እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ኣብኣ ንኢልሃን ዑመር ብሕማም ኮሮናቫይረስ ዓሪፉ
ሶማልያዊት ኣመሪካዊት ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ኢልሃን ዑመር፡ ኣቦኣ ብኮሮናቫይረስ ከምዝሞታ ኣፍሊጣ።
ኢልሃን፡ ብሞት ኣቡኣ መሪር ሓዘን ከምዝተሰመዓ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣቦይ ዝሃበኒ ፍቕርን ሓልዮትን ብቓላተ ክገልጾ ይሐጽረኒ'ዩ ክትብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።
ኢልሃን ምስ ኣቡኣ ኑር ዑመር መሓመድ፡ ካብቲ ኣብ ሶማሊያ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ሃዲሞም'ዮም ብ1995 ናብ ኣሜሪካ ኣትዮም።
ብስደት ናብ ኣመሪካ ዝኣተወት ጓል 38 ዓመት ሶማልያዊት ኣመሪካዊት ኢልሃን ዑመር፡ ካብቶም ቀንዲ ነቐፍቲ ፖሊስታት ፕረዚደንት ትራምፕ እያ።
ኢሊሃን፡ ካብታ ብኩናት ዝተሓመሰት ሃገራ ሶማልያ ሃዲማ ድሕሪ ምውጻኣ፡ ኣብ 14 ዓመት ዕድሚኣ እያ ናብ ኣመሪካ ተሰዲዳ።
ኣብ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ባይቶኣዊ ምርጫ ከኣ፡ ንሚነሶታ ወኪላ ድሕሪ ምውድዳር፡ ኣብቲ ምርጫ ብዓብላሊ ጽምጺ ተዓዊታ።
ንሳ፡ ንፈለማ እዋን ናብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ተመሪጻ ዝኣተወት ኣስላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ እያ።