ኮሮናቫይረስ፡ ልዕሊ 20 መራሕቲ ሃገራት ዓለምለኻዊ ውዕል ለበዳ ክግብር ጸዊዖም

ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሶን፡ ምስ ልዕሊ 20 መራሕቲ ሃገራት ብምዃን፡ ዓለም ኣብ መጻኢ ከጋጥማ ንዝኽእል ለበዳ ንኽትዳለወሉ ዘኽእል ባይታ ንምጥጣሕ ካብ ሕጂ ክትዳሎን ስምምዓት ክፍረምን ጻውዒት የቕርቡ ኣለዉ።

ካብቶም ዓለም ብሕጂ ንዝመጽኣ ለበዳ ንኽትዳሎ ጻውዒት ዘቕርቡ ዘለዉ መራሕቲ ሃገራት ፕረዚደንት ፈረንሳ ማንኤል ማክሮን፡ ቻንስለር ጀርመን ኣንገላ መርከል ዝርከብዎም 24 መራሕቲ ሃገራት ኮይኖም፡ እቶም መራሕቲ ኣብ ደይሊ ቴሌግራፍ፡ ሊ ሞንደ፡ ኢል ፐይስን ካልኦትን ኣብ ዘውጽእዎ ዓንቀጽ፡ ዓለም ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም፡ ካብ ዝገጠማ ዝዓበየ ብድሆ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምዃኑ ኣብ ዘውጽእዎ መግልጺ ሓቢሮም።

እቶም መራሕቲ ኣብ መግለጺኦም ብሕጂ ከጋጥም ዝኽእል ቅልውላው ናይ ጥዕና "የጋጥምዶ ይኸውን ዘይኮነስ ምዓስ'ዩ ኢላና ንሕሰብ" ኢሎም።

"እዚ ሕጂ ኣጋጢምና ዘሎ ለበዳ ኩሉ ክሳብ ዝድሕን ማንም ሰብ ድሑን ክኸውን ኣይክእልን እዩ" ድሕሪ ምባል ዶብ ሰጊርካ ዝግበር ምትሕብባር ንኽህሉ ልክዕ ከምቲ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኵናት ዓለም ዝተበጽሐ ስምምዓት ሕጂ'ውን ስምምዓት ከምዘድሊ እቶም መራሕቲ ተማሕጺኖም።

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም'ውን ሓደ ካብቶም ምስቶም መራሕቲ ሃገራት ዝፈረመ ኮይኑ፡ "ድሕሪ ምዝዛም ክልቲኡ ኵናት ዓለም ፖሎቲካውያን መራሕቲ ብሓባር ኮይኖም ንናይ ሓባር ጸገማት ክፈትሕዎ ክኢሎም፡ እቲ ዕላማ ንጹር እዩ፡ ሃገራት ብሓባር ኮይነን ናይ ሓባር ጸገመን ክፈትሓ፡ እዚ ዘሎ ጸገም ብውህደት ብምትሕብባር እዩ ዝፍታሕ ብፍላይ ኸኣ ሰላም፡ ብልጽግና ጥዕናን ጸጥታን ብውህደት ምምካት ዝጠልብ እዩ" ኢሉ።

እቶም መራሕቲ፡ ሃገራት ብሓደ መንፈስ ሓሲበን "ንክመጽእ ዝኽእል ተመሳሳሊ ጸገማት ንምትንባይ ክዳለዋ፡ ንኽከላኸላ ንኸለልያን ብሓባር ብዝተወሃደ መደብ ንክምልሳን ካብ ሕጂ ክዳለዋ ኣለወን" ኢሎም።

ነዚ ንምግባር ንኹለን ሃገራት ዝሓቁፍ ሓዲሽ ውዕል ኩለን ከምዘድሊ ብምግላጽ እቲ ዝግበር ስምምዓት፡ ሰባት ብሕጂ'ውን ተመሳሳሊ ለበዳታት ክመጽእ ከም ዝኽእል ኣብ ምስትምሃር፡ ጎኒ ጎኑ ኸኣ ሓበሬታታት ምልውዋጥ፡ ምክፍፋል ክታበትን ናውቲ ሕክምናን ዘጥቓልል ክኸውን ከምዝክል እዮም እቶም መራሕቲ ዝጠቕሱ።

እቶም መራሕቲ ኣብ መግለጺኦም፡ "ብሕጂ'ውን ለበዳ ክህሉ እዩ፡ ዝኾነት ሃገር ወይ ትካል ኸኣ ንበይና ኮይና ክትብድሆ ኣይትኽእልን እያ፡ እቲ ሕቶ የጋጥምዶ ይኸውን ዘይኮነስ ምዓስ'ዩ እዩ ኮይኑ ዘሎ" ኢሎም ብምስዓብ "ለበዳ ኮቪድ 19 ኩሉ ክሳብ ዝድሕን ማንም ሰብ ድሑን ክኸውን ከምዘይክእል ምሂርና እዩ"ኢሎም።

እቲ ኣብ ዝፈላለያ ዓበይቲ ጋዜጣታት ዓለም ዝተሓተመ ጽሑፍ እዞም መራሕቲ፡ "ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ እቲ ዘለና ድኻምን ምክፍፋልን ንኽንርኢ ዕድል ረኺብና ኢና፡ ነዚ ከም ዕድል ተጠቒምና ኪኖ እዚ ብምሕሳብ ንኻልእ ተመሳሳሊ ጸገማት ንኽንዳሎ ካብ ሕጂ ድኻማትናን ከነወግድን ፍልልያትና ከነጽብብን የድሊ" ኢሎም።

እዚ ብመራሕቲ ሃገራት ዝወጽእ ዘሎ ምሕጽንታ፡ ኣብ ጉዳይ ክታበት ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዓባይ ብሪጣንያን ምስሕሓባት ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ ከምኡ'ውን ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ካብተን ሃገራት ናብ ካልእ ሃገራት ዝስደደድ ክታበታት ምቁጽጻር ክግበረሉ ኣብ ዝጠልባሉ ዘለዋ ግዜ እዩ።

ዓባይ ብሪጣንያን ውድብ ጥዕና ዓለምን፡ ነቲ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብቲ ንደገ ዝሰደኦ ክታበታት ምቁጽጻር ክግብር ምውሳነን ተቃዊመሞ ኣለዉ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ብወገኑ እቲ ጸገም ናይተን ክታበት ዘፍርያ ዘለዋ ትካላት ምዃኑ ብምጥቃስ ብፍላይ ኣስትራዜኔካ ክንድቲ ቃላ ዝኣተዎ ክታበታት ኣብ ግዚኡ የረክብ ከምዘየሎ ይኽስስ።

ትካል ኣስትራዜኔካ ብወገኑ ነቲ ብኣውሮጳዊ ሕብረት ዝወጸኣ ክሲ ነጺግዎ'ሎ።