90 ሚእታዊት ውፅኢታዊ ዝኾነ ክታበት ኮሮናቫይረስ ተረኺቡ

ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ 90 ሚእታዊት ዝከላኸል ፈላማይ ክታበት ኮሮናቫይረስ ተረኺቡ።

እዚ ደቂሰባት ብኮሮናቫይረስ ከይልከፉ ዘኽእል ፈላማይ ክታበት ልዕሊ 90 ሚእታዊት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘለዎ ብኣፈናዊ ምርመራታት ተረጋጊፁ።

ነዚ ክታበት ዘማዕበሉ ኩባንያታት ፋይዘርን ባዮንቴክን፡ ነዚ ክታበት “ንሳይንስን ወድሰብን ኣገዳሲ ዕድል” ክብሉ ገሊጾምዎ።

እዚ ክታበት ኣብ ሽድሽተ ሃገራት ኣብ 43,500 ሰባት ዝተፈተነ እንትኾን፡ ኣብ ውሑስነት እቲ ክታበት ዝተልዓለ ስክፍታ የለን።

እዚ ክታበት ኣብ መወዳእታ ናይ'ዚ ወርሒ ኣብ ረብሓ ክውዕል፡ እቶም ትካላት ብህፁፅ ክፀድቀሎም ድማ ይሓትቱ።

ክሳብ ሕዚ፡ ኣስታት ደርዘን ክታበታት ኮሮናቫይረስ ዋላ’ኳ ኣብ መወዳእታ ብርኪ ፈተነ እንተሃለዉ፡ እዚ ክታበት እዚ ግና ፈላማይ ውፅኢት ዘርኣየ እዩ።

እዚ ብሙሉእ ፈተነ ዝሓለፈ ክታበት፡ ብመርፍእ ዝውጋእ እዩ።

ነዚ ክታበት ንምፍታን በብ ሰለስተ ሰሙን ኣፈላላይ፡ ብክልተ ምዕራፍ ከምዝተውሃበ ተገሊፁ።

እዚ ክታበት ኣብ ሃገራት ኣሜሪካ፣ ጀርመን፣ ብራዚል፣ ኣርጀንቲና፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ቱርኪን ዝተፈተነ እንትኾን፡ ንካልኣይ እዋን ክታበት ምስተውሃበ፡ 90 ሚእታዊት ከምዝከላኸል ተረጋጊፁ።

ኩባንያ ፋይዘር ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት፡ 50 ሚልዮን መጠን ዘለዎ ክታበት ከምዘቕርብ፡ ክሳብ መወዳእታ ዓመት 2021 ድማ፡ 1.3 ቢልየን ከምዘቕርብ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እንተኾነ፤ እቲ መድሓኒት ትሕቲ 80 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ኣብ ዝዝሕል ቦታ ክቕመጥ ስለዘለዎ፡ ብድሆ ከምዝኾነ እዩ ዝግለፅ ዘሎ።

እቲ ክታበት፡ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ክሳብ ክንደይ ይዘልቕ ዝብል ብንፁር ዘይምቕማጡ እውን፡ ካልእ ዝተልዓለ ተወሳኺ ሕቶ ኮይኑ ኣሎ።

ብሪጣንያ፡ 30 ሚልዮን ካብዚ ክታበት ንምዕዳግ ኣዚዛ ኣላ።