እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ "ኣፍሪቃ መፈተኒ ክታበት ኣይትኸውንን" ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም
ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ 'ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ ክፍተን ኣለዎ' ንዝብል ሓሳብ ክልተ ፈረንሳውያን ዶኳትር 'ዓሌታዊ' ክብል ነቒፉ።
"ኣፍሪቃ ንዝኾነ ዓይነት ክታበት መፈተኒ ክትኸውን ኣይትኽእልን ኣይትኸውንን" ክብል ነቲ ርእይቶ ብትሪ ተቓዊሙ።
እቶም ክልተ ዶካትር ኣብ ናይ ቴለቪዥን ፕሮግራም ቀሪቦም ዝሃብዎ ንብዙሓት ከቖጥዕ ከሎ፡ ንኣፍሪቃውያን ከም "ከም ናይ ጊኒ ኣናጹ" ብምሕሳቦም ተነቒፎም።
ሓደ ካብቶም ዶካትር ጸኒሑ ይቕረታ ሓቲቱ እዩ።
ብዛዕባ'ዚ ተሓቲቱ መልሲ ዝሃበ ዶክተር ቴድሮስ፡ ቁጥዕኡ ብቕሉዕ እናተርኣየ ነቲ ርእይቶ ዶካትር ሕዳር ናይ "መግዛእታዊ ኣተሓሳስባ" ክብል ገሊጽዎ።
"ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ካብ ተመራመቲ ከምዚ ዝበለ ርእይቶ ምስማዕ ዝወረደን ዘሕፍርን'ዩ" ዝበለ ዶክተር ቴድሮስ ነዚ ብምኹናን "ከረጋግጸልኩም ዝደልዩ ነገር እዚ ፈጺሙ ኣብ ኣፍሪቃ ኣይኸውንን" ኢሉ።
እቶም ዶካትር እንታይ'ዮም ኢሎም?
ክልቲኦም ፈረንሳውያን ዶካትር ኣብ ሓደ መደበር ቴሌቪዥን ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ኣውሮጳን ኣወስትራልያን ዝግበር ፈተነ ክታበት ይዛረቡ ነይሮም።
ዤን ፖል ሚራ ዝተበሃለ ድማ "እዚ ፈተነ ግን ኣብታ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይብላ፤ ሕክምና'ውን ኣብ ዘይተማልአላ ኣፍሪቃ ክነካይድ ዘለና ይመስለኒ" ክብል ርእይትኡ ሂቡ።
ቅድሚ ሕዚ ምርመራ ኤይድስ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ብምዝኽኻር ከኣ ሕዚ'ውን እቲ ፈተነ ኣብኡ ክካየድ ከምዘለዉ ኣረዲኡ።
ምስኡ ዝነበረ ዶክተር ሎሼት ብወገኑ ንሓሳቡ ከምዝቕበል ርእሱ ብምንቕናቕ እናገለጸ "ልክዕ ኣለኻ፤ ኣብ ኣፍሪቃ'ውን ምርምር ንምክያድ ንሓስብ ኣለና" ክብል ተዛሪቡ።