ለበዳ ኮቪድ-19፡ መርከል ድኻ ሃገራት ክታበት ኮሮቫይረስ ዝረኽባሉ መገዲ የሻቕላ

ቻንስለር ጀርመን ኣንጌላ መርከል፡ ድኻ ሃገራት ዓለም ክታበት ኮቪድ-19 ብዛዕባ ዝረኽባሉ መገዲ ከም ዘሻቕላ ገሊጻ።

ኣንጌላ መርከል ኣብቲ መራሕቲ ንዜጋታቶም ማዕረ ብጽሒትን ክፍፍልን ስራሕ ዝምልከት ቃል ዝኣትውሉ ዘለው ኣኼባ ሃገራት ጉጅለ 20 እያ ነዚ ተዛሪባ።

ኣብዚ፡ ሃፋትም ሃገራት ብምኽንያት እዚ ለበዳ ቑጠብአን ንዝተሃሰያ ድኻታት ሃገራት ከም ዝሕግዛ ዝተመጻብዓ ኮይነን፡ እንታይ እየን ክሕግዛ ዝብል ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃባን።

ቻንስለር ጀርመን ግን፡ "ክሳብ ሕጂ ዝተገብረ ነገር ዘይምህላዩ ኣዐርዩ ስለ ዘተሓሳስበኒ፡ ንድኻ ሃገራት ዝወሃብ ክታበት መዓዝ ከም ዝጅመር ሕጂ ምስ ዓለምለኸ ጥምረት ክታበት ክንዘራረብ ይግባእ" ኢላ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ውጽኢታዊት ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ክታበታት ኮሮናቫይረስ ከም ዝተረኸቡ ተገሊጹ ኣሎ።

ነዚ ክታበት ዘማዕበሉ ኩባንያታት ፋይዘርን ባዮንቴክን ከምኡ'ውን ሞዴርና ኮይኖም፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ከም ዝኽእሉ ይእመን።

ኩባኒያ ፒፋይዘር፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት 50 ሚሊየን ክታበት ከም ዘፍሪ ክገልጽ እንከሎ፡ ሞዴርና ድማ ንኣመሪካ ጥራሕ ኣብ ቀረባ መዓልታት 20 ሚሊየን ክታበት ከም ዘፍሪ ሓቢሩ'ዩ።

ካብዚ ብዝብገስ ኣመሪካ፡ 11 ታሕሳስ 2020 ገለ ኣመሪካውያን ክታበት ኮሮናቫይረስ ክረኽቡ ከም ዝጅምሩ ወግዓዊ ገይራ ኣላ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ መላእ ዓለም ን60 ሚሊዮን ሰባት ክለክፍ እንከሎ፡ ኣስታት 1.4 ሚሊዮን ሰባት ከኣ በዚ ቫይረስ ሞይቶም።

ጉባኤ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20'ውን፡ "ንኹሎም ሰባት ተመጣጣንን ፍትሓዊ ተበጻሕነትን እቲ ክታበት ንምርግጋጽ ጻዕሪ ክንገብር ኢና" ኢሉ።

ኣኼባ ሃገራት ጉጅለ 20 ስዑዲ ዓረብያ ዘአንገደቶ ኮይኑ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብበይነ መርበብ እዩ ተኻይዱ።

ሚኒስትሪ ፋይናንስ ስዑዲ መሓመድ ኣል-ጃዳን "ሓንቲ ሃገር ንድሕሪት እንተገዲፍናያ ኩላትና ንድሕሪት ክንተርፍ ኢና" ዝብል ሓበራዊ ስምምዕ ኣብ ሞንጎ እተን ኣባል ሃገራት ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።