እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሚኒስትራት ጥዕናን ፋይናንስን ኣፍሪቃ፡ ምስ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ክዝትዩ’ዮም
ሚኒስትራት ጥዕናን ፋይናንስን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ምስ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ጉዳይ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከምዝዝትዩ ተገሊፁ።
ክታበት ኮቪድ-19፡ ብኸመይ ፍትሓዊ ብዝኾነ መገዲ ኣብታ ኣህጉር ክከፋፈል ይኽእል ኣብ ዝብል ክዘራረቡ ምዃኖም ትፅቢት ይግበር።
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ትማሊ ረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ “ኣብ ኣፍሪቃ ክታበት ንምብፃሕ፡ ዝከኣለና ኩሉ ንገብር ኣለና። ህይወት ንምድሓንን፡ ቁጠብአን ናብ ንቡር ክምለስን ክንጽዕር ኢና። ዝተረፈ ዓለም’ውን፡ ብፅሒቱ ከበርክት ይግባእ” ኢሉ።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ፕረዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃን ኣቦወንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ሲሪል ራማፎሳ፡ ሃፍታም ሃገራት ሕልፊ ትርፊ ዝኾነ ክታበታተን ንድኻታት ሃገራት ከካፍላ፡ ተማሕፂኑ ነይሩ።
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ምክፍፋል ክታበት ኮሮናቫይረስ ክፈጥሮ ዝኽእል ሞራላዊ ቅልውላው፡ ከምዘሻቕሎ ገሊፁ እዩ።
ሓላፊ፡ ናይቲ ፍትሓዊ ክፍፍል ክታበት ክህሉ ዝሰርሕ ትካል ጋቪ ዶክተር ሴት ቤክሊ፡ ድኻ ሃገራት ነዚ ክታበት ቅድሚ ምርካበን፡ ሃፋታም ሃገራት ንዜጋታተን ኩሉ ክባፃሕ ዝኽእል፡ 800 ሚልየን ዶዝ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝዓደጋ ገሊፁ።
“ካብዚ ብተወሳኺ፡ ሃፍታም ሃገራት ዓለም፡ 1 ነጥቢ 4 ቢልየን ካልእ ኣማራፂ ክታበት ኣለወን” ኢሉ።
ኣብቲ ብ ‘ቨርቹዋል’ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ቁጠባ ዓለም (ዎርልድ ኢኮኖሚክ ፎርም) ዝተዛረበ ዶክተር ሴት፡ ሃፋትም ሃገራት ዝኸዘንኦ ትርፊ ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ ንድኻታት ሃገራት ክህባ ንምሕታት ከምዝተተለመ ኣአንፊቱ።
“እዚ እንተዘይሰሚሩ ግና፡ እቲ ክታበት ካብአን ከምንዕድግ ክንነግረን ኢና” ኢሉ።
ዛጊድ፡ ልዕሊ 45 ሃገራት ዓለም፡ንዜጋታተን ክታበት ኮቪድ-19 ምኽታብ ጀሚረን እየን።
ካብ ኣፍሪቃ ከኣ፡ ግብፂ፣ ሞሮኮ፣ ጋና፣ ሞሪሽየስን ሲሸልስን ድማ፡ ዝያዳ ነዚ ቫይረስ ክቃልዑ ንዝኽእሉ ሰብሞያ ጥዕና፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ይኸትባ ኣለዋ።
ሓሙሽቲአን ሃገራት፡ ካብ ሃፍታም ሃገራት ሓገዝ ብምርካበን እየን፡ ምኽታብ ጀሚረን ዘለዋ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ክታበታት ፋይዘርን ባዮንቴክን፡ ኣብ ረብሓ ክውዕል ዋላ’ኳ እንተፈቐደ፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንክከፋፈሉ ግና ኣይፈቐደን ዘሎ።