ ንትሸዓተ መዓልታት ጸኒሐ" ብምባል ይዝክር። "ኣዝዩ ዘፍርሕ እዋን ነይሩ።"
ንሱ ብዛዕባ ክታበት ናይ ኤንኤችኤስ፡ "ተኣምራት እዩ፡ ኣይኮነን እንድዩ፧ ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሮም ኣብ ገዛ ተዓጽዮም ዝጸንሑ ሰባት ስለዘለዉ፡ እዚ ዓቢ ተስፋ እዩ ንዕኦም፡ ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ጫፍ ናይቲ ገለርያ ገለ ጩራ ብርሃን ክርእዩ ክኢሎም ኣለዉ ኢሉ።
"ኣብ ምትእኽኻባት ናይ ሂወት ምኻድ ክጅምሩን ናብቲ እዚ ሓድሽን ንቡርን ሂወት ዝወስደና ኣንፈት ከኣ ክንከይድ ኢና።"
ወዲ 60 ዓመት ኣቶ ኒወል፡ እዚ መድሃኒት ሓድሽ ስለዝኾነ ጥራሕ ከም ዘይጠቕም ክውሰድ የብሉን ኢሉ። ብተወሳኺ "ከምቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ኤንኤችኤስ እምነትና ክነሕድር ኣለና" ኢሉ።
"ገለ ቁሩብ ውሕስነት ክስምዓኒ እዩ'
ጓል 81 ዓመት ካትሊን ቫነይ ኣብ ፕሊማውዝ ኣብ ዝርከብ ደሪፎር ዝተባህለ ሆስፒታል ዝተኸትበት፡ ሕጂ ካብ ገዛ ንምውጻእ ኣይፈርሕን እየ ትብል።
ንሳ "እዚ ነዓይ ካብ ገዛ ክወጽእን ማሕበራዊ ክሳተፍን ዓቢ ዕድል እዩ ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን እዚ ንውልቀይ ኣብ ገዛ ተዓጽየ ካብ ኩሉ ማሕበራዊ ሂወት ተኸልኪለ ስለዘለኹ፡ ክወጽእ ከለኹ ውሕስነት ክስምዓንን እዩ" ትብል።
"ወጺአ ኣብ ደገ ክበልዕን ኣብ ዕዳጋታት ከይደ ባዕለይ ክሕድግን ዝመስሎ የልቦን።"
ወይዘሮ ቫነይ ናይ ካንሰር ምክትታል ክትገብር ናብ ሆስፒታል ትኸይድ ከም ዝነበረትን ናይዚ ክታበት ዕድል ምስ ተዋህባ ከኣ ሓሳባታ ክትቅይር "ኣስታት ክልተ ካልኢታት" ከም ዝወሰደላ ትሕብር።
"ነዚ ክትጥቀመሉ ዘይምኽኣል ዕሽነት ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል" ትብል ንሳ። "ወላ ሓንቲ ነገር ዘፍርሕ የብሉን።"
'እዚ ናይ መጠረሽታ ዕንቕፋት ኮይኑ ይስምዓኒ'
ጓል 28 ዓመትን ኣብ ዳንድራም ኣብ ካውንቲ ዳውን ተሓጋጋዚት ሓኪምን ሲስተር ጆዋና ስሎን፡ ኣብ ሰሜናዊ ኣየርላንድ ካብቶም ቀዳሞት ተጠቀምቲ ናይዚ ክታበት ብምዃና "ክብሪ ይስምዓኒ" ኢላ።
"እዚ ንዓይን ኣብ ከባብየይ ዝርከቡ ካልኦት ሰባት ኣብ ምድሓን እቲ ናይ መጠረሽታ ዕንቕፋት እዩ ኮይኑ ይስምዓኒ" ንመደብ ጉድ ሞርኒን ኣልስተር ቢቢሲ ሓቢራ።
ስሎን ኣብ በልፋስት ኣብ ምቁጽጻር ናይዚ ክታበት መሪሕ ተራ እትሕዝ፡ ንመዓልቲ መርዓኣ ብሰንኪ እዚ ለበዳ ኮቪድ-19 ከተመሓላልፎ ተገግዲዳ።
ኣብዚ እዋን እዚ ግን ንሳ ንጓል ሓምሽተ ዓመት ጓላ ብዛዕባ እቲ ዝወሰደቶ ክታበት ክትነግራ ከም ዝኾነት ሓቢራ።
ንሳ ደጊማ "ጓለይን ኩሎም መቕርብን የዕሩኽትን ክሕጎሱ ይደልዮም" ትብል።