ኮሮናቫይረስ፡ መጠን መልከፍቲ ኣብ ዝበዝሓ ካብተን ልዕሊ 50 ሃገራት ኣውሮጳ ይውስኽ ኣሎ

ሃገራት ኣውሮጳ ክታበት ኮቪድ-19 ንህዝበን ኣብ ምሃብ "ኣዝየን ምድንጓየን ቅቡል ኣይኮነን" ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ነቒፉ።

ኩነታት ናይቲ ለበዳ ኣብቲ ኣህጉር ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ እናኸፍአ ከምዝኸደ ዝገለጸ እቲ ውድብ፡ እቲ ናይ ክታበት ወፍሪ ምዝሓሉ፡ ንህላወ ናይቲ ለበዳ ኣብተን ሃገራት ከናውሖ ከምዝኽእል፡ ኣብቲ ውድብ ዳይረክተር ዞባ ኣውሮጳ፡ ሃንስ ክሉገ ኣጠንቂቑ'ሎ።

ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዝተጀመረ ወፍሪ ክታበት፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ከም ዝተዳናጎየን፡ መጠን መልከፍቲ ይውስኽ ከምዘሎን ጸብጻባት ይገልጹ።

"ካብቲ ለበዳ ንምውጻእ፡ ክታበት እቲ ዝሓሸ ዘለና መንገዲ'ዩ… ይኹን እምበር፡ ወፍሪ ናይቲ ክታበት ኣዝዩ ምዝሓሉ ቅቡል ኣይኮነን" ክብል ሃንስ ክሉገ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሻቕሎቱ ገሊጹ።

"ምፍራይ ክታበታት ብምዕባይ፡ ነቲ ክታበት ኣብ ምሃብ ንዘሎ ዕንቅፋታት ብምእላይን፡ ከም ትሕጃ ዝሓዝናዮ ኩሉ ብልቃጣት ብምጥቃምን ነቲ መስርሕ ከነቃላጥፎ ኣለና" ኢሉ።

እንተዘይኮይኑ ብሰንኪ ትሑት ክታበት፡ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ዕጽዋታትን ካልኦት እገዳታትን ክገብራ ክግዳዳ ምዃነን ተዛሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሩስያ ኣብ እትርከበን ልዕሊ 50 ሃገራት ኣውሮጳ፡ ልዕሊ 1.6 ሚልዮን ሰባት ክልከፉ እንከለዉ፡ ኣስታት 24,000 ከምዝሞቱ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ።

ዛጊት 10 ሚእታዊት ናይቲ ኣስታት 900 ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝቢ ናይታ ኣህጉር ጥራይ'ዮም ሓንሳብ ተኸቲቡ ዘሎ።

ኣብቲ ዞባ ክሳብ ሕጂ፡ ኣስታት 45 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ምህላዎም ይግለጽ።

ነቲ ለበዳ ንምክልኻል፡ 27 ካብተን ልዕሊ 50 ሃገራት ከፊላዊ ወይ ምሉእ ዕጽዋ ኣዊጀን ዝነበራ'የን።

ጠንቂ ናይቲ ምድንጓይ ክታበት፡ ሕብረት ኣውሮጳ ምስ ትካላት መፍረ ክታበታት ዝነበሮ ናይ ውዕል ምስሕሓብ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ምፍራይን ምምቕራሕን ዝነበረ ጸገማት ምዃኑ ይንገር።

ብዘይካ'ዚ፡ ሓያሎ ሃገራት ኣብ ጎናዊ ሳዕቤን ናይቲ ብኦክስፈርድ ዩኒቨርሲቲን ኩባንያ ኣስትራዘኒካን ዝፈረየ ክታበት ብዝነበረን ስክፍታ፡ ክታበት ደው ኣቢለን ነይረን።

ክታበት ኦክስፈርድ-ኣስትራዘኒካ፡ ምርጋእ ደም የስዕብ'ዩ ዝብል ሻቕሎት ፈጢሩ'ኳ እንተነበረ፡ ትካል ምቁጽጻር ምድሃኒታት ሕብረትኣውሮጳ ግን፡ ጭብጢ ከምዘይረኸበ ብምግላጽ፡ ሃገራት ክጥቀማሉ ከምዝኽእላ ምውሳኑ ይዝከር።

ኣብ ፈረንሳ፡ ፕረዚደንት ኢማኑዌል ማክሮን፡ ትማሊ ረቡዕ ሓድሽ እገዳታት ኣዊጁ'ሎ። ካብ ቀዳም ጀሚሩ'ውን ንክልተ ሳምንቲ ዝጸንሕ ከፊላዊ ዕጽዋ ክጅመር'ዩ። ኣብያተ-ትምህርቲ እታ ሃገር'ውን ንሳልሳይ ግዜ ተዓጽየን ክጸንሓ ተወሲኑ'ሎ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ጀርመን መጠን መልከፍቲ ይውስኽ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኣስታት 35,000 ጀርመናውያን ሓካይም ከኣ ኣብ ናይ ውልቂ ትካላቶም ክታበት ክህቡ ምድላዋት ይገብሩ ኣለዉ።

ኣብ ቤልጁም'ውን መጠን መልከፍቲ ብምውሳኹ፡ እገዳታት ክግበር'ኳ ተሓሲቡ እንተነበረ ቤት ፍርዲ ብራስለስ ኩሎም እገዳታት ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ክለዓሉ ኣዚዙ'ሎ።