እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ንክኽታብ ዘታለለ ሓላፊ ካብ ስርሑ ለቒቑ
ዋና ፈፃሚ ስራሕ፡ ልዕሊ ክልተ ቢልየን ዳላር ንዝግመት ትካል መጻወቲ ጠላዕ [Casino]፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምርካብ ምስ ኣታለለ፡ ካብ መዝነቱ ለቒቑ።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይቲ 'ግሬት ካናዲያን ጌሚንግ' ዝተብሃለ ትካል መጻወቲ ጠላዕ፡ ሮድ ቤከር ምስ በዓልቲ እንድኡ ኢካትሪና፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምርካብ፡ ንሰብመዚ ከታልሉ ፈቲኖም ዝብል ክሲ ቐሪብበሎም።
እቶም ሰብ ሓዳር፡ ኣብ ግዝኣት ዩኮን ናብ ዝርከብ ገጠር ብምኻድ እዮም፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ክኽተቡ ፈቲኖም።
ኣብዚ ናይ ደቂ ኣባት ካናዳውያን መንበሪ ዝኾነ ግዝኣት ዩኮን፡ ካብ ካልኦት ክፋላት ካናዳ ብዝተፈለየ፡ ክታበት ቀልጢፉ ይወሃብ ከምዘለሎ እዩ ዝግለፅ።
እዞም ሰብሓዳር ድማ፡ ሰራሕተኛታት ሆቴል ኢና ብዝብል ሽፋን እዮም፡ ናብቲ ቦታ ከይዶም።
ኣብቲ ግዝኣት ኣብ ትርከብ ቁሸት ቢቨር ክሪክ፡ እቲ ዝተለምዎ ክታበት ኮሮናቫይረስ ምስተኸተቡ፡ 'ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ውሰዱና' ብምባሎም እዮም፡ ከምዘታለሉ ተቓሊዖም።
ሚኒስትር ማሕበረሰባዊ ኣገልግሎት ግዝኣት ዩኮን ጆን ስትሬይከር፡ “በዚ ስሱዕ ዝኾነ ባህርይኦም ብጣዕሚ እየ ሓሪቐ። በዚ መገዲ እዚ ሰብ ብምትላል፡ ከምዚ ዓይነት ተግባር ክፍፀም እዩ ኢልና ብፍፁም ኣይሓሰብናን” ኢሉ።
ሮድቤከርን በዓልቲ እንድኡን፡ ን 14 መዓልታት ንርእሶም ከይወሸቡ፡ ካብ ግዝኣት ቫንኮቨር ናብ ዩከን ስለዝኸዱ ከኣ ተቐፂዖም እዮም።
ኣብ መወዳእትኡ ድማ፡ እቶም ነበርቲ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ክህብዎም ስለዘይፈቐዱ፡ ናብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ብእግሮም ሰለይ ኢሎም ክበጽሑ ተገዲዶም።