እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክታበት ኮሮናቫይረስ 'ንህይወት ናብ ንቡር ከምዘይመልሶ' ተመራመርቲ ኣጠንቂቖም
ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ጽድያ ክታበት ኮሮናቫይረስ ነዚ ዘሎ ኩነታት ህይወት ናብ ንቡር ከምዘይመልሶ፡ ተመራመርቲ ኣጠንቂቖም።
መብዛሕትኡ እዋን ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ምውዳእ ለበዳ ዓቢ ተራ ከምዝጻወት እዩ ዝግልጽ።
ብደረጃ ዓለም ኣስታት 200 ዝኾኑ ክታበታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ምምዕባል ከምዘሎን፡ ነቲ ክታበት ኣብ ግዚኡ ናብ ዕዳጋ ክቐርብ ሓያል ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎን፡ ይፍለጥ።
ኣብ ኮሌጅ ኢምፐርያል ትሰርሕ ዶክተር ፊዮና ካሊ፡ ክታበት፡ ለበዳ ኣብ ምጥፋእ ዓቢ ኣስተዋጽኦን ተስፋን ዘስንቕ ዋላ’ኳ እንተኾነ፡ ታሪኽ መፍረ ክታበት ከምዝሕብሮ፡ ብዙሕ ገልጠምጠም ከምዘለዎ ኣነጺራ።
ኣብዚ ዓመት ገለ ሰባትን ክኢላታት ኣማኸርቲ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያን፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ክረኽቡ ብዙሕ ተስፋ ዘለዎምን፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት፡ ጃምላዊ ክታበት ክግበር ትጽቢት ይገብሩ።
እንተኾነ፡ ሮያል ሶሳይቲ ዝተብሃለ ማሕበር፡ እቲ መስርሕ ነዊሕ ግዘ ከምዝወስድ ኣጠንቂቖም።
“ዋላ’ኳ እቲ ክታበት እንተተረኺቡ፡ ኩሉ ሰብ ሽዑ ንሽዑ ክኽተብ ኣይኮነን። ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ክሳብ ዓመት ክወስድ ይኽእል” ይብል ዶ/ር ኒላይ ሳሃ። እቲ ህይወት ድማ ሃንደበት ናብ ንቡር ከምዘይምለስ ሓቢሩ። ኣብ ቅድሚት ሓያል ብድሆ ከምዘሎ'ውን ኣስሚሩሉ።
ዘይተመለሱ ሕቶታት
ኣብ ኮሌጅ ኢምፐርያል ሓለፊ ስነ-ብየና (immunology ) ፕሮፈሰር ቻርለስ፡ “ኣድማዒ ዝኾነ ክታበት መዓስ ከምዝዳሎ ዝተፈልጠ ነገር የለን፤ ክንደናይ ውጽኢታዊ ክኸውን እዩ? ብኸመይ’ከ ብቕልጡፍ ክዕደል’ዩ ኣይተፈልጠን” ይብል።
እቲ ዝተረኽበ መድሃኒት ዋላ’ኳ ውጽኢታዊ ይኹን፡ እቲ ዘሎ ህይወት ምሉእ ብምሉእ ናብ ንቡር ክምለስ ከምዘጸግምን፡ እቲ መድሃኒት ተረኺቡ እንከሎ’ውን፡ ዕንቕፋታት ከምዝህሉ፡ ወሲኹ ሓቢሩ።
ገለ ካብቲ ዘይተመለሰ ሕቶታት ድማ፡
• ሓንቲ መርፍእ ነቲ ዝድለ ሓይሊ ክህብ ይኽእል ድዩ?
• ትሑት ስርዓተ ምክልኻል ኣብ ዘለዎም፡ ከም ኣብ ኣረጋውያን ክሰርሕ ድዩ?
• ሰባት ዓመት ዓመት ድዮም ነቲ መድሃኒት ክወስዱ ዋላ ናይ ሓደ እዋን እኹል እዩ? ዝብሉ ኣለዉ ይብል እቲ ክኢላ።