እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ መመዘኒታት ከየማልኡ ምርመራ ኮቪድ-19 ንዝገብሩ ትካላት ኣጠንቂቓ
ትካል ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ፡ ግቡእ መመዘኒታት ከየማልኡ ምርመራ ኮቪድ-19 ንዝገብሩ ትካላት፡ ካብ ተግባራቶም ክቁጠቡ ኣጠንቂቑ።
እቲ ትካል ሎሚ ሰንበት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ መመዘኒታት ከየማልኡ ምርመራ ኮቪድ-19 ዝገብሩ ትካላት ምህላዎም ፈሊጠ’ለኹ ኢሉ።
“ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ‘ምርመራ ኮቪድ-19 ንገብር ኢና ውጽኢት ድማ ኣብ 6 ሰዓታት ንህብ ኢና’ እናበሉ መላለዪ ዝዝርግሑ ትካላት ከምዘለዉ ፈሊጥና ኣለና” ኢሉ ትካል ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ።
እቲ ትካል፡ ናይ መምረመሪ ማእከላት ንምስፋሕ ይሰርሕ ምህላዉ’ውን ገሊጹ’ሎ።
እቲ ትካል፡ ግቡእ መመዘኒታት ዘማልኡ ናይ ኮቪድ-19 ምርመራ ክገብሩ ፍቓድ ዝተውሃቦም ትካላት 15 ከምዝኾኑ ዝገለጸ ክኸውን ከሎ፡ ዝርዝሮም ድማ ኣብ ፌስቡክ ዘርጊሑዎ ኣሎ።
ኢትዮጵያ፡ ዛጊድ ን ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ምርመራ ኮሮናቫይረስ ዝገበረት ኮይና፡ ልዕሊ 158 ሽሕ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ኣረጋጊጻ እያ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ዘውጸኦ ዕለታዊ መግለጺ ከምዘርእዮ፡ ዛጊድ 134,736 ሰባት ዝሓወዩ ኮይኖም፡ 2,354 ሰባት ድማ በቲ ሕማም ሞይቶም እዮም።