ኮቪድ፡ ባይደን ንሞት 500 ሽሕ ኣመሪካውያን 'ልቢ ዝሰብር ናይ ታሪኽ ምዕራፍ' ኢሉዎ

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣመሪካ ንዘጋጠመ ሞት 500 ሽሕ ሰባት ኣብ ዝተዳለወ ዝኽሪ ተረኺቡ፡ "ከም ሃገር ከምዚ ዓይነት ጨካን ዕጫ ክንቅበል የብልናን፤ ሓዘን'ውን ከፍዝዘና የብሉን" ኢሉ።

ኣመሪካ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ መጠን ሞት ዘመዝገበት ሃገር ኮይና ኣላ።

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ቤተ-መንግስቲ ኣመሪካ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝነበረ ስነ ስርዓት ምብራህ ሽምዓ፡ እቲ ፕረዚደንትን ምክትል ፕረዚደንትን ምስ መጻምድቶም ናይ ሕልና ጸሎት ገይሮም።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝርኣ ንነጀው፡ ልዕሊ 28.1 ሚልዮን ኣመሪካውያን ዝተለኸፉ ኮይኖም፤ እዚ'ውን ካብ ዓለም እቲ ዝዓበየ'ዩ።

"ሎሚ መዓልቲ ኩሉ ኣመሪካዊ ነቶም ብሞት ዝስኣንናዮም ክዝክር እሓትት" ብምባል ዜጋታት ዝርግሐ ናይ'ቲ ቫይረስ ኣብ ምቁጽጻር ክቃለሱ ጸዊዑ።

ጆ ባይደን ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ብዝሒ ኣብ ኣመሪካ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዘጋጠመ ሞት፡ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ኲናት ዓለም ከምኡ'ውን ኲናት ቬትናም ተደሚሩ ካብ ዘጋጠመ ሞት ኣመሪካውያን ዝዛየደ ምዃኑ ተዛሪቡ።

"ሎሚ መዓልቲ ብሓቂ ልቢ ዝሰብር ኣገዳሲ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ንዝክር ኣለና፤ 500,071 ሰባት ሞይቶም" ኢሉ።

ኣብ ጉዕዞ ህይወቱ ዝሓለፎም ዘሕዝኑ ኣጋጣሚታት ዘልዓለ ፕረዚደንት ባይደን፡ ብ1972 ዓ.ም በዓልቲ ቤቱን ሓንቲ ጓሉን ብሓደጋ መኪና ከምኡ'ውን ብ2015 ሓደ ወዱ ብመንሽሮ ሓንጎል ምሟቶም ኣዘኻኺሩ።

"እዚ ንዓይ ኣብ ውሽጢ ሓዘን ዕላማ ምርካብ እዩ ዝምህረኒ" ኢሉ።

ጆ ባይደን ቅድሚ ቃለ መሓላ ምፍጻሙ ብ19 ጥሪ 2021፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ንዝሞቱ 400 ሽሕ ዜጋታት ዝኽሪ ገይሩ ነይሩ።

ኣብ ኣመሪካ ኣጋጢሙ ዘሎ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዓለም ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ካብ ዘላ ህንዲ ክልተ ዕጽፊ ኮይኑ፡ ህንዲ 11 ሚልዮን፣ ብራዚል 10.1 ሚልዮን መልከፍትታት ኣመዝጊብን ኣለዋ።

ከም ግምት ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን፡ ክሳብ ሓደ ሰነ 2021 ተወሰኽቲ ኣስታት 90 ሽሕ ኣመሪካውያን ብኮሮናቫይረስ ክሞቱ'ዮም።

እቲ ኢንስቲትዩት ክሳብ መወዳእታ ግንቦት፡ መዓልታዊ 500 ሰባት ከም ዝሞቱ'ዩ ዝገልጽ። ኣብዚ ሕጂ እዋን መዓልታዊ 1.6 ሚልዮን ክታበት ንኣመሪካውያን ይወሃብ ኣሎ።

ይኹን'ምበር፡ ሰብ ሞያ እቲ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ዝርግሐ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ፡ ንቁጽሪ መዓልታዊ ዘጋጥም መልከፍቲ ከዛይዶ ይኽአል'ዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣመሪካ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ፡ ኣመሪካውያን ብህይወት ናይ ምንባር ዕድል ብሓደ ዓመት ከም ዝጎደለ ሓቢሩ ነይሩ።

ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሰነ 2020 ጸለምቲ ደቂ ተባዕትዮ እቲ ዝለዓለ ምጉዳል ካብ ዘርኣዩ ኮይኖም፡ ብህይወት ናይ ምንባር ዕድሎም ብሰለስተ ዓመት ነክዩ።

ካብ ላቲን ኣመሪካ ዝውለዱ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ብ2.4 ምጉዳል ኣርእዮም።