ክፍተት መረዳእታ ኣፍሪቃ፡ ሞት ዘይምምዝጋብ ዘስዕቦ ክሳራ

ቢቢሲ፡ ካብ 50 ሃገራት ኣፍሪቃ እተን ሸሞንተ ጥራይ ጥንኩር ስርዓት ምዝገባ ቁጽሪ ሞት ከም ዘለወን ብመርመራ ኣረጋጊጹ።

እዚ ጉዳይ፡ ሓንቲ ሃገር ሞት ሰባት ኣብ ግምት ውሽጢ ዘይምእታዋ ጥራይ ዘርእይ ዘይኮነሰ፡ ጉዳይ ፖሊሲ መንግስቲ'ውን ዝምልከት እዩ።

ኣብ ኤውሮጳ፡ ብጀካ ኣልባኒያን ሞናኮን ኩለን ሃገራት፡ ዓለምለኻዊ ስርዓት ምዝገባ ሞት ኣለወን።

ኣብ ኤስያ ድማ እተን ልዕሊ ፍርቂ ሃገራት ሞት ዝስንዳሉ ስርዓት ከም ዘለወን መረዳእታ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ኣብ ኣፍሪቃ ግን፡ ግብጺ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ቱኒዝያ፣ ኬፕ ቨርደ፣ ሳዎ ቴሜ ፕሪንሲፔ፣ ሲሸልስን ሞሪታኒያን ጥራይ እየን ሞት ዝምዝግባሉ መገዲ ዘለወን።

ቢቢሲ ምስ ኮሚሽን ቁጠባ ኣፍሪቃ ብዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኩለን ሃገራት ሞት ዝምዝግባሉ ሓደ መገዲ ከም ዘለወን የርእይ።

እንተኾነ፡ መብዛሕትኡ ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ እምበር ብኣግባቡ ዝተሰነደ ኣይኮነን።

ኣብ እዋን ለበዳ ኢቦላ ኮነ ኮቪድ-19 ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ብኣግባቡ ክስነድን ምኽንያት ሞቶም ክምዝገብን ምግባር ሃብቲ ንምክፍፋል ይሕግዝ።

እዚ ሞት ህጻናትን ኣደታትን'ውን ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ይግባእ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሞት ህጻናት ከይተመዝገበ'ዩ ዝተርፍ።

ሰራሕተኛ ኮሚሽን ስነ ቑጠባ ሕቡራት ሃገራት ዊልያም ሙህዋቫ እዚ "ንህጻናት መንነቶም ምምንዛዕ'ዩ" ብምባል ይነቅፍ።

"ብህይወት ዘለው ሰባት ንምሕጋዝ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ክንፈልጥ ይግባእ" ዝብል ድማ ሰራሕተኛ ፈንድ ህዝቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሮሜሽ ሲልቫ እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣዐርዮም ድኻታት ዝኾኑን ሓባሪ ዝስኣኑን ክፋላት ሕብረተሰብ፡ ሞቶም ከይተመዝገበ ይተርፍ።

ሞት እዞም ሰባት ኣይተመዝገበን ማለት ድማ፡ እቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝሕግዝ መገዲ የለን ማለት እዩ ይብል።

ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ፡ ቁጽሪ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሞቱ ሰባት ምስ ካልእ ሃገራት ዓለም ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።

ሞት ኮሮናቫይረስ ምቑጻር

ልዕሊ ዓቐን ዝኾነ ሞት ማለት፡ ቁጽሪ ኣብ እዋን እቲ ሕማም ናይ ዝሞቱ ሰባት ምስቲ ሕሉፍ እዋን ዘጋጥም ዝነበረ መጠን ሞት ክነጻጸር እንከሎ ዝስላሕ'ዩ።

ይኹን'ምበር፡ እዚ ንምፍላጥ ሞት ብኣግባቡ ክስነድ ይግባእ።

ልዕሊ ዓቐን ዝኾነ ሞት ተመዝጊቡ ማለት ከኣ፡ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ወሲኹ ኣሎ ማለት'ዩ።

ብመሰረት ላንሴት ኣብ 118 ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኮቪድ-19 ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ብዝፈጠሮ ጸቕጢ ልዕሊ 1.1 ሚሊየን ህጻናትን ልዕሊ 56 ሽሕ ኣደታትን ሞይቶም።

ደቡብ ኣፍሪቃን ግብጽን ካብተን ሸሞንተ ሃገራት ዝሓሸ ስርዓት ምዝገባ ሞት ስለ ዘለወን፡ ልዕሊ ዓቐን ዝኾነ ሞት ክዕቅና ይኽእላ።

ክሳብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዘጋጠመ ልዕሊ ዓቐን ሞት 138 ሽሕ ሰባት መዝጊባ። እዚ ሰለስተ ዕጽፊ ካብቲ ስሩዕ ቑጽሪ'ዩ።

ብዝርዝር ክቕመጥ እንከሎ፡ 46 ሽሕን 200 ሰባት ብወግዒ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ከም ዝሞቱ ናይ ሞት ሰርተፊኬቶም የረድእ።

እዚ ማለት ካልኦት 91 ሽሕን 500 ሰባት ምኽንያት ሞቶም ኣይተፈልጠን፤ ወይ'ውን ናብ ሆስፒታል ከይኸዱ ብምስጋእ መርመራ ከይገበሩ ብተዛማዲ ሕማማት ዝሞቱ'ዮም።

ግብጺ'ውን ልዕሊ ዓቐን ሞት ክትምዝግብ ዝኽኣለት ሃገር እያ። ካብ ግንቦት ክሳብ ነሓሰ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ ልዕሊ 68 ሽሕ ልዕሊ ዓቐን ሞት መዝጊባ።

እንተኾነ፡ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ልዕሊ ዓቐን ሞት ይምዝግባ ኣለዋ'ዶ የለዋን ዝብል ክፈልጣ ዘይኽእላ እየን።

ኣብ 14 ሃገራት ካብ ዘጋጥም 10 ሞት እቲ ሓደ ጥራይ'ዩ ምስ ኮሮናቫይረስ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ዝግለጽ።

ካብዚን ናይጄሪያ፣ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ካሜሩንን ይጥቀሳ።

ልዕሊ ፍርቂ ሃገራት በረኻ ሰሃራ ቑጽሪ ዘጋጥመን ዘሎ ሞት ኣብ ወረቐት'የን ዝሕዝኦ።

ከም ኤርትራን ብሩንድን ዝበላ ሃገራት ከኣ፡ ዋላ ሓደ ክምዝግባሉ ዝኽእላ መገዲ የብለንን።

ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝሞቱዋ ሰባት ሸውዓተ ምዃኖም ጥራሕ እያ እትገልጽ፤ ብሩንዲ ከኣ ሰለስተ ትብል።

ኣብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ቀዳመይቲ ዝኾነት ናይጄሪያ፡ ኣብ 2017 10 ሚኢታዊት ሞት ጥራሕ እያ መዝጊባ።

ናይጄሪያ፡ ካብ ሞት ሓደ ሚሊየን ሰባት ናይቶም ትሸዓተ ብኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ'ዩ ትብል።

ብኻልእ ወገን ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ሞት ሓደ ሚሊየን ናይቶም 808 ኮሮናቫይረስ እዩ ክትብል እንከላ፡ ቱኒዝያ ድማ 638 ከም ዝኾነ ትገልጽ።

ሪፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ብምኽንያት ንዓመታት ዝቐጸለ ጎንጺ እቲ ዝተሓተ ስርዓት ምዝገባ ሞት ካብ ሞንጎ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ'ያ።

ብ2017፡ ኣብታ ሃገር ክልተ ሚኢታዊት ሞት ጥራይ'ዩ ተመዝጊቡ።

እዚ፡ ከኣ ካብ ሞት ደቂ ተባዕትዮ ክልተ ዕጽፊ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ዝተመዝገበ ኮይኑ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ባንጉን ከባቢኣን ዝተሰነደ እዩ።

ሴኔጋልን ሩዋንዳን ዓለምለኻዊ ስርዓት ምዝገባ ሞት ንክስዕባ ምስ ዘይመንግስታዊ ትካላት ክሰርሓ ጀሚረን ኣለዋ።

ቶጎ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ሴራሊዮን፣ ላይቤርያን ጋናን'ውን ምስ ኣፍሪቃ ፊልድ ኢፒዶሞሊጂ ብሓባር ሞት ክምስግባ ጻዕሪ ይገብራ ኣለዋ።

ጫድን ላይቤርያን፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ሕብረሰተብ ካብ ሆስፒታል ወጻእ ንዘጋጥም ሞት ንሰበ ስልጣን ሓበሬታ ክህቡ ይሓታ።

ሞት ብሞባይል ንምምዝጋብን ንምስናድን ዝጽዕራ ገለ ሃገራት ከኣ ኣለዋ።

ኣብ ሩዋንዳን ሞዛምቢክን ሰባት ቴሌፎን ተጠቒሞም ኣብ ኤሌክትሮኒካዊ ስርዓት ሞት ክምዝግቡ ክገብራ እንከለዋ፡ ዩጋንዳ'ውን ኣብ ሆስፒታላት ዝህሉ ልደትን ሞትን ብሞባይል ንምምዝጋብ ዘኽእላ ስርዓት ፈጢራ ኣላ።

ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርታት ዓመታት እዚ ዓይነት ምህዞ ሃገራት ክበጽሕኦ ዝግባእ ደረጃ ምዝገባ ሞት ከሳኽዓ ክሕግዘን ምዃኑ ክኢላታት ስነዳ መረዳእታ ይዛረቡ።