እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ትግራይ ብስልኪ ትምህርታዊ ኣገልግሎት ይወሃብ ኣሎ
ኣብ ትግራይ ብስልኪ ትምህርታዊ ኣገልግሎት ይወሃብ ኣሎ፤ እቲ ኣገልግሎት ፈተነ ትምህርቲ ኣብ ስልኪ ብፅሑፍ (ተሌ ቱተሪንግ) ኣብ መቐለ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ፈለገ ህይወት እዩ ዝወሃብ ዘሎ።
ብሰንኪ ለበዳ ኮረናቫይረስ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብያተ-ትምህርቲ ክዕፀዋ ከምዝወሰነ ይፍለጥ።
ተምሃሮ ኣብ ገዛ ብምውዓሎም ካብ ትምህርቲ ከይበኹሩን እቲ ዝወስድዎ ዝነበሩ መስርሕ ትምህርቲ ክቕፅልን ዝዓለመ መደብ ይካየድ ኣሎ።
እቲ መደብ ብምትሕብባር፡ ቢሮታት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ትምህርትን ምስ እርግብ ኣገልግሎት ትምህርቲ ይወሃብ'ሎ።
ኣተሓባባሪት እቲ ውጥን ኢንጅነር ኣስቴር ይተባረክ ንቢቢሲ እንትገልፃ፡2000 ተምሃሮ ቤት-ትምህርቲ ፈለገ ህይወት ኣብ ገዛኦም ኮይኖም ይመሃሩ ኣለዉ ኢለን።
"ተምሃሮ ትምህርቲ ተዓፅዩ እዩ ኢሎም ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከይርሕቑ፣ ኣብ ገዛ እንትውዕሉ ምስ ወለዶም ኰይኖም፡ ኣብ ትምህርቲ ክፅመዱ ንምኽኣል፣ ትምህርቲ ዘላቒ ምዃኑ ክፈልጡን ምስ መማህራኖም ከይበታተኹን ዝሕግዝ መደብ እዩ" ኢለን ኢንጅነር ኣስቴር።
ብመሰረት እዚ ናብ ሕድሕድ ተምሃራይ፡ 1,050 ፅሑፍ ብስልኪ ንምልኣኽ፡ ቢሮ ሳይንስን ቴክኖሎጂን 50 ብር ይኸፍል።
መምሃራን ስልጠና ብምውሳድ፡ ተምሃሮ ኣየናይ ዓይነት ትምህርትን ንፁር ኣርእስትን ምስ ዕዮ ገዛ መዓልታዊ ናብ ተምሃሮ ይልእኹ።
ብሰንኪ እቲ ለበዳ ትምህርቲ ምቁራፁ ስዒቡ፡ ቢሮ ትምህርቲ ኣገልግሎት ትምህርቲ ብሬድዮ ይህብ ምህላዉ ይፍለጥ። ኢንጅነር ኣስቴር ግን ተምሃሮ ንትምህርቲ ብሬድዮ ብቐልቢ ኣይከታተልዎን ዝብል እምነት ኣለወን።
ውፅኢታዊ እዩ ተባሂሉ ዝተኣመነሉ፡ ናብ ነብሲወከፍ ተምሃራይ ኣብ ስልኪ ብፅሑፍ ብምልኣኽ፡ ንወለዲ ስልኪ እናደወልካ ምክትታል እዩ ይብላ።
ወለዲ በቲ ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎት ሕጉሳት ምዃኖም ይገልፁ ኣለዉ ዝብላ ኢንጅነር ኣስቴር፡ ወለዲ ባዕሎም ስልኪ ብምድዋል ክትትል ይገብሩ ኣለዉ ኢለን።
ርእሰ መምህር ቤት-ትምህርቲ ፈለገ ህይወት ገብረኺዳን ኣድሓኖም፡ እቶም ተምሃሮ ካብ ክፍልትታ ቀዳማይ ክሳብ ሻምናይ ዝመሃሩ ኰይኖም፡ ዝበዝሑ ህፃናት እዮም ኢሎም።
እዞም ህፃናት ናብ ፀወታ ስለዘዘዝዉ ጠቕሊሎም ከይርስዕዎ፡ ሓጋዚ መደብ ትምህርቲ ይወሃብ ምህላዉ ንቢቢሲ ገሊፆም።
"ምስቲ ሕማም ጥንቃቐ ክንገብር ስለዝግባእ፡ ኣብ መዓልቲ ክልተ ወይ ሰለስተ መማህራን ኢና ንፅውዕ፤ እታ ዝህብዋ ትምህርቲ እሞ ድማ ካብታ ጠጠው ዝበሉላ ብናይ ኢድ ስልኪ ብፅሑፍ ክልእኹሎም ንገብር ኣለና። ብመሰረት'ዚ ወለዲን ተምሃሮን ሕጉሳት ምዃኖም ኣረጋጊፅና ኣለና" ኢሎም።
ንቢቢሲ ርእይትኦም ዝሃቡ ወለዲ ብግደኦም፡ ነቲ ሕማም ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ፡ ደቆም ኣብ ገዛ እንትውዕሉ ካብ ትምህርቲ ዝተፈለዩ መሲሉ ከይስመዖም፡ እቲ ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎት ትምህርቲ ፅቡቕ ሜላ ምዃኑ ይዛረቡ።
እቲ መደብ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ፈለገ ህይወት ንፈተነ ዝወሃብ ዘሎ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።
ቤት-ትምህርቲ ፈለገ ህይወት፡ ተምሃሮ ካብ ቤት-ትምህርቲ፡ ዘይተኣረመ ጌጋ ሒዞም ከይወፅኡ ብምግባር፡ ካብ ጌጋ ሓራ ንምውፃእ ዝዓለመ ኣብ ኢትዮጵያ ክፍፀም ዝተጀመረ ውጡን ዝካየደላ ዘሎ ብሕታዊ ቤት-ትምህርቲ ኢያ።
እቲ ለበዳ ምስ መፅአ ግን ተምሃሮ ኣብ ገዛ እንከለዉ ዝመሃርሉ ሜላ ከምዝተምሃዘ መግለፂ ኢንጅነር ኣስቴር ይተባረክ የረድእ።