ኤርትራ፡ ምፍኳስ ተሪር ዕጽዋን እገዳታንት ኮሮናቫይረስ ይቕጽል ኣሎ

ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ህዝባዊ መጓዓዝያ ምድሪ ካብ ሎሚ "ብኸፊል" ከምዝተጀመረ ሚኒስተር ዜና ሓቢሩ።

ሚኒስተር የማነ ገረብመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ምጅማር መጓዓዝያ ኣብ ውሽጢ ከተማታት፡ ከምኡ'ውን ካብን ናብን ከተማታት ዝምልከት ምዃኑ ጠቒሱ።

"ምስ ምኽፋት ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኸፊላዊ ምጅማር ህዝባዊ መጓዓዝያ ሎሚ ተጀሚሩ'ሎ። ኣውቶቡሳት ኣብ ከተማ፡ ከምኡ'ውን ካብን ናብን ከተማታት ናብ ዘለዉ ቀንዲ መስመራት ክምለሳ'የን" ኢሉ።

ይኹን እምበር፡ እተን ኣውቶቡሳት ካብ ሓደ መበገሲ ነጥቢ ክሳብ ናይ መወዳእታ ዝበጽሓሉ ቦታ ብቐጥታ ዝኸዳ እምበር፡ ኣብ መንጎ ደው ከምዘይብላ ዘለዋ ገለ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ታክስታትን ናይ ብሕቲ ናይ ገዛ መካይንን ግን ዛጊት ብዘይ ፍቓድ ክንቀሳቐሳ ከምዘይተፈቕደለን እቶም ጸብጻባት ይገልጹ።

ካብን ናብን እታ ሃገር ዝግበር ንግዳዊ በረራታት''ውን ክሳብ ሕጂ ተኣጊዱ ይርከብ።

መንግስቲ ነተን፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተዓጽየን ዝጸንሓ ኣብያተ-ትምህርቲ ካብ ሓሙስ 1 ማዝያ ጀሚረን ክኽፈታ ከምዝወሰነ ይዝከር።

እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ምፍኳስ ናይቲ ተሪር ዕጽዋን እገዳታትን፡ "ንኹሉ ናይ ምክልኻልን ምክትታልን ቅጥዕታት" ዘማልአ ከምዝኸውን እቲ ሚኒስተር ዜና ገሊጹ'ሎ።

እቲ ካብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት 2020 ዝተጀመረ ናይ ምርጋጥ ስጉምቲ፡ ኣብ ህዝቢ ከቢድ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዉ ምስዓቡ ይንገር።

ዋላ'ኳ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ትሑት ቁጽሪ መልከፍትን ሞትን ዘለወን ሃገራት እንተኾነት፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ናህሪ ናይቲ ለብዒ እናበረኸ ይኸይድ ምህላዉ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና የረድኡ።

ክሳብ ሎሚ ኣብታ ሃገር 3,208 ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም፡ 9 ድማ ሞይቶም ኣለዉ።