'ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ምስ ዓማጺየይ ተወሺበ ኣለኹ'

ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት ይውሰድ ብዘሎ እገዳ ምንቅስቓሳት፡ ዳርጋ መላእ ህዝቢ ዓለም ካብ ገዝኡ ይወጽእ የሎን።

ጉዳይ ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ዝኾኑ ሰባት ግን፡ ብምኽንያት እዚ ሙሉእ ንሙሉእ ምዕጻው ዝብል ስጉምቲ ብዙሓት ሃገራት: ተዓፊኑ ከይተርፍን ከይኸፍእን ይስጋእ።

ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ፡ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ጻውዒት ስልኪ እዋን ሓደጋ ብ65 ሚኢታዊት ወሲኹ'ዩ።

ኣብ ቀረባ ድማ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ድኻታት ሃገራትን ንኣሽቱ ኣባይትን ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮን፡ ብዛዕባ ዝበጽሐን በደል ንምጥራዕ ዝህልወን ዕድል ዕድል ጸቢብ እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

ቢቢሰ፡ ኣብዚ እዋን ብምኽንያት ኣዋጅ ምዕጻው ምንቅስቓሳት: ዓማጺና እዩ ምስ ዝብልኦ ሰብ ተዓጺየን ዘለዋ ንኽልተ ደቂ ኣንስትዮ ኣዘራሪቡ ኣሎ።

ጌታ፡ ህንዲ

እዚ ቃለ መሕትት ህንዲ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምዕጋት ናይ 21 መዓልታት ምዕጻው ቅድሚ ምእዋጃ እዩ ተኻይዱ።

ጌታ፡ ኣብ ጎድና ደቂሱ ዘሎ ሰብኣያ ክሕርንኽ እንከሎ፡ ወጋሕታ ሰዓት 5፡00 እያ ካብ ድቃሳ ነቒሓ።

ሽዑ ለይቲ፡ ሰኺሩን ኮርዩን እዩ ናብ ገዛ መጺኡ። ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ፡ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ዝጥቀሙ ሰባት ውሑዳት ስለ ዝኾኑ፡ መዓልታዊ እቶቱ ካብ 1500 ሩፒ ናብ 700 ሩፒ [ኣስታት 20 ዶላር] ጎዲሉ እዩ።

እዚ ማለት፡ እቲ ስድራ ዝረኽቦ ዝነበረ መዓልታዊ እቶት ብሰለስተ ኢድ ነክዩ።

በዓል ቤታ ንጌታ: ዝሰትያ ዝነበረት ታኒካ ስፕራይት ናብ መንደቕ እቲ ገዛ እናደርበየ፡ "ክሳዕ መዓዝ ኢና ከምዚ ኢልና ክንቕጽል?" ክብል ይጠርዕ።

ቪጃይ [ሽም በዓል ቤት ጌታ]፡ ብዙሕ ኣይጸንሐን ናብታ ኩሉ ኣባል እታ ስድራ ዝድቅሰላ ፍርናሽ ከይዱ ወደቐ፤ በጥ በለ።

"ነቶም ደቀይ ከረጋግኦም ብዙሕ ግዘ ወሲዱለይ፤ ብዙሕ ግዘ ኣቦኦም ክበሳጮ ርእዮምዎ'ዮም፡ ናይ ሕጂ ግን ዝኸፍአ እዩ። ኣቑሑ ክደራቢ፣ ንዓይ'ውን ብጸጉረይ ክጎተኒ ርእዮም" ትብል።

በዓል ቤት ጌታ፡ ክትዝክሮ ንዘይትኽእል ግዘ ብተደጋጋሚ ሃሪሙዋ'ዩ፤ እቲ ናይ መጀመርታ ኣብ ናይ መርዕኦም ለይቲ'ዩ ነይሩ።

ሓደ ግዘ ጠንጢናቶ ክትኸይድ ፈቲና፡ ደቃ ክትወስድ ስለ ዘየፍቀደላ ግን ምስኡ ተሪፋ።

ሞሃላ ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ትሑት እቶት ዝረኽቡ ሰባት ኣብ ዝነብሩላ ገጠር እዮም ዝነብሩ።

መዓልታዊ፡ ማይ ክትቐድሕ ሓደ ኪሎ ሜትሮ ዝኸውን ብእግራ ትጉዓዝ።

ማይ ሒዛ ናብ ገዛ ምስ ተመለሰት'ውን እንተኾነ፡ ምስ ጎረባብታ እናውግዐት ኣሕምልቲ ሒዙ ዝመጽእ ዓረብያ ክትጽበ ካልእ ሓላፍነት ይጽበያ።

ነታ ዕለት ዝኸውን መግቢ ምስ ዓደገት፡ ደፋእፋእ ምባል ቑርሲ ብምድላው'ያ ትጅምር። ሰብኣያ ንጉሆ ሰዓት ሸውዓተ ምስ ወፈረ፡ ንምሳሕን ንእሽቶ ዕረፍትን'ዩ ዝምለስ፤ ክልተ ዓበይቲ ደቁ ካብ ትምህርቲ ምስ ተመለሱ ድማ ደጊሙ ይወፍር።

"14 መጋቢት ትምህርቲ ምስ ተዓጸወ ግን፡ ኩሎም ነገራት ተቐይሮም። እቶም ቖልዑ ኣብ ገዛ ምውዓል ምስ ጀመሩ፡ ሰብኣየይ እንክሪኦም ቀጭቀጭ ከብሎ ጀሚሩ።

"ኹል ግዘ ኹርኡ ኣባይ'ዩ ዘንፍሶ ነይሩ፤ ሕጂ ግን ብንኡሽቶ ነገር ነቶም ቖልዑ ክኹርየሎም ጀሚሩ። ድሓር ኣነ፡ ኹርኡ ኣባይ ክውድእ ኢለ ዝኾነ ነገር ኢለ ከዛርቦ ምስ ዝብል ኣይሰምዓንን። ብዙሕ ግዘ ብሓባር ብዝወዓልና ቑጽሪ፡ ንሱ ናይ ምስማዕ ተኽእሉኡ ይንኪ ኣሎ" ትብል ጌታ።

ጌታ ሓደ መደብ ነይሩዋ፤ በዓል ቤታ አብ ስራሕ እንከሎ፡ ገዛ ኣጽርያ ምስ ወድአት: ደቂ ኣንስትዮ ክዳን ምስፋይ፣ ምንባብን ምጽሓፍን ናብ ዝመሃራሉ ካብቲ እትነብረሉ ከባቢ ውጽእ ኢሉ ናብ ዝርከብ ሓደ ህንጻ ክተከይድ።

ጌታ፡ ብቑጠባ ንርእሳ ንምኽኣልን ደቃ ናጻ ንምውጻእን ሞያ ክትመሃር ትደሊ።

ኣብቲ ቤት ትምህርቲ፡ ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጻት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ዝሕግዙ ሰብ ሞያ ስነ ልቦና'ውን ተላልያ ነይራ።

እንተኾነ ህንዲ ካብ 24 መጋቢት ጀሚሩ ን21 መዓልታት ዝጸንሕ ምዕጻው ምንቅስቓሳት ምስ ኣወጀት፡ ጌታ እውን ካብቲ ተሓቢኣ ብምኻድ ሞያ ክትቀስመሉ ዝጀመረት ቦታ ተረፈት።

እቶም ኣማኸርቲ'ውን እንተኾኑ፡ ነዘን ግዳያት ዝረኽብሉ ኣጋጣሚ የለን።

ቪምለሽ ሶላንኪ፡ ሳምብሃሊ ንዝተብሃለ ኣብ ዞባ ራጃስታን ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ኣብ ዝኾነት ጆድፑር'ዩ ዝርከብ: ደቂ ኣንስትዮ ዝሕግዝ ትካል ብሰናይ ፍቓዳ ተገልግል።

ንሳ ኮሮናቫይረስ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንዝኸፍአ ሓደጋ ዝተቓልዓ ክኾና ገይሩ'ዩ ትብል።

"ሙሉእ ንሙሉእ ምዕጻው ማለት፡ መዓልታዊ ምርባሽ ማለት'ዩ፤ ሕጂ ምንቅስቓስ ስለ ዘየለ፡ መግቢ ንምምጻእ ድኳን ንክረኽባ ነዊሕ ክጉዓዛ እየን። ከምዚ ዝበለ ጭንቀት ዝፈጥር ኩነታት ድማ፡ ነቶም ዘቤታዊ ዓመጽ ምብጻሕ ዝለመዱ: ቖስቛሲ ይኸውን ኣሎ ማለት'ዩ" ትብል።

ካይ፡ ኒውዮርክ ኣሜሪካ

ካይ፡ ቀስ ኢላ ቴሌፎና ብምስሓብ፡ "ኣደይ ምሳኻ ክጸንሕ እያ ትደሊ" ዝብል መልእኽቲ ጽሒፋ ልኣኸት።

እቲ ዝበጽሓ ቅልጡፍ መልሲ፡ "ጸገም የብሉን" ዝብል ስለ ዝነበረ፡ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ካልኣይ መዓልቲ ፈጺመ ኣይኣትዎን ኢላ ናብ ዝመሓለትሉ ገዛ ክትኣቱ ተገዲዳ።

"እግረይ ናብቲ ገዛ ካብ ዝኣተወትላ ካልኢት ጀሚሩ፡ ኣብ ርእሰይ ዝነበረ ኩሉ ነገራት ቅሂሙ፤ ኩሉ ዋላ ስምዒታተይ ጠፊኡ" ትብል።

ካይ ናብ ገዛ ንዓመታት ኣካላውን ጾታዊ መጥቃዕቲ የብጽሐለይ ነይሩ ናብ እትብሎ ወላዲ ኣቡኣ እያ ኸይዳ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ካይ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ብቐሊሉ ዝሓልፍ እዩ ኢላ ትሓስብ ነይራ። ግን ድማ፡ ከምቲ ብዙሓት ዝሓሰቡዎ ኣይኮነን ዝኸይድ ዘሎ።

ኣዲኣ ኣብ እትሰርሐሉ ድንኳን ዝነበረ ኩነታት ዕረፍቲ ዝህብ ኣይነበረን። ብዛዕባ እዚ ኣብ ልዕሊ 170 ሃገራት በጺሑ ዘሎ ቫይረስ ዝወጽኡ ዜናታት፡ ሰብ ኩሉ የሰንብዱዎ ነይሮም።

ኣብ ድንኳን ምስራሕ፡ መዓልታዊ ምስ ብዙሓት ዓማዊል ስለ ዘራኽበካ፡ ስምዒታቶም ክትዕዘብ ዕድል ትረክብ።

ኣደ ካይን መሳርሕታን'ውን፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዓማዊል ብምትእንጋድ ዘሕልፉዎ መዓልቲ ብጭንቂ ዝተኸበበ ነይሩ።

ግና ነዊሕ ኣይቐጸለን፤ እቲ ድንኳን ኣገልግሎቱ ከም ዝዓጹን ሰራሕተኛታቱ ድማ ክመጽኡ ከም ዘይብሎምን ሓቢሩ።

ኣደ ካይ ንሰዓት 15 ዶላር እትኽፈለሉ ስርሓ ስኢና፤ ንሓሙሽተ መዓልታት ጥራሕ መድሕን ጥዕና ከም እትረክብ ተነጊራ።

ብጸገም ጥዕና ኣእምሮ ትሳቐ ዝነበረት ኣደ ካይ፡ እዚ ኩነታት መሊሱ ከጋድደላ ጀመረ። "ጸጸኒሓ ትቑጣዕ፤ ኣብዚ ነገራት ጽቡቕ ኣይኮኑን ዘለው . . . ናብ ኣቦኺ ኪዲ ትብለኒ ነይራ" ትብል ካይ።

ካይ፡ ኣዲኣ ንክትረጋጋእ ብዙሕ ትጽዕር፤ ኩርኣ ክሳዕ ዝዝሕለላ ድማ ናብ መደቀሲ ክፍላ ኣትያ ትጸንሕ'ሞ፡ ተመሊሳ ናብ ኣዲኣ ትመጽእ። ግን፡ "ኣብዚ እንታይ ትገብሪ ኣለኺ" ትብላ።

ካይ፡ ካብቲ ወላዲ ኣቡኣ ዘብጽሐላ ዝነበረ ኣካላውን ጾታውን መጥቃዕቲ ዝሓደገላ በሰላ ንምንጋፍ ሕክምና ምውሳድ ካብ እትጅምር ቁሩብ ኣዋርሕ እየን ተቖጺረን።

ጌና እግሪ ተኽሊ እናሃለወት ይብድላ ከም ዝነበረ ትዛረብ። ክሳብ ሕጂ ድማ ንኣዲኣ ኾነ ሓፍታ ብዛዕባ እቲ ዝበጽሓ መጥቃዕቲ ኣይተዛረበትን።

እቲ ክትወስዶ ዝጀመረት ሕክምና ክትረጋጋእ፣ ዝሓሸ መጻኢ ከም ዘለዋ ክስምዓ ይሕግዛ ከም ዝነበረ ትገልጽ።

እታ ሕክምና እትህባ ዝነበረት ግን፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ እቲ ሕክምና እትወስደሉ ቦታ ክዕጾ ምዃኑ ሓበረታ። ዝሓለፈ ሓሙስ ድማ፡ ናብ ኣቡኣ ተመሊሳ።

"ኩል ግዘ ምሳይ ኣሎ፤ ቀትሪ ቴሌቪዥን ይርኢ፤ ምሸት ድማ ናይ ግብረ ጽዩፍ ፊልሚታት ክርኢ ይሰምዖ" ትብል።

ንጉሆ ተላዒሉ ንቑርሱ ዝኾኑ ነገራት ከዳሉ ከሎ'ውን ትሰምዖ እያ። "ንጉሆ፡ እቲ ናይ መጥሐኒ ማሽን ድምጺ ክሰምዕ ከለኹ ብጣዕሚ እየ ዝጸልኦ"።

እቲ እትድቅሰሉ ክፍሊ ስለ ዘይዕጾ፡ ናብቲ ኣቡኣ ዝነብረሉ ገዛ ካብ እትኸይድ ጀሚሩ ጽቡቕ ድቃስ ረኺባ ከም ዘይትፈልጥ ትገልጽ።

ካይ ክተሕርቖ እንከላ፡ ኣካላዊ መጥቃዕቲ የብጽሐላ ነይሩ፤ ስለዚ ሕጂ ንሱ ካብ ዝርከበሉ ቦታ ኹሉ ርሒቓ ኣብ ክፍላ ኮይና ግዝኣ ተሕልፎ ኣላ። እንትርፎ ሽቓቕን መግብን ደልያ፡ ካብቲ ክፍሊ ኣይትወጽእን።

"ኣብ ዝኾነ ጋሻ ታሪኽ ውሽጢ ንነብር ዘለና የምስል፡ ብዛዕባ እቲ ዝበጽሐኒ መጥቃዕቲ ግን ዋላ ሓደ ነገር ኣይዛረብን። እዚ ኩነታት ዝዓብድ ዘለኹ መሲሉ ክስምዓኒ እዩ ዝገብረኒ፤ ክሳብሕጂ ዋላ ሓደ ነገር እንተዘይገበረ'ውን፡ ስግኣት ግን ይቐትለኒ ኣሎ" ትብል።

ኣዲኣ ተመሊሳ ክትወስዳ ተስፋ ትገብር። ወይ ድማ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብቂዑ ካልእ እትነብረሉ ቦታ ክትረክብ ትብህግ።

ኮሚሽነር ዘቤታዊ መጥቃዕቲ ኢንግሊዝን ዌልስን ኒኮሌ ጃኮብ፡ ፖሊስ ዘቤታዊ መጥቃዕቲ ኣመልኪቶም ዝድወሉ ቴሌፎናት ንምቕባል ድሉዋት'ዮም ኢላ።

"ኣብዚ ግዘ ዝፍጸሙ ዘቤታዊ ዓመጻት ክውስኹ'ዮም ኢልና ስለ እንግምት፡ ፖሊስ እዚ ንምክትታል መደብ ሒዙ ኣሎ። እዚኦም ቐዳምነት ዝወሃቦም ጻውዒታት ስልኪ'ዮም" ኢላ።

'ዓይንን እዝንን'

ዋና ዳይሬክተር ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ሕቡራት ሃገራት ፕሁምዚል ምላምቦ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ነዚ ጸገም ተቓላዕቲ ምስ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ንዝሰርሑ ዘለው ሰባት ህጹጽ ናይ መከላኸሊ ክዳን ከም ዘድልዮም ሓቢራ።

"ንዘቤታዊ መጥቃዕቲ ተቓላዕቲ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ንምሕጋዝ ኣብ ባይታ ንዝሰርሑ ዘለው ሰራሕተኛታት ዝኸውን ገንዘብ ከድልየና እዩ፤ እዚ ጉዳይ ቐዳምነት ተዋሂቡዎ ዓለምለኻዊ ሓገዝ ገንዘብ መንግስታት የድልዮ" ትብል።

ናይ ብጽሑለይ ጻውዒት ስልኪ ዘለወን ኣሜሪካን ዓባይ ብረዒጣኒያን ጥራሕ ኣይኮንናን ክንርኢ ዘለና፤ ኣብ ምዕባይ ዘለዋ ሃገራት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ክንርስዐን የብልናን ኢላ።

"ኣብ ትሑት ማሕበረ-ቑጠባዊ ዓቕሚ ዘለወን ብዙሓት ሃገራት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ሓደ ገዛ ክልተን ልዕሊኡን ኮይነን ስለ ዝነብራ፡ ኣብ ገዛ ብዛዕባ ዝበጽሐን ጾታዊ መጥቃዕቲ ሓበሬታ ክህባ ይጽገማ እየን። ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እቲ ኽፉእ ለበዳ ኢቦላ ምስ ተልዓለ፡ ኣብ ገዛ ዝበጽሕ ዘቤታዊ ዓመጽ ከም ዝውስኽ ተሞኩሮ ኣለና" ኢላ።

ሽም እተን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ተቐይሩ'ዩ።